'ስርሒት ትግራይ መቐለ ድሕሪ ምትሓዛ ኣብቂዑ'ዩ' - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ 'ኲናት ክቕጽል'ዩ' - ህወሓት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ 'ምሉእ ምቁጽጻርና' ስለዝኣተወት ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብቂዑ'ሎ ኢሉ። ህወሓት ግን ቃልስና ክንቅጽል ኢና ይብል።

UNHCR head in a refugee camp hosting new arrivals from Tigray conflic

Source: AP

ቀዳም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር 'ብህወሓት ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ወተሃደራት እዚ ሰሜን ነጻ ኮይኖም። መዓስከር እዚ ሰሜን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ። መዓርፎ ነፈርቲ፡ ህዝባዊ ትካላትን ምምሕዳርን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ። እቲ ስርሒት ብጽፈት ይካየድን ሰላማዊ ሰባት ከይጉድኡ ጥንቃቐ ይግበርን ኣሎ።' ኢሉ።
 
ንሱ ብተወሳኺ ንህዝቢ ትግራይ በቲ ዝገበሮ ምትሕብባር ኣመስጊኑ። ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ 'እቲ ስርሒት ተጠናቒቑን ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣብ ክልል ትግራይ ደው ኢሎም ኣለው' ኢሉ።
 
'ኣትኩሮና ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ዳግመ-ህንጸት እቲ ክልልን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምቕራብን እዩ። ፈደራል ፖሊስ ንመራሕቲ ህወሓት ናይ ምሓዝ ስርሑ ከካይድ'ዩ።'
 
ብመሰረት ኣልጀዚራ ደሕሪ ገለ ሰዓታት መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እቶም ከበድቲ ኣጽዋራት ዝዓጠቑ ሓይልታት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ቃልሶም ክቕጽልዎ ኢዮም ኢሉ። 
 
ንመደበር ዜና ሮይተርስ ብመልእኽቲ ቴሌፎን ወይ ቴክስት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ 'እቲ ጭካነኦም ነዞም ወረርቲ ክሳብ መወዳእታ ክንዋግኦም ዘለና ጽንዓት መሊሱ እዩ ዝውስኸሉ። እዚ መሰል ርእሰውሳነና ንምክልኻል ስለዝኾነ ብርግጽ ሓይልታትና ቃልሶም ክቕጽሉ እዮም።' ኢሉ።
 
መደበር ዜና ኤቢሲ ናይ ኣሜሪካ ወተሃደራት ህወሓት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምምጽኦም ታክቲካዊ ምዝላቕ ብምግባር ንመቐለ ገዲፎማ ከይዶም ክብል ሓደ ምስ ህወሓት ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ከም ዝሓበራ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ'ላ። እዚ ስጉምቲ ኸኣ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ክቐዝፍ ዝኽእል ናይ ከተማ ውግእ ከወግድ ክኢሉ ኢሉ እቲ ሓበሬታ።
 
ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ሓይልታት መንግስቲ ንመቐለ ብሙሉኣ ተቖጻጺሮማ ክብል ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ኢቢሲ ገሊጹ ኔሩ። 
 
ካብ ኩሎም ወገናት ዝወሃቡ ዜናታት ርክባት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዮም ስለዝርከቡ ከተጻርዮም ኣሸጋሪ ከምዝኾነ ንኣልጀዚራ ወሲኽካ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሃን ይገልጻ።
 
ብኻልእ ወገን ሓደ ካብ ሚኒስተራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻድቕ ኣብርሃ ንመራሕቲ ህወሓት ደሊኻ ንምሓዝ ሰሙናት ክወስድ ፈጺሙ ኣይክእልን'ዩ ክብል ምስ ኣሶስየትድ ፕረስ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ቁጽሪ ኣብ'ቲ ኲናት ዝሞቱ ሰባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ። ጸጥታዊ ሓደጋ ከምዘየለ ምስ ኣረጋገጽና ንሰብኣዊ ሓገዛት ክፉት ክንገብሮ ኢና ክብል ከኣ ወሲኹ። 

ገለ ጸብጻባት ኣብ'ቲ ብጻዕቂ ህዝቢ ዝነበረሉ ክፋላት ከተማ መቐለ ደብዳባት ከምዝነበሩን ግዳያት ብዙሓት ክኾኑ ከምዝኽእሉን ይሕብሩ።
 
ጻድቕ ነቲ ዝበሃል ዘሎ በደላትን ዓመጻትን ኣብ ግዜ ኲናት ነጻ ብዝኾነ ኣካል ክምርመር ክትፈቕዱ ዲኹም ተባሂሉ ምስ ተሓተተ 'ንሓብኦ ነገር የብልና። ሓደ ካብ'ቶም ምትዕርራያት ዝገበርናዮም ግሉጽነት ምትእትታው'ዩ። ግን ምስ'ቲ ኩነታት ስለዝውሰን ከከም ኩነታቱ ክንርእዮ ኢና።' ኢሉ።
 
ሜጀር ጀነራል ሓሳን ኢብራሂም 'ገለ ካብ'ቶም ዝድለዩ ዘለው ሰባት ናብ ቤተሰቦም ዝርከብሉ ወይ ኣብ ከባቢኦም ከይዶም ሒደት መዓልታት ክሕብኡ ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን ዕጡቓት ሓይልታት ሃዲኖም ሓደ ብሓደ ክሕዝዎም እዮም' ክብል ኣጠንቂቑ።
 
ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ዝበጽሑ ተፈናቐልቲ ግን ሓይልታት መንግስቲ ንብዙሓት ሰባት ዶብ ሱዳን ከይሰግሩ ይኽልክልዎም ኣለው ክብሉ ንኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሮሞ። እቶም ጋዜጠኛታትን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብወገኖም ብዝሒ ናይ'ቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ዝኣትው ዘለው ሰባት ዘየቋረጸ ኮይኑ ግን እናወሓደ ከምዝኸደ ተዓዚብና ኢሎም። 
 
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ው. ሕ. ሃ. ፊሊፖ ግራንዲ ብወገኑ 'ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ሚእቲ ኣብ መዓልቲ ንእሽቶ ቁጽሪ ዝበሃል ኣይኮነን፡ ኣብ'ዚ ክንጋገ የብልናን። እወ ሓቂ'ዩ፡ ብኣሽሓት ዝመጹሎም ዝነበሩ መዓልታት ኔሮም'ዮም። ግን ከኣ ኣብ ጸገም ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ኣብ ምስጋር ዶብን ዝምርኮስ'ዩ።' ክብል ሓቢሩ።
 


Share

Published

Updated


Share this with family and friends