ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ወተሃደራዊ ግጭት እንተጀሚሩ፡ ናብ መላእ ኤውሮጳ ዝልሕም ምሉእ ውግእ ከም ዝህሉ ዩክሬን ኣጠንቂቓ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ብዛዕባ ቅልውላው ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንፈለማ ግዜ ህዝባዊ ርእይቶ ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ እዚ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ።

The 92nd Separate Mechanized Brigade of the Ukrainian Armed Forces prepare to take part in a drill.

The 92nd Separate Mechanized Brigade of the Ukrainian Armed Forces prepare to take part in a drill. Source: EPA

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ምስ ሩስያ ዝግበር ወተሃደራዊ ግጭት ንዩክረይን ጥራይ ዘጠቓልል ዘይኰነስ ፡ ኣብ ኤውሮጳ ምሉእ ብምሉእ ውግእ ከም ልዕል እዩ ዝገልጽ ።

ዘለንስኪ ኣብ ጐድኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ኪየቭ ኰይኑ መደረ ከስምዕ ከሎ ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ንሩስያ ዝገትእሉ ስጕምትታት ከም እተመያየጡ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ኣብ ዝቕጽል እዋን እንታይ ከም ዝኸውን ክትንበ ዝኽእል ሰብ ከም ዘየለ ገሊጹ ።

ሚስተር ዘለንስኪ ፡ ዩክረይን ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ምንስክ ፡ ሓላፍነት ሓላፍነት ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ስምምዕ ብኸመይ ከም ዝትግበር ኣብ ዝብል ምስ ሩስያ ኣይሰማማዕን ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ናብ ሃንዳሲ ጸጥታ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምቕያር ዝቐንዐ ፡ ናብ ርእሲ ዩክረይን ጠበንጃ ሒዙ ኣልዒሉ ከምዘሎ ሚስተር ጆንሰን ገሊጹ ።
Prime Minister Boris Johnson in Kyiv, Ukraine as he holds crisis talks with Ukrainian president Volodymyr Zelensky amid rising tensions with Russia.
Prime Minister Boris Johnson in Kyiv, Ukraine as he holds crisis talks with Ukrainian president Volodymyr Zelensky amid rising tensions with Russia. Source: Reuters
"እዚ ንጹርን ህሉውን ሓደጋ እዩ ። ብዙሓት ወተሃደራት ብብዝሒ ክጽግዑ ንርእዮም ኢና ፣ ንዘይተርፍ ወተሃደራዊ ወረራ ዝሰማማዕ ስርሒታት ምድላዋት ክግበር ብዓይኒና ንርእዮ ኣለና " ድሕሪ ምባል ሚስተር ጆንሰን ፡ ረቡዕ ምስ ፕረሲደንት ፑቲን ከም ዝዘራረብ እውን ገሊጹ እዩ ።

"ብዛዕባ ናይ ኣውሮጳዊ ኩነታት ጸጥታ እዩ ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ እዚዩ እቲ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብዚ ኽወቕዖ ዝጽዕር ዘሎ ዝመስለኒ ነገራት ኣይትጠራጠሩ ። ንዩክረይን ብምፍራህ ፡ ንኣረኣእያና (ጸጥታ ኤውሮጳ) ከም እንቕይር ኽገብረና ኢሉ ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጠበንጃ ሒዙ ከፈራርሕ ይጽዕር ዘሎ ይመስለኒ "በለ ።

ሚስተር ፑቲን ብዛዕባ ቅልውላው ዩክረይን ድሕሪ ናይ ሰሙናት ግዜ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ ርእይቶኡ ብሰሉስ ድሕሪ ምሃብ ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ንውሕስነት ሩስያ "ዕሽሽ ኢለናኦ" ብምባል ኸሰሰን ።

ሚስተር ፑቲን ፡ እቲ ክረሚሊን ነቲ ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ ዘቕርባኦ ዘለዋ ንጠለባት ሩስያ ብጽሑፍ ዝሃባኦ መልሰ-ግብሪ ይግምግም እኳ እንተሎ ፡ "መሰረታዊ ናይ ሩስያ ጸጥታዊ ጉዳይ ዕሽሽ ከም ዝበላኦ" ንጹር እዩ ነይሩ ኢሉ።

ክሬምሊን ፥ ናብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ምስፍሕፋሕ ናቶ ደው ከብል ከምኡውን ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዝነበረ ኣጽዋር ኰነ ሰራዊት ናብ ድሕሪት ገጹ ክግዕዝ እያ ትጠልብ ዘላ ።

ሚስተር ፑቲን ፡ ኔቶ ንረብሓታት ጸጥታ ሩስያ ዝጉድእ ዝጐድእ ጸጥታዊ ሜላታት ይጥቀም ከምዘሎ ገሊጹ ።

ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ታስ ፡ "ድሕንነት ካልኦት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ፡ ድሕንነት ናይቲ ኻልእ ክድልድል ኣይክእልን እዩ" በለ ።

ሚስተር ፑቲን ነዚ ሓሳባት እዚ ዝሃበ ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዩ ።

ሚስተር ኦርባን ፡ ሃንጋሪ ኣብ መንጎ ሩስያን ኔቶን ዝግበር ዝርርብ ክቕጽል ከም እትደሊ ፡ ካብ ኤውሮጳዊ ኅብረት ከኣ ዝዀነ ይኹን ኣካል ግጭት ክለዓል ከም ዘይደሊ ገሊጹ ።

ኣመሪካ ንከም ዩክረይን ዝበላ ዝገብራኦ ናይ ምድርዳር ጻዕሪታት ዝበለ ንቐንዲ ጠለባት ሩሲያ ነጺጋቶ እያ። ነቲ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝግበር ስምምዓት ጸጥታ ንምውሓስን ብፍቓድ ኤውሮጳውያን መሻርኽቲ ሃገራት ንምስምማዕ ነቲ በሪ ርሑው ገዲፋቶ እያ ።

ኣብ ዶባት ዩክረይን 100,000 ወተሃደራት ምድላዋት ብምግባሮምን ፡ ምስቲ ሩስያ እትጠልቦ ነገራትን፡ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ጽዒቖም እዮም ፣ እንተኾነ እዚ ላዕሊ ታሕቲ ኣገዳሲ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭን ብሰሉስ ብቴሌፎን እኳ እንተ ተዘራረቡ ፡ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ምዕባለታት ግና ዋላ ሓደ ወገን ኣይሓበረን ።

ከም መርኣያ ደገፍ ፡ ሚስተር ጆንሰንን ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ማቱስ ሞራዊኪን ፡ ሰሉስ ኣብ ዩክረይን እዮም ነይሮም ።

ሚስተር ጆንሰን ንዘለንስኪ ኽዛረቦ ከሎ ፡ "ሓደ ዘተሓሳስብ ነገር ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ኣሎ ፣ ኣብዚ ደው ኢልና ዘለናሉ እዋን ፡ ቮሎዲሚር ፡ ሎሚ ልዕሊ 100,000 ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዶብኩም ይእከቡ ኣለዉ ፣ እዚ ከኣ ምናልባት ኣብ ግዜ ህይወትና ንዩክረይን ካብ ዘጋጠማ ጽሕታረ ግጭት እቲ ዝዓበየ ክኸውን ዝኽእል መርኣያ እዩ" በለ ።

ሚስተር ጆንሰን ፡ "ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወሪራ እንተ ቀጺላ ፡ ፖለቲካዊ ዕንወት ፡ ሰብኣዊ ዕንወት ከም ዘምጽእ ከይገለጽኩ ኣይሓልፍን እየ ፣ ከም ኣረኣእያይ ፡ እዚ ንሩስያን ንዓለምን ፡ ወታሃደራዊ ሓደጋ ክኸውን እዩ" በለ ።

ሚስተር ዘለንስኪ ብተወሳኺ ፡ ኪየቭ ንኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ዓመት 100,000 ኣባላት ሰራዊት ብምውሳኽ ምስልጣን ናይ ሓይልታት ዕስክርና ኸብቅዕ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ።

ሞስኮ ኣብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ ከባቢታት ልዕሊ 100,000 ወተሃደራት ድሕሪ ምእካባ ፡ ውግእ ዝሑል ኲናት ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ዘሎ ውጥረት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ።

ምዕራባውያን መራሕቲ ፡ ሞስኮ ነቲ ምስ ምዕራባውያን ጐረቤታ ዝግበር ወራር ትዳሎ ከም ዘላ ብምኽሳስ ፡ እንተ ወሪራ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣጠንቂቖም እዮም ።

ሩስያ ፡ መጥቃዕቲ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘይብላን ኣብ ክንዳኡስ ፡ ነቲ ወጥሪ ከም ዘህድኦ ዝገለጸቶ ውጥናት ከም ዘለዋ እያ ገሊጻ ።

With AFP.


Share
Published 2 February 2022 12:19pm
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends