191 ሓደሽቲ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ድሕሪ ምርግጋጹ፡ መልበርን ንሽዱሽተ ሰሙን ትዕጾ።

ኮቪድ-19 ኣብ ቪክቶሪያ እናውሰኸ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ካብ ፍርቂ ለይቲ ረቡዕ ጀሚሩ ከተማ መልበርን ንሽዱሽተ ሰሙን ትዕጾ።

Victorian Premier Daniel Andrews announces the border closure

Victorian Premier Daniel Andrews says the state is doing all it can to contain the Melbourne outbreak. Source: AAP

ናይ ቪክቶሪያ ፕሪሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ሎሚ 191 ሓደሽቲ ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ከተማ መልበርን ንዝመጽእ ሽዱሽተ ሰሙን ክትዕጾ እያ።

እቲ ምዕጻው ካብታ ከተማ ብወገን ሰሜን ትርከብ ሚጨል ሻየር'ውን ዝምልከት ኮይኑ ካብ ረቡዕ ሰዓት  11.59 ናይ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።

ሚስተር ኣንድሪውስ ንሪፖርተራት ብሰሉስ ከምዝገለጾ፡ ጽኑዕ ስጉምቲ እንተዘይውሰድ እቲ ለበዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምኾነ።

"እዚ ቀጻልነት ዘይብሉ ልዑል መልከፍቲ እዩ," ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ቅሩብ ሰሙን ዝተራእየ ሸለልትነት ነዚ ማዕበል ከለዓዕል ጠንቂ ከምዝኾነ ሚስተር ኣንድሪውስ ገሊጹ።

"ገለ ሰባት ነቲ ከኽብርዎ ዝግባእ መምርሒ ስለዘየኽበሩ ዝመጸ ሳዕቤን ምዃኑ ነፍሲወከፍና ንፈልጥ ኢና።" ክብል ገሊጹ።

"ኩላትና ክንፈልጦ ዝግባእ እምበኣር ነዚ ከቢድ ስጉምቲ ክንወስድ እምበር ካልእ ኣማራጺ የብልናን።"
ንሱ ብተወሳኺ እዚ ክፍለግዝ ኣት ልክዕ ከምቲ ንባርዕ ጫካ ነዚ ለበዳውን ብዕቱብ ክሕዞ ኣለዎ።

"እዚ ክልተ ነገርዩ፡ ናይ ህይወትን ሞትን፡ ኣብዙርያ ዓለም ጥዑያት ዝነበሩ ብዙሓት ይሞቱ ኣለዉ፡ ሓደ ወይ ክልተ ዘይኮነ ኣዚዮም ብዙሓት።"

"ኩላትና ኣካላት ሓደ ስድራ ኢና፡ እንፈትዎም ሰባት ኣዚዮም ይሓሙ ክሞቱውን ተኽእሎ ኣሎ።"

ካብቶም ሎሚ ኮሮና ቫይረስ ከምዘለዎም ዝተረኽቡ 191 ሰባት እቶም, 13 ምስቶም ኣብ 9 ናይ ህዝባዊ መንበሪ ርሻናት ዘለዉሞ ኣብ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ዘለዉ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ኣብቲ መንበሪ ዝርከቡ ኣስታት 3000 ሰባት ኩሎም ምስተመርመሩ እቲ ምዕጻው ከምዝለዓል እቲ ፕሮሜር ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ካብቲ ትማሊ ዝተረኽበ 127 ሓደሽ መልከፍቲ ሎሚ ብ 191 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ሓላፊ ጥዕና  ፕሮፌሰር ብረት ሱተን ነቲ ኩነታት ምዕጻው " ሕማቕ ግና ኣድላዪ ስጉምቲ" ብምባል ገሊጽዎ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ቪክቶሪያ  772 ሰባት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ኣለዉ።

እዚ ኣብ ቪክቶሪያ ዝተራእየ ማዕበል ለበዳ ኒው ሳውዝ ወልስ ምስ ቪክቶሪያ ዘለዋ ዶብ ክትዓጹ ተገዲዳ ኣላ።

ኣስታት 650 ኣባላት ፖሊስ ነቲ ዶብ ክሕልዉ ዝተዋፈሩ ኮይኖም፡ ተወሰኽቲ 350 ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ቀዳመ ሰንበት ንሓለዋ ክዋፈሩ እዮም።
Children from a window inside a unit at the public housing tower along Racecourse Road in Melbourne, Monday, July 6, 2020.
Witness to the Melbourne Towers 'violations': what happened during the lockdown was against human rights and the rights of all people Source: AAP
ኣብ ሰሜናዊ ሆስፒታል ኤፒንግ ኣርባዕተ ናይ ህጹጽ ኩነታት ሰራሕተኛታት ምስቲ ለበዳ ዝተሓሓዝ ብኮሮና ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብ ሮሳና ዝርከብ ናይ ኣሲስ መዕቆቢ ኣረጋዊያንውን ሓደ ሰብ በዚ ቫይረስ ተለኺፉ ኣሎ።

 

Residents in affected public housing towers who need access to support and assistance should call the Housing Call Centre on 1800 961 054. If you need a translator, first call 131 450. Both services are 24/7. More information can be found .

People in Australia must stay at least 1.5 metres away from others. Check your state’s restrictions on gathering limits.

If you are experiencing cold or flu symptoms, stay home and arrange a test by calling your doctor or contact the Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080.

News and information is available in 63 languages at   


Share
Published 7 July 2020 4:37pm
Updated 7 July 2020 8:38pm
By Steven Trask


Share this with family and friends