ቅነ ናይዶክ 2022: ድምጺ ናብ ባይቶ እንታይ ማለት እዩ፧

ደቀባታዊ ድምጺ ናብ ባይቶ (Voice to Parliament) ከቕውም ንቅዋም ኣውስትራልያ ዘመሓይሽ ሓደ ድምጺ ህዝቢ (ረፈረንደም) ክካየድ ዝቐርብ መጸዋዕታ ናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። [NAIDOC (ናይዶክ) መዓልታት ደቀባትን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዘኽብር ሃገራዊ ኮሚተ እዩ።]

Participants at a NAIDOC Week rally in Melbourne in 2018

The Uluru Statement from the Heart proposes three key reforms: Voice, Treaty and Truth. Source: AAP Image/Daniel Pockett

ድምጺ ናብ ባይቶ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ 2017 ሓደ ተወካሊ ጉጅለ ህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ (Australia’s First Nations People) ኣብ ኡሉሩ ተኣኪቡ ናብ ህዝቢ ኣውስትራልያ  ኣቕሪቡ።

መግለጺ ኡሉሩ ሰለስተ መሰረታውያን ባእታታት ምምሕያሽ/ምትዕርራይ ይእምም፥ ድምጺማካራታ (ብቋንቋ ዮልንጉ  ማለት’ዩ) ከምኡ’ውን 


ቀንዲ ነጥቢታት፥

  • ድምጺ ናብ ባይቶ ማለት ሓደ ደቀባታዊ ኣማኻሪ ኣካል ንህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ንፈደራል መንግስቲ መምርሒ ዝህብ ክህሉ ዝጠልብ’ዩ።
  • መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ ሰለስተ ወሰንቲ ምትዕርራያት ክግበሩ ይጽውዕ፣ ድምጺ ናብ ባይቶ ክህሉ ኸኣ እቲ ቀዳማይ እዩ።
  • እቶም ጸሓፍቲ መግለጺ ኡሉሩ ግንቦት 2023 ወይ ጥሪ 2024 ድምጺ ህዝቢ (ረፈረንደም) ክካየደሎም ዝኽእሉ ዕለታት ኢሎም ከም ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። 

እቲ ቀዳማይ ምትዕርራይ ሓደ ድምጺ ናብ ባይቶ ክህሉ’ዩ፣ እዚ ንኽፍጠር ኸኣ ቅዋማዊ ምትዕርራይ ክግበር ናይ ግድን ይገብሮ።

እዚ ማለት፣ እዚ እማመ ህዝቢ ኣውስትራልያ ክውስነሉ ወይ ከጽድቖ ኣብ ቅድሚኡ መታን ክቐርብ መስርሕ ድምጺ ህዝቢ ዝወሃበሉ ረፈረንደም የድሊ ማለት’ዩ።

እዚ ድምር ናይ'ቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ መስርሕ ኣውስትራልያዊ ስርዓተ ሕጊን ፖለቲካን ከምኡ’ውን ናብ ቅዋማዊ ወግዓዊ ኣፍልጦ ህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ዘቕንዐ ስራሕ ህዝቢ ኣውስትራልያን’ዩ።

ንኣውስትራልያውያን እዚ እንታይ ማለት’ዩ፧

መስርሕ ድምጺ ህዝቢ (ረፈረንደም) ንኣውስትራልያውያን 'ድምጺ ናብ ባይቶ' ተባሂሉ ንመጻኢ ዝጽዋዕ ሓደ ኣማኻሪ ኣካል ንፈደራል ባይቶ ክህልዎ ዘኽእሎ ሓድሽ እማመ ከጽድቑ ክሓቶም እዩ።

እቲ ባሕቲ ጥሪ 1901 ኣብ ተግባር ዝወዓለ ቅዋም ኣውስትራልያ፣ ንኣቦሪጅናል ወይ ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስ፣ ኣብ'ዚ መሬት ቀዲሞም ሰፈርቲ ምዃኖምን ዋንነቶምን ኣፍልጦ ኣይህቦምን እዩ።

ብቐሊሉ ክግለጽ እንከሎ፣ ድምጺ ናብ ባይቶ ማለት ብመንገዲ ቅዋም ኣውስትራልያ ኣቢሉ ናይ’ዞም ን60,000 ዓመታት ኣብ’ዚ ኣህጉር ክነብሩ ዝጸንሑ ኣዝዮም ጥንታውያን ስልጣነታት፣ ድምጾም ከምኡ’ውን ተርኦም ኣብ ደሞክራሲ ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ዝህብ’ዩ።

ካልኣይቲ ኣደ ወንበር ዘተ ኡሉሩን (Uluru Dialogue) ዓለምለኻዊ ጠበቓ ሰብኣዊ-መሰላት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን፣ ፕሮፌሰር ሜጋን ጀይን ዴቪስ፣ እዚ መስርሕ ብተወሳኺ ንህዝቢ ኣውስትራልያን ኣህጉሩን “ምሉእ መግለጺ ናይ’ዛ ሃገር” ምዃኖም ኣፍልጦ ክህቦምን፣ ነዛ ሃገር ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ “ናብ ቅድሚት ክትስጉም” ከኽእላን’ዩ ትብል።

“እዚ፣ ብመንጽር ንምሕያል ህዝብና ዘድሊ ለውጢ፣ ኣካል ናይ’ቶም ብዙሓት ዝኾኑ መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ ክግበሩ ዝጸወዖም ምትዕርራያት እዩ፣ እዚ ብተወሳኺ ስምምዕ ዝእተወሉ/ዝፍጸመሉ ወይ ኮሚሽን ውዕል ዝኾነ ‘ማካራታ ኮሚሽን’ውን ዘካተተ እዩ፣” ድሕሪ ምባላ፣

“ድምጺ ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣፍልጦ ምሃብ ንህዝብና ብዛዕባ ህይወትና ሕግታትን ፖሊሲታትን ክሓልፉ እንከለዉ ኣብ’ቲ ጠረጴዛ ክንርከብ የኽእለና።” ክትብል ገሊጻ

ኣበይ ተበጺሑ ኣሎ፧

ኣፍልጦ ንሃገር ድሕሪ ምሃቡ  ኣብ’ቲ ብምርጫ ዝተዓወተሉ ምሸት መደርኡ ብኸም’ዚ ጀሚሩ፣ “ንኣውስትራልያዊ ሰልፊ ለይበር ብምውካል ኣነ ንምሉእ  ትግባረ መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ ክሰርሕ ቃል ይኣቱ” ኢሉ።

ነቲ መግለጺ ኣብ ዝምልከት ፕሮፌሰር ደይቪስ፣ “እዚ ቅሳነትን ዕግበትን ዝፈጥረልካ ስምዒት እዩ ግን ከኣ ገና ነዊሕ ጉዕዞ ዝኽየድ ኣለዎ” ኢላ።

“ንሕና ተሓጒስና ኢና ዘለና፣ ኣውስትራልያ ብጣዕሚ ሳሕቲ’ያ ቅዋማ ትቕይር። ንህዝብና ኸኣ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ቅዋማዊ ሓይሊ ክህልወና ፈጺሙ ዕድል ኣይነበረናን። ስለ’ዚ፣ እዚ ብጣዕሚ ዓቢይ ወይ ኣገዳሲ ነገር እዩ። እዚ ካብ’ቲ ናይ 1967 ረፈረንደም ዝተፈልየ እዩ፣ ምኽንያቱ እዚ ምምሕያሽ ወይ ምትዕርራይ ኣብ ቅዋም ንህዝብና ኣብ መወዳእትኡ ከሐይሎ ስለዝኾነ” ክትብል ኣስሚራትሉ።

ንኣዋጅ/መግለጺ ኡሉሩ ኣብ ዝምልከት፣ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ረፈረንደም ክካየድ ጽኑዕ ቃል ተኣትዩ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ እቲ ቀዳማይ ትሕዝቶ/ጠለብ ናይ’ዚ መግለጺ’ዩ፣ እዚ ሓድሽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኸኣ ነዚ ዝኸውን ሰረታዊ ዕዮ የንጽፍ ኣሎ።

ቀጺሎም ዝውሰዱ ስጉምቲታት

ደቀባታዊ ድምጺ ኣብ ቅዋም ቅድሚ ምስፋሩ ወይ ንሓዋሩ ምውቃሩ ክሕለፉ ዘለዎም ኣገደስቲ ስጉምቲታት ኣለዉ።

ቅዋማዊ መሐለውታ ረኺቡ/ተዋሂብዎ፣ እቲ ድምጺ ኪንዮ ፖለቲካዊ መቐናት ግዜ ዝቕጽልን ዝጸንሕን ክኸውን’ዩ።

እዚ ማለት ደቀባታዊ ምሕያልን ንጡፍ ተሳትፎ ኣብ ደሞክራሲያዊ ህይወት ናይ’ዛ ሃገርን ኣብ ስልጣን ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝምርኮሱ ወይ ጽግዕተኛ ዝኾኑ ኣይኮኑን’ዮም ማለት’ዩ።

እቲ ቅድም ዝነበረ መንግስቲ ጥምረት ነዚ ድምጺ ብሕጊ ከቑሞ (ብመልክዕ ሕጊ ከጽድቖ) ደልዩ ኔሩ’ዩ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ቅዋም ክውቅሮ/ከስፍሮ መደብ ኣይነበሮን፣ ብዘይክኡ እቲ ድምጺ እንተተሓጊጉ ኣብ ዝኾነ እዋን ክፈርስ’ውን ይኽእል’ዩ።
ሓንሳብ ኣብ’ቲ ቅዋም እንተኣትዩ ወይ እንተሰፊሩ ግን ብመንገዲ ካልእ ረፈረንደም (መስርሕ ድምጺ ህዝቢ) ጥራይ’ዩ ክቕልበስ ዝኽእል።

እዚ መስርሕ ዝኾነ ድምጺ ክወሃበሉ ቅድሚ ምግባር ወይ ንድምጺ ቅድሚ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ደገፍን ዝያዳ ምይይጣትን ዘድልዮ’ዩ።

ፈደራላዊ ባይቶ ነዚ እማመ እንተጽዲቑዎ፣ ሓደ ቀዋሚ 'ደቀባታዊ ኣማኻሪ ኣካል' ንፈደራል ባይቶ ክቐውም (ክቖመሉ) ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መስርሕ ድምጺ ህዝቢ ወይ ረፈረንደም ክካየድ ኣለዎ።

እቶም ኣበገስቲ/ጸሓፍቲ መግለጺ ኡሉሩ ግንቦት 2023 ወይ ጥሪ 2024 ረፈረንደም ክካየደለን  ኢሎም ከም ሓሳብ ኣቕሪቦመን ኣለዉ። 


Share
Published 8 July 2022 3:15pm
By Mert Balkanli


Share this with family and friends