ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ዝዀኑ ስድራ ቤታት ፡ ንራመዳን ንምቕባል ይዳለዉ።

ን ወርሒ ሮመዳን ዝጾሙዎ ኣመንቲ ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተጌሩ ዝነበረ ቀይዲታት ድሕሪ ምልዓሉ እቲ ኣብዚ ወርሒ ዝግበር ምትእኽኻባት ናብ ንቡር ክምለስ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እኳ እንተ ኣለዉ ፡ ገሊኣቶም ግና ሕጂ እውን እንተ ኰነ በቲ ለበዳ ዝሰዓበ ቝጠባዊ ጽልዋ ይቃለስዎ ኣለዉ ።

Ibtehaj Shahrouk with her family

Ibtehaj Shahrouk has a large family. Source: SBS News

ኣብ ሲድኒ ኣደ ሸሞንተ ኢብተሃጅ ሻሃወርቅ: ነቲ ባህላዊ ናይ ሊባኖስ ዝዀነ ሳምቡሳ: ኣዳልያ ንረመዳን ምስ ደቃ ክትቅበል ትዳሎ ኣላ ።

እታ ብ ኣመንቲ እስልምና ቅድስቲ ወርሒ ዝኾነት ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ እያ እትጅምር ።

ሓንቲ ካብቲ ሻህራርክ እትፈትዎ ክፋል ራማዳን ፡ ምስ ስድራ ቤታ ኣብ ቤታ ኰይና ጾማ ኽትስዕር ከላ እያ ፣ እዚ ልምዲ ዓሚ ክትገብሮ ዘይከኣለት ነገር እዩ ።

"ኣብ ገዛ ምብላዕ እፈቱ ፡ ምግበይ ምብላዕ እፈቱ ፡ ምስ ስድራ ቤተይ ድማ ኣብ ቤተይ ከሕልፎ ባህ ይብለኒ ።

ዓሚ ከምዚ ብዘይምንባሩ: ልቢ ዝሰብር እዩ ኔሩ"
Ibtehaj Shahrouk with her grandchildren.
Ibtehaj Shahrouk with her grandchildren. Source: Supplied
ረመዳን ፡ ካብ ወጋሕታ ኽሳእ ዕራርቦ ጸሓይ ፡ መንፈሳዊ ምትእስሳርን ሓድነትን ዘለዋ ወርሒ እያ ።

ዝሓለፈ ዓመት ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ለበዳ ኮሮና ዝነበረሉ እዋን ንድራር ወይ ንምፍጣር ዝኸውን ፈተውትን ቤተሰብን ምእንጋድ ዘጠቓልል ብዙሕ ወግዕታትን ጽምብላትን ክስረዝ ነይርዎ ።

"ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሮመዳን ኣዝዩ ጽምዋን ኣዝዩ ዘሕዝንን ስምዒታዊን እዩ ነይሩ ። ምኽንያቱ ኩሎም ስድራቤትኻ ምሳኻ ክህልዉ ኣይክእሉን እዮም ። ራማዳን ካብ ኵሉ እቲ ክዝክሮ ዝኽእል እተፈልየ እዩ ነይሩ "ድማ በለ ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ብእተገብረ ምልዓል ቀይድታት ግና ፡ ምስ ዅሎም ቤተ ሰባ ኸተኽብሮ ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ ።

"ዅሎም ስድራ ቤተይ ብሓንሳእ ምእካብ ፡ ጽቡቕ እዩ ። ጾምና ብሓንሳብ ንስዕር ፡ ድሕሪኡ ጸሊና ንበልዕ ፡ ድሕሪኡ ታርወሀ [ፍሉይ ጸሎት] ብሓባር ንገብር ፡ ሕጂ ናብ መስጊድ ክንከይድ ንኽእል ኢና ። "
Ibtehaj Shahrouk with her family
Ibtehaj Shahrouk with her family. Source: Supplied
ሚስ ሻሃወርቅ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ምግቢ ክትክሽንን ክተብፅሕን ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ ፡ እዚ እቲ ካልእ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክትገብሮ ዘይከኣለት ነገር እዩ።

"መብዛሕትኡ ግዜ ንእተሸገሩ ሰባት ኢና እንኽሽኖሎም ፣ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ እየ ዝኽሽኖሎምም ፣ ሕጂ እንደገና ከምኡ ክገብር እኽእል እየ።"

መሳጊድ እንደገና ተኸፊቱ
ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኣብ መስጊድ ታራወህ ተኣኪቦም ኣብ ወርሒ ረመዳን ይጽልዩ እዮም ።

ዓሚ ግን ዝከኣል ኣይነበረን ።
Lakemba Mosque
Lakemba Mosque Source: SBS News
ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ላከምባ ዝመጸ ሸኽ ያሕያ ሳፊ ከምዚ ይብል ፦ "ዝሓለፈ ዓመት ፡ ራማዳን ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ነገር ስለ ዘጋጠመ ፡ ንዓና ፍሉይ ግዜ እዩ ነይሩ ፣ ኸመይሲ ፡ ነቲ መስጊድ ምሉእ ብምሉእ ዓጽዎ ኒሩ ። ናብ መስጊድ መጺእና ኽንጽሊ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና "።

ሕጂ እቲ እገዳታት ስለ ዝተላዕለ ፡ ሰባት ናብ መስጊድ ክመጹ ከለዉ ክርኢ ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበ ዘሎ ።


"ኣብ ራማዳን ሰባት ናብ መስጊድ ተመሊሶም ንታራወህ ኽጽልዩ ፡ ኣብ መስጊድ ሓሙሽተ ጸሎት ኽጽልዩ ፡ ዓርቢ ኽጽልዩ ፡ ብዛዕባ ቁራኣን ኽሓስቡ ፡ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ስብከት ክሰምዑ ተስፋ ንገብር ኣለና" ።

"እዚ ግዜ እዚ ፡ ንሓድሕድና እንሓባበረሉ ፡ እንእከበሉ ፡ እነዕልለሉ ፡ እንመያየጠሉ ፡ እንራኸበሉ እዋን እዩ ።"

ናይ ንግዲ ስራሓት ሕጂውን ተጸልዮም ኣለዉ።

ሎሚ ዓመት መብዛሕትኡ በዓላት ረመዳን ናብ ንቡር ይምለስ እንተሎኳ ፡ እቲ ንግዳዊ ጕዳያት ግና ሕጂውን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት እዩ ዘሎ ።

ኦሳማ ሓዲድ ካብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ናይ ሲድኒ ላኬምባ ናይ ጐደና ዕዳጋ ናይ ምሸት መግቢ የዳሉ።

እቲ ናቱ ቤት መግቢ "ላዚዝ ሊባኖስ ኩዚን" ፡ ባህላዊ ምግቢ ሊባኖስ የዳሉ ።
Osama Haddad at his restaurant Lazeez Lebanese Cuisine
Osama Haddad at his restaurant Lazeez Lebanese Cuisine Source: SBS News
"ንሕና ዝከኣለና ንገብር ኣለና ፦ እቲ ህቡብ ሻዋርማ [ዓይነት ኸባብ] ንሰርሕ ኣለና።"

ንሱ ከምዝብሎ ፡ ዕዳጋታት ከምቲ ናይ መግቢ ተመኵሮ እዩ ፡ ኣብ እዋን ቀትሪ ሰባት ኣብዝጾሙሉ፡ ኣብያተ-መግቢ ምዕጻው ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ።

"ሰባት ንጸሎት ታርወህን ክውድእዎ እዮም ፡ ምሉእ መዓልቲ ምስ ጾሙ ድማ ፡ ለይቲ ብዙሕ ነገራት ክፍትኑ እዮም ዝደልዩ ። ኣዝዩ ጽቡቕ ተመክሮ እዩ ነይሩ ፡ እናዓበየ ድማ ከይዱ "ይብል ።

ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዕዳጋታት ምስ ተዓጽዉ ግን ገለ ናይ ንግዲ ትካላት ናብ ንቡር ንምምላስ ይጽገማ ምህላወን ይዛረብ ።

"ናይ ለይቲ ሸቐጥ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ፡ ህላውነትካዩ ደው ዘብል ፣ ንዓና ምሉእ ድኳን ምዕጻው ይሕሸና ።"
Chef cooking at Lazeez Lebanese Cuisine
Chef cooking at Lazeez Lebanese Cuisine Source: SBS News
ብኣንጻሩ ቤት መግቢ ናይ ኣቶ ሃዲድ ናይ ኣፍጋኒስታን ሱፍራ እዩ ዘሎ ።

ዋናኡ ሳሊም ደኒ ባህላዊ እንጌራ ኣፍጋኒስታን ይስንክት ኣሎ ፡ እቲ ስራሑ ድማ ብሰንኪ ምዕጻው ዕዳጋታት ራመዳን ጽልዋ ከምዝነበሮ ይዛረብ ።

"ብፍላይ ላከምባ ኣብ ዓንኬል ኮቪድ ምስ ኣተወ ኣብ ናይ ስራሕና ብዙሕ ጽልዋ ኣሕዲሩ።

"እንተኾነ ብህይወት ክንቅጽል ፈቲንና ኢና ፡ ሕጂ 'ውን እንተኾነ ማሕበረሰብ ሙስሊም ናብዚ ክመጹ ኣለዎም ፡ መስጊድ ኣሎ ፡ ሕጂ ይሓይሽ"
Salim Deeni making traditional Afghan bread at his restaurant Afghan Sufra
Salim Deeni making traditional Afghan bread at his restaurant Afghan Sufra Source: SBS News
ኣብዚ ዓመት 'ዚ ዕዳጋታት ናይ ለይቲ ስራሕ ክሰርሑ ርግጸኛ እኳ እንተዘይኮነ ፡ ከም ሚስተር ደንኒ ዝበሉ ብዙሓት ወነንቲ ናይ ንግዲ ትካላት ግን ቤት-ምግቦም ንምኽፋት ወጢኖም ኣለዉ ፡ ።

"ኩናፋ [ባህላዊ መግቢ] ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንሰርሕ ኢና ፡ ስለዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ነዚ መስኮት እዚ ከፊትና ንሰባት ኸነገልግል ንሓስብ ኣለና ።"


Share
Published 12 April 2021 11:01am
By Massilia Aili


Share this with family and friends