Breaking

መራሒት ማይንማር ኣን ሳን ሱቺን ላዕለዎት ሰብመዚ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣን ሳን ሱ ቺ ዝርከብዎም መራሕቲ ፖለቲካ ማይንማር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምተዓጽዎ ሰልፋ ገሊጹ።

A file photo of Aung San Suu Kyi

A file photo of Aung San Suu Kyi Source: AAP

ናይ መንማር መራሒት ኣንግ ሳን ሱ ቺን ካል ኦት ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣብ ወጋሕታ ናይ ሰኑይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ወሃቢ ቃል ሰልፊ ሃገራዊ ሊግ ንዲሞክራሲ ገሊጹ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ መንጎቲ ሲቪላዊ መንግስቲን ሓይሊ ኣብ ኢዱ ዝኾነ ምክልኻል ሰራዊትን ድሕሪ ንመዓልታት ዝቐነየ ወጥሪ እዩ። እቲ ወጥሪ ዝተበገሰ፡ ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ ሰራዊት እታ ሃገር እቲ ዝተገብረ ምርጫ ምጥፍፋእ ኔርዎ ኢሉ ምስከሰሰ ግልበጣ መንግስቲ ከይግበር ስግኣት ኣንጸላልዩ እዩ ቀንዩ።

ወሃብቃል ምዮ ንዩንት ንሮተርስ ከምዝሓበሮ ሱ ቺ, ፕረሲደንት ዊን ምዪንትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ኣብ ወጋሕታ ተወሲዶም ኢሉ።

“ንህዝብና ክብሎ ዝደሊ ህዉኽ ዝኽዕነ ስጉምቲ ከይወስድን ንሕጊ ክምእዘዙን ኣለዎም” ብምባል ንሱውን ክእሰር ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
A handout photo made available by the International Court of Justice shows Aung San Suu Kyi appearing before the ICJ
A handout photo made available by the International Court of Justice shows Aung San Suu Kyi appearing before the ICJ in 2019. Source: UN PHOTO
ሰራዊት ማይንማር ብቐዳም፡ ብናይታ ሃገር ቅዋም ከምዝግዛእ ዝገለጸኳ እንተኾነ ኮማንደሩ ግና ናይታ ሃገር ቻርተር ክስርዞ ምዃኑ ብምፍካሩ ግልበጣ መንግስቲ ከይግበር ተሰጊኡዩ ቀኒዩ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ወርሒ ሕዳር ንዝተገብረ ምርጫ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ዝነበሮዩ ኢሉ ን ኣዋርሕ ክኸስስ እዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ምርጫ ናይ ኣን ሳን ሱ ቺ ሰልፊ ሃገራዊ ሊግ ንዴሞክራሲ ብዓብላሊ ድምጺ እዩ ተዓዊቱ።

ብሰሉስ ኮማንደር ናይቲ ሰራዊት ግልበጣ መንግስቲ ክህሉ ከምዝኽእል ምስ ኣመተ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ እዩ ቐንዩ።

ነቲ ኣብ 2008 ብሓይሊ ስልጣን ዝሓዘ ዩንታ ዝዓለወን ኣብ መይንማር ዝሓየለ ሰብ ዝበሃል ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ሚን ኦውንግ ህሊያንግ "ቅዋም ኣብ ትሕቲ ገለ ኩነታት ጥራይ እዩ ዘድሊ" ክብል ተሰሚዑ ኔሩ።

እቲ ንሱ ዝበሎ ናብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ተተርጉሙ ኣብቲ በቲ ሰራዊት ዝሕተም ጋዜጣ ምይዋዲ ድሕሪ ምሕታሙ ነታ ን49 ዓመታት ብወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ክትድሰቕ ዝነበረትን ዉሑድ ዓመታት ተዛማዲ እፎይታ ረኺባ ዘላ ሃገር ናይ ፍርሒ ማዕበል ተፈንዩ ቀኒዩ።

ኣብ 1988 ህዝባዊ ናዕቢ ምስተላዕለ ወተሃደራዊ ስርዓት ምስተተኽለ  መንማር ቅዋማ ተጣሒሱ ኔሩ።

 

 


Share
Published 1 February 2021 11:27am
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends