ኣብ ው.ሕ.ሃ. ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዝነበረት ኒኪ ሃለይ ኣብ ናይ 2024 ፕረሲደንታዊ ምርጫ ክትወዳደር ምዃና ኣዊጃ።

ኒኪ ሃለይ ካብ 2017 ክሳዕ 2018 ኣብ ትሕቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣምባሳደር ው.ሕ.ሃ. ኰይና ኣገልጊላ እያ ።

A woman speaking at a podium

ሚስ ሃለይ ኣብ 2024 ናይ መባእታ ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ኣርባዕተ ሚኢታዊት ከም ዝነበረትን ካብ ዶናልድ ትራምፕ ብ48 ሚኢታዊት ርሒቓ ከምዝነበረትን ይፍለጥ ። Source: AP / Carolyn Kaster

ናይ ቅድም ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሄሊ ፡ ፕረዚደንት ንምዃን ብሰሉስ ኣብቲ ጎስጓስ ከምዝኣተወት ኣፍሊጣ ፡ ሓለቓኣ ንዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ንምስዓር- ናይ ፈለማ ሕጹይቲ ተወዳዳሪት ኰይና ፡ ን ሪፓብሊካን ወኪላ ከምትወዳደር ብሰሉስ ኣፍሊጣ ።
ሚስ ሃለይ ነቲ ወዲ 76 ዓመት ዶናልድ ትራምፕ ከም ኣማራጺት መንእሰይን ዝተሃደሰትን ጌራ ብምቕራብ: ንሰሙናት ብውሽጢ ውሽጢ ኣብ 15 ለካቲት "ዓቢ ምልክታ" ከምተቃልሕ ክትሕብር እያ ጸኒሓ ።
ኣብ መወዳእታ ፡ እታ ጓል 51 ዓመት ፡ ኣብ መዓልቲ ቫለንታይን ብወግዒ ኣብቲ ንሕንሕ ከምዝ ኣተወት ሓበረት ።

ናይ ቀደም ኣመሓዳሪት ደቡብ ካሮላይናን ውላድ ህንዳውያን ስደተኛታትን ዝኾነት ኒኪ ብቪድዮ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ "ኣነ ኒኪ ሃሊ ፡ ፕረዚደንት ንምዃን ክወዳደር እየ" በለት ።

'ካብ ህንዲ ዝመጹ ስደተኛታት ወለዲ ዝተወለድኩ ሕብንቲ'

ሚስ ሃለይ ነቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሌታዊ ውጥረት ዝሓረረ ህዝቢ ሓድነት ከተምጽእ ከምትኽእል ዝገለጸቶ ኣብዚ ኩነታት ዝተሸመ ሰልፊ ሪፑብሊካን ሃገርን እንደገና ከተበራትዕ እትኽእል እያ ገሊጻ።

"ካብ ህንዳውያን ቤተ ሰብ ተሰዲዶም ካብ ዝመጹ ወለዲ ፡ ዝመጽእኩ እየ። ጻዕዳ ኣይኮንኩ ጸሊም ። ኣነ ፍልይቲ እየ "በለት ።

"ኣደይ ግና ፡ 'ከተተኩርሉ ዝግባእ ኣብ ፍልልያት ዘይኰነስ ፡ ኣብ ምምስሳል እዩ ከተኵር ዘለዎ" እያ እትብል ነይራ ።

ቀጺላ ድማ ፡ "ገሊኦም ንሕሉፍ ስርዓታት ኣመሪካ ከም ሕማቕ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ" ትብል ።
"መብጽዓ ሓርነት ተኣትዩ እዩ ይብሉ ። ገሊኦም ሰባት ፡ ሓሳባትና ጌጋ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ዓሌታውን እከይን ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝሓስቡ ። ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ነገር የልቦን "
ሚስ ሃለይ ፡ እንተ ተመሪጻ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክትከውን እትኽእል ኮይና፡ እንተኾነ ኣብቲ ንሕንሕ ዝ ኣትዉ ኣባላት ሰልፊ ሪፑብሊክ ናይ መወዳእታ ኣይክትከውንን እያ።
ገለ ናይ ዋሽንግተን ተዓዘብቲ ነቲ መግለጺኣ ከም ናይ ፍሎሪዳ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ሮን ደሳንቲስ: ናይ ትራምፕ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስን ጸሓፊ ናይቲ ግዝኣት ማይክ ፖምፐዮን ናይ ቀደም ኣመሓዳሪ ሜሪላንድ ዝነበረ ላሪ ሆጋንን ዝኣመሰሉ ገዳይም ተቓወምትን ጸኒሖም ኣብቲ ዉድድር ክሳተፉ ድልየቶም ክርእዩ ይኽእሉ እዮም ።

ሓርፋፍ ዉድድር ምስ ትራፕ

ልክዕ ከምዚ እዋን እዚ ኣብ ናይ 2020 ናይ ምርጫ ዑደት 10 ዲሞክራት ጎስጓሳት ወይ ዳህሳሳዊ ኮሚተታት ኣካይዶም ኔሮም ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ብወግዒ ነዚ ዘተግብሩ ዘለው ዶናልድ ትራምፕን ሚስ ሃለይ ጥራይ እዮም ።

ኣብቲ ንሳ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ ቻይና በቲ እቶም ውሑዳን ዝዀኑ ኣባላት ዓሌታ ዝፈጸቶ "ጃምላዊ ቅትለት" ከም እትጉሂ ፡ ሩስያ "ትምርሽ ከም ዘላ" ድሕሪ ምጥቃስ ፡ ህዝቢ ኢራን ነቲ መንግስቲ ብምብዳሁ ፡ ገዛእ ህዝቡ ብ "ቅትለት" ከም እተሳሃሎ ከሲሳ ።

ሚስ ሃለይ ምስ ናይ ኣመሪካ ተጻረርቲ ጽኑዕ ተጻራርነት ከም ትወስድ መብጽዓ ኣተወት ።

ሚስ ሃለይ ኣብ ፖለቲካ ደቡብ ካሮላይና ቀልጢፋ እያ ዓብያ ፣ ከም ዝመስላ ትዛረብ ዓቃባዊት ስም ከም ዝህልዋ ዝገበረት እያ ።
ነቶም ኣብ ናይ 2016 ፕሬዝዳንታዊ ዉድድር ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝነበሩ ማርኮ ሩብዮን ቴድ ክሩዝን ደገፈቶም: ንፕረዚደንት ትራምፕ ድማ "ንፕረዚደንት ኣየድልን እዩ" ኢላ ኣዋዲቓቶ ኔራ ።
እንተዀነ ግን: ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዕዋቱ ከም ልእኽቲ ው.ሕ.ሃ. ን ሚስ ሃለይ ብምሻም፡ ኣብቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ጻዕዳ ምዃኑ ዝንቐፍ ካቢነ ሚኒስተራቱ ገጽ ናይ ብዙሕነት ምልክት ኰነት ።

Composite image: Nikki Haley, the US ambassador to the United Nations (L) and US President Donald Trump
Composite image: Nikki Haley, the US ambassador to the United Nations (L) and US President Donald Trump Source: AAP

ሚስ ሃለይ ኣብ 2024 ናይ መባእታ ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ኣርባዕተ ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐት ካብ ዶናልድ ትራምፕ ብ48 ሚኢታዊት ርሒቓ ወጺኣ ፡ ካብ ሚስተር ደሳንቲስ ብ30 ሚኢታዊት ፡ ካብ ሚስተር ፔንስ ድማ ብሸውዓተ ሚኢታዊት ርሒቓ ከምዝወጸት ይግለጽ ።

Share
Published 15 February 2023 1:42pm
Source: SBS


Share this with family and friends