ናይጀርያ ፡ እቲ ዓርሞሸሽ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኾነ ትዊተር ካብ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ዝተጻሕፈ ነቶም ኣብታ ሃገር ክግንጸሉ ዝሓስቡ ዘፈራርሕ መልእኽቲ ምስ ኣልገሶ ፡ ትዊተር ኣብታ ሃገር ንጥፈታቱ ከይቅጽል ደው ኣቢልዎ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ላይ መሓመድ ፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ "ንናይጀርያ ትካላዊ ህልውና ከዳኽም ዝኽእል ንጥፈታት ብቐጻሊ ስለ ዝጥቀመሉ" ኢሉ ።
ሚስተር መሓመድ ፡ እቲ ምድስካል ንጥፈት እንታይ ዓይነት ቅጥዒ ከም ዘለዎ ኣይገለጸን ፣ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ።
መርበብ ሓበሬታ ትዊተር ኣብ ናይጀርያ ኣብ ገለ ተጠቀምቲ ሞባይል ብቐዳም ይሰርሕ ኣይነበረን ፡ እቲ ኣፕሊኬሽንን መርበብን ኣብ ካልኦት ይዓዪ ከምዝነበረን ሮይተርስ ካብ ሌጎስን ኣቡጃን ይሕብር ።
ኩባንያ ትዊተር ኣብ መግለጺኡ ፡ ትዊተር ብዛዕባቲ ስጉምቲ "ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦ" እቲ ብመንግስቲ ናይጀርያ ዝተወሰነ ይምርመር ኣሎ ፣ዝያዳ ምስ ፈለጥና ድማ ፡ እዋናዊ ሓበሬታ ክህብ እዩ" ኢሉ።
ብረቡዕ ፡ እቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ፡ ሚስተር ቡሃሪ ኣብ ልዕሊ ህንጻታት መንግስቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንዝውቀሱ ጉጅለታት ንምቕጻዕ ዘፈራርህ መልእኽቲ ፡ ነቲ ናይ ትዊተር ፖሊሲ "ዓማጺ ባህሪ" ከም ዝጠሓሰ ገሊጹ ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፡ ትዊተር ንጎረቤት ጋና ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ቤት ፅሕፈት ጌሩ ብምምራጹ ፡ ሚኒስተር ሓበሬታ ናይጀሪያ ኣዝዩ ተቘጢዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ናይጀሪያ ከምዝገለጾ፡ እቲ ኩባንያ በቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝቐርብ ናይ ናይጀርያ ዘይርጡብ ጸብጻባት ተጸልዩ ከም ዝነበረ ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተገብረ ተቓውሞታት ከም እተቓወመ ዝገልጽ ጸብጻባት ዘጠቓልል እዩ ።
ፖሊስ ኣብ ስርሑ ምምሕያሽ ንኽግብር ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም ከምዝውደቡን ፡ ገንዘብ ከምዘዋህልሉን እቲ ፖሊስ ዝገብሮ ዓመጻት ብቪድዮ እናቐድሑ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዘጋልጽዎ ገሊጹ ።
ድሕሪ እቲ ተቓውሞ ሚስተር መሓመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ዜና ሓሶት" ከይዝርጋሕ ፡ "ገለ ዓይነት ስርዓት" ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ ።