ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ብሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብዙሓት ሰባት ምሟቶም ምንጭታት ይሕብሩ

ኣብ ጎሮቤት ትግራይ ክልል ዓፋር ፣ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ፣ ሰብኣውያን ምንጭታት ይሕብሩ ።

People receive food donated by local residents at a reception centre for the internally displaced in Mekele, in the Tigray region of northern Ethiopia

People receive food donated by local residents at a reception centre for the internally displaced in Mekele, in the Tigray region of northern Ethiopia Source: AP

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ድሕሪ ን ኣዋርሕ ዝጸንሐ ወጥሪ ኲናት ከምዝተጀመረ ናይ ግብረ ሰናይን ሓይሊታትን ምንጭታት ንኤኤፍፒ ከምዝገለጽሉን መንግስቲ ነቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ገሊጾም ።

ሰሉስ ኣብ ከተማ ኣዋራ ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ፈንቲ ዞን ፡ ብረታዊ ግጭት ከም እተኻየደ ፡ እዚ ድማ ብሓለፍቲ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እተኻየደ ከቢድ ኣጽዋር ከም ዘጠቓልል ፡ እቲ ዉግእ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለ ፡ እቶም ሰብኣውያን ምንጭታት ሓቢሮም ።

እቲ ጸብጻብ ብኻልእ ዘይተረጋገጸ ኮይኑ፡ ሰበ-ስልጣን ዓፋር ርእይቶኦም ክህቡ ኣይደለዩን ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓይሊታቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ኣጽዋር ተጠቒሞም እዮም ንዝብል ክሲ ነጺግዎ : ኣብ ዓፋር ግን ሓድሽ ተጻብኦ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዶብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን' ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ክገልጽ ከሎ ፡ "ሓይልታት ጸላኢ ኣብ ከባቢታት ዓፋር ይጭፍለቑን ይናወጹን ኣለዉ" በለ ።
"ንሰላማዊያን ሰባት ዕላማ ኣይንገብርን ኢና: እቲ ናይ መዳፍዕ መጥቃዕቲ ክሲ ድማ ንስም ሓይልታትና ንምኽፋእ ዝተባህለ ልቢወለዳው ክሲ እዩ ።"

ሰብኣውያንን ናይ ትግራይ ሓሊታትን ምንጭታት ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ን11 ወርሒ ዝቐጸለ ውግእ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ብመንግስቲ መጥቃዕቲ ከም እተፈነወ ዝሕብር ምልክታት ምዃኖም እዮም ዝሕብሩ ዘለዉ ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን እዚ መንግስቲ "ኣብ ኵሉ ክፍልታት እታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ግብረ-ሽበራ ናይምሕላው ሓላፍነት" ከም ዘለዎ እኳ እንተ ገለጸ: ሰበ-ስልጣን ግን ነቲ መጥቃዕቲ ብንጹር ኣየረጋገጹን ።

'ነቲ ከበባ ምስባር'

ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓይሊታት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድፍኢት ጌሩ ፡ እዚ ስጉምቲ ሓይልታት መንግስቲ ዳግማይ ንኸይጠናኸሩን ነቲ ከም ሰብኣዊ ከበባ ናይ ትግራይ ጌሩ ዝገልጾ ንምስባርን ዝዓለመ እዩ ኔሩ ፡ ው.ሕ.ሃ. ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ጥሜት ኩነታት የጋጥሞም ከምዘሎ ይሕብሩ ኣለዉ ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ ቤት ጽሕፈት ኣብዪ ፡ ውድብ ህወሓት "ብዙሕ ጕድኣት ወሪድዎ" ከም ዝነበረን ካብ ዓፋር "ከምዝተደምሰሰን" ክገልጽ ከሎ ፡ ህወሓት ግን ፡ ካብቲ ዞባ ሰራዊቱ ዝሰሓበ ኣብ ኣምሓራ ካልኦት ግንባራት ንኸተኵር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ትግራይ ብመሬት ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ እንኮ መስመርዩ ዘሎ ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ጸጥታ ዝሰፈኖ እዩ ነይሩ ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወተሃደራዊ ዕላማ ሓይሊታቱ ፡ "ነቲ መጥቃዕቲ ንድሕሪት ብምምላስ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ከበባ ንምስባርን ክሳብ ዝከኣለካ ምግባር" ምዃኑ ገሊጹ ።

ናይ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓላፊ ዝዀነ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ነቲ እተወልደሉ ዞባ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ነዊሕ ምሕጽንታ ንሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ መሰል ንኽረኽቡ ውሕስነት ክህቦም ተማሕጺኑ ።

ኣብ ጄኔቫ ኣብ እተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ ፡ "እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምዕጋት ፡ ነቶም ኣዝዮም እተጸገሙ ሰባት ረድኤት ንኸይነብጽሕ ይዓግተና ኣሎ" ድሕሪ ምባል ፡ "ህይወት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ" ኢሉ ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "እቲ ግጭት ንስርዓተ ክንክን ጥዕና ትግራይ ኣዕንዩዎ እዩ ፣ ካብ ሓምለ ኣትሒዙ ድማ ኣብቲ ዞባ ዘድሊ መድሃኒት ኣይተፈቐደን" በለ ።

ተኹሲ ደው ክብል ጸቕጢ ምግባር

እቲ ውግእ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ምዕራባውያን ሓይልታትን ፡ እንተላይ ምስታ ናይ ነዊኅ እዋን መሓዛ ዝኾነት ኣመሪካ ፡ ሓርፋፍ ርክብ እዩ ፈጢሩ ዘሎ።

ወሃብ ቃል ናይ ኣመሪካ ደፓርትመንት ኣብዚ ሰሙን እዚ ንAFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዋሽንግተን "ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ንምምካት ብዘሎና ዓቕሚ ኩሉ ክንጥቀም ኢና" ኣላ ኢሉ ።

እዚ ስጒምቲ "ነቶም ተሓተትቲ ወይ ዝተሓላለኹ ፡ ነቲ ግጭት ንምንዋሕ ፡ ሰብኣዊ ተጠቃምነት ንምትዕንቓፍ ፡ ወይ ደው ንምባል ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ዝሰፍሐ ዞባን ዘይተደልየ ሳዕቤን ንምምካት ዕላማ ዝገበረ ቁጠባዊ ማዕቀብ" የጠቓልል ።

ሰሉስ ኣመሪካ ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ፈረንሳ ፡ ጀርመንን እንግሊዝን ፡ ኩሎም ወገናት "ግህሰታት ብኡንብኡ ከብቅዕ ፡ ናብ ዘተ ኣንጻር ምቁራጽ ተዅሲ ክኣትዉ" ጸዊዐን ።

ኣማሓዳሪ ናይ አሜሪካ አገልግሎት ኢንተርናሽናል ምዕባለ (USAID) ሳማንታ ፓወር ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ ፍሉይ መግለጺ አዲስ አበባ ከም ባንክን መራኸቢታትን ናብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምላስ ከምዘድልያ ገሊጻ።

ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽታን ፡ "ረድኤት ብቐጥታ ናብቲ ዞባ ንምብጻሕ ፡ ናይ ኣየር ስርሒታት ንምጅማር" ከም እተመያየጣ እውን ገሊጻ ነይራ እያ ፣ መንግስቲ ኣቢይ ዛጊትክቃወሞ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ። ንሱ፡ ናብ ትግራይ ዝኸይድ ዝኾነ ይኹን ቀረባት ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ክኸይድ ኣትሪሩ ይእዝዝ።


Share

Published

Source: AFP, SBS


Share this with family and friends