ናይ መንማር መራሒት ኣንግ ሳን ሱ ቺን ካል ኦት ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣብ ወጋሕታ ናይ ሰኑይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ወሃቢ ቃል ሰልፊ ሃገራዊ ሊግ ንዲሞክራሲ ገሊጹ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ መንጎቲ ሲቪላዊ መንግስቲን ሓይሊ ኣብ ኢዱ ዝኾነ ምክልኻል ሰራዊትን ድሕሪ ንመዓልታት ዝቐነየ ወጥሪ እዩ። እቲ ወጥሪ ዝተበገሰ፡ ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ ሰራዊት እታ ሃገር እቲ ዝተገብረ ምርጫ ምጥፍፋእ ኔርዎ ኢሉ ምስከሰሰ ግልበጣ መንግስቲ ከይግበር ስግኣት ኣንጸላልዩ እዩ ቀንዩ።
ወሃብቃል ምዮ ንዩንት ንሮተርስ ከምዝሓበሮ ሱ ቺ, ፕረሲደንት ዊን ምዪንትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ኣብ ወጋሕታ ተወሲዶም ኢሉ።
“ንህዝብና ክብሎ ዝደሊ ህዉኽ ዝኽዕነ ስጉምቲ ከይወስድን ንሕጊ ክምእዘዙን ኣለዎም” ብምባል ንሱውን ክእሰር ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሰራዊት ማይንማር ብቐዳም፡ ብናይታ ሃገር ቅዋም ከምዝግዛእ ዝገለጸኳ እንተኾነ ኮማንደሩ ግና ናይታ ሃገር ቻርተር ክስርዞ ምዃኑ ብምፍካሩ ግልበጣ መንግስቲ ከይግበር ተሰጊኡዩ ቀኒዩ።

A handout photo made available by the International Court of Justice shows Aung San Suu Kyi appearing before the ICJ in 2019. Source: UN PHOTO
እቲ ሰራዊት ኣብ ወርሒ ሕዳር ንዝተገብረ ምርጫ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ዝነበሮዩ ኢሉ ን ኣዋርሕ ክኸስስ እዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ምርጫ ናይ ኣን ሳን ሱ ቺ ሰልፊ ሃገራዊ ሊግ ንዴሞክራሲ ብዓብላሊ ድምጺ እዩ ተዓዊቱ።
ብሰሉስ ኮማንደር ናይቲ ሰራዊት ግልበጣ መንግስቲ ክህሉ ከምዝኽእል ምስ ኣመተ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ እዩ ቐንዩ።
ነቲ ኣብ 2008 ብሓይሊ ስልጣን ዝሓዘ ዩንታ ዝዓለወን ኣብ መይንማር ዝሓየለ ሰብ ዝበሃል ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ሚን ኦውንግ ህሊያንግ "ቅዋም ኣብ ትሕቲ ገለ ኩነታት ጥራይ እዩ ዘድሊ" ክብል ተሰሚዑ ኔሩ።
እቲ ንሱ ዝበሎ ናብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ተተርጉሙ ኣብቲ በቲ ሰራዊት ዝሕተም ጋዜጣ ምይዋዲ ድሕሪ ምሕታሙ ነታ ን49 ዓመታት ብወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ክትድሰቕ ዝነበረትን ዉሑድ ዓመታት ተዛማዲ እፎይታ ረኺባ ዘላ ሃገር ናይ ፍርሒ ማዕበል ተፈንዩ ቀኒዩ።
ኣብ 1988 ህዝባዊ ናዕቢ ምስተላዕለ ወተሃደራዊ ስርዓት ምስተተኽለ መንማር ቅዋማ ተጣሒሱ ኔሩ።