'ሓድሽ ገጽ ኲናት': እስራኤልን ህዝቦላህን መጥቃዕቲ ኣብ ዝለዋወጥሉ ዘለዉ እዋን ነቲ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዘደይብዎ ይገልጹ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ንደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ድሕሪ ምጥቀዐን ሕዝቦላህ ድማ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሮኬታት ድሕሪ ምትኳሱ ፡ ሊባኖስ "ካልእ ቓዛ" ክትከውን ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ ።

Smoke billowing from an Israeli airstrike on the outskirts of the southern Lebanese village of Zawtar on Saturday.

Credit: Source: Getty / Rabih Daher/AFP

ክልቲኦም ወገናት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ካብ ውግእ ክምለሱ ኣህጉራዊ ጻውዒት እኳ እንተ ቐረበሎም ፡እስራኤልን ሕዝቦላህን ነቲ ስግረ ዶብ ዝግበር መጥቃዕትታት ፡ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ከምዘብጽሕዎ የፈራርሑ ኣለዉ ።
ብሰንበት ካብ ሊባኖስ ጽዑቕ ናይ ሮኬት ድሕሪ ምውንጫፉ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ እስራኤል "ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ተኸታታሊ ዕንወት" ከም ዘውረደት ገሊጹ ።
ምክትል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሕዝቦላህ ናዒም ቃሰም ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ምስ እስራኤል ዝገብሮ ውግእ "ሓድሽ ምዕራፍ" ሒዙ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ክልቲኦም ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ እተዛረቡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መዕቈቢኦም ብቦምብ ከም ዝተደብደቡን እቲ ደብዳብ ኣብ ከባቢ ሃይፋ ጕድኣት ከም ዘውረዱን ገሊጾም እዮም ።
ናታንያሁ ፡ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ዝወርድ መጥቃዕቲ ኽትጻወሮ እትኽእል ሃገር የላን" ድሕሪ ምባል ፡ እቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘበገሶ መጥቃዕቲ ፡ ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ፡ ሕዝቦላህ እውን ዘጠቓልል እዩ ኢሉ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እስራኤል ሄሪዚ ሃለቪ ብቪድዮ ኣብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንእስራኤል "ንዘስግኣ ዘበለ ኩሉ" ከም ዝወቕዖም ተመባጽዐ ።
እታ ቀንዲ መሻርኽቲ እስራኤል ዝዀነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ወተሃደራዊ ምስሕሓብ ን እስራኤል "ዝሓሸ ተገዳስነት" ከም ዘይብሉ ክትገልጽ ከላ ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፡ ዋሽንግተን እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ደረጃ ከይዓርግ ዝከኣላ ኵሉ ትገብር ከም ዘላ ገሊጹ ።
ባይደን ምምሕዳሩ ፡ "ዝሰፍሐ ውግእ ምእንቲ ከይክሰት፡ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር እዩ ። ሕጂ እውን ኣበርቲዕና ንጽዕር ኣለና "በለ ።
ቅድሚ እቲ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ፡ ሊባኖስ "ካልእ ቓዛ" ክትከውን ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ ፣ ኣብ ውግእ ሓማስ-እስራኤል ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ እቲ ውግእ ዘቋርጸሉ ኩነታት ከም ዘይግደሱ እውን ንጹር እዩ ነይሩ ኢሉ ።
ሕዝቦላህ ዝወንጨፎ ሮኬት ኣብ ጥቓ እታ ብሰሜን እስራኤል ዝዓበየት ከተማ ሃይፋ ኪሪያት ቢያሊክ በጺሑ ፣ እቲ ህንጻ ከኣ ሃልሃልታ ከም ዝፈጠረ ተፈሊጡ።

ኣብ ዒራቕ ዘሎ ተዋጋኢ ሓይሊ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ሊባኖስን ቓዛን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት ነቲ ግጭታት ናብቲ ዝተረፈ ክፋል እቲ ዞባ ከይልሕም ኣዚዩ ተሰጊኡ እዩ ዘሎ።
በዓል ስልጣን ናይቲ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ብኢራን ዝድገፉ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ፡ ከምዝገልጾ፡ ከም መቐጸልታ ናይ "ቲ ምስ ሊባኖስ እንገብሮ ደገፍ ሓድሽ ምዕራፍ" ዝዀነ ፡ ሰንበት ወጋሕታ ኣብ እስራኤል ናይ ሚሳይልን ናይ ድሮንን መጥቃዕቲ ከም ዝወንጨፈ ገሊጹ ።
እቲ ብዓል ስልጣን ፡ "ኣብ ሊባኖስ ፡ መጥቃዕቲ ምፍጻም ፡ ካብ ዒራቕ እቲ ግጭት ምብራዕ ማለት እዩ" በለ ።
ኣብ ሊባኖስ ፍሉይ ኣወሃሃዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ጂኒን ሄኒስ-ፕላስቻርት ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ፡ "እቲ ዞባ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ዕንወት ኣምሪሑ ከምዘሎ ፡ ንምግላጽ እኹል መግለጺ ኣይተዋህቦን ዘሎ ፣ እዚ ከኣ ንኽልቲኡ ወገን ዘስግእ ኮይኑ ብወተሃደራዊ መገዲ ፍታሕ ዝርከበሉ ኣይኰነን" ኢላ ።
People inspect damage from an airstrike.
Israeli security forces examine a site hit by a rocket fired from Lebanon, in Kiryat Bialik, northern Israel, on Sunday. Source: AAP / Ariel Schalit/AP
እቲ መጥቃዕቲ 48 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ እስራኤል ፡ ኣብ በይሩት ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ እዩ።
ብሰንበት ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ሊባኖስ ከም ዝሓበሮ ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሰባት ተቐቲሎም ። እዚ ካብ ሓጋይ 2006 ጀሚሩ ኣብ እስራኤል-ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ በይሩት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ናይ ነፈርቲ ኲናት እስራኤል እዩ ።
ላዕለዋይ መራሒ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ጉጅለ ሕዝቦላህ ፡ኢብራሂም ዓቂልን ኣሕመድ ዋህቢን ዝርከብዎም 16 ኣባላቱ ፡ ገለ ካብቶም ብዓርቢ ዝተቐትሉ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኣብ በይሩት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ ብዝሕ ዝበለ ህዝቢ ዝርከቦ ከባቢ ዝርከብ ሓደ ዓቢ ህንጻን ኮይኑ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ መሐብሐቢ ሕሙማት ከም ዝዓነወን ሓደ ምንጪ ጸጥታ ገሊጹ ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና ሊባኖስ ፡ ሰለስተ ቘልዑ ካብቶም እተቐትሉ እዮም ነይሮም ።
በቲ እስራኤላውያን ከም ዝፈጸምዎ ብሰፊሑ ዝእመነሎም ኣብ መሳርሒታት መራኸቢ ብዝተጻወደ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ናብ 39 ወሪዱ ኣሎ ፣ ልዕሊ 3,000 ዝዀኑ ድማ ቈሲሎም ኣለዉ ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊባኖስ እንተ ወሓደ 84 ሰባት ብምማቶም ፡ እቲ ካብ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቅትለት ካብ 750 ዝዛይድ እዩ ።
ሕዝቦላህ እስራኤል ምስ ሓማስ ተዂሲ ደው ክሳዕ ተብል ፡ ምስ እስራኤል ብቐጻሊ ከም ዝዋጋእ ገሊጹ ኣሎ ።

Share
Published 23 September 2024 2:45pm
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AFP, Reuters, SBS


Share this with family and friends