Breaking

ኣብ መልበርን ዝተኣወጀ ዕጽዋ ንተወሳኺ 7 መዓልታት ተናዊሑ፡ እዚ ዝኾነ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ብናይ ማሕበረሰብ ኮቪድ-19 ምልካፎ ምምዝጋቦም እዩ ።

ኣብ መልበርን ኣብ መንጎ ዘይተፈልጡ ሰባት ብ ኮቪድ-19 ዝመሓላለፍ ዘሎ ተተሓሒዙ ስክፍታታት ስለዘሎ፡ እታ ከተማ ንተወሳኺ ሰሙን ተዓጽያ ክትጸንሕ እያ። ይኹን እምበር ፡ ገሊኡ እገዳታት ኣብ ዞባዊ ቪክቶርያ ፈዂሱ ኣሎ።

Near empty streets in Melbourne after six new community COVID-19 cases were recorded in the state.

Near empty streets in Melbourne after six new community COVID-19 cases were recorded in the state. Source: AAP

ሰብ መዚ ጥዕና ፡ "እዚ ቫይረስ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮ ንላዕሊ ቅልጡፍን ተላባዒን ብምዃኑ ፡ መልበርን ንተወሳኺ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዕጽዋ ክንጸንሕ ኢና ።" ክብሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ቪክቶሪያ ተጠባባቒ ፕሪመር ጀምስ መርሊኖ ሎሚ ናይ መልበርን ዕጽዋ ምንዋሕ ኣፍሊጡ ፡ እንተኾነ ግን ንዞባ ቪክቶሪያ ገለ ቀይድታት ክፈዂሱ እዮም ኢሉ ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ገይሹ ካብ ዝነበረ ወሲኽካ ካብ ልዕሊ 51,000 መርመራታት ፡ ሽዱሽተ ሓደስቲ መልከፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ቍጽሪ እቶም ምስዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ እተተሓሓዘ ዝተለኽፉ ሰባት 60 በጺሑ ኣሎ።

"እዚ ነገር እዚ እንተ ዘይቆሪጽናዮ ፡ ኽላባዕ እዩ" ክብል መርሊኖ ገሊጹ። "ከምኡ እንተ ዘይጌርና ፡ ሰባት ክሞቱ ስለ ዝዀኑ ፡ ነዚ ኣብ ቁጽጽር ከነውዕሎ ኣሎና ።"

ተቐማጦ ከተማ መልበርን ፡ ክሳዕ 11.59 ድ.ቀ. ፡ 10 ሰነ ፡ ንሓሙሽተ ምኽንያታት ጥራይ ካብ ገዛ ክወጹ ይፍቀደሎ። ማለት ንዘድሊ ነገራት ንምዕዳግ ፡ ፍቓድ ዘለዎ ስራሕ ንምስራሕ ፡ ክንክን ንምሃብ ፡ ምውስዋስ ኣካላት ንምግባር ፡ ከምኡ'ውን ክታበት ንምኽታብ ተባሂሉ ።
ኣብ መልበርን ፡ ካብ ፍርቂ ለይቲ 3 ሰነ ፡ እቲ ተቐባልነት ዘለዎ ንጥፈታት ንምክያድ ዝተገብረ ናይ ጉዕዞ ቀይዲ ካብ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ናብ 10 ኪሎሜተር ክሰፍሕ እዩ - ከምኡ 'ውን ናይ 11ን 12ን ክፍሊ ተማሃሮ ትምህርቶም ኣብ ክፍሊ ተመሊሶም ክመሃሩዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ኣብ ዞባታት ቪክቶርያ ዝጸንሐ ቀይዲ ክልዓል እዩ: ተቐማጦ ዞባታት ካብ ገዛኦም ክንቀሳቐስሉ ዝኽእሉ ርሕቀት ከኣ ደረት ኣይክህልዎምን እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ኣብ ግዳም ክእከቡ ዝፈቕደሎም 10 ሰባት ፡ ደረት ምትእኽኻብ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ።

ናይ ዞባታት ቪክቶሪያውያን በቲ ዝተፈቕደሎም ሓሙሽተ ምኽንያታት ናብ መልበርን ክጉዓዙ ይኽእሉ እዮም ።


"ካብ ናይ ቅድም ተመኩሮና ሰባት ካብ መልበርን ንኽወጹ ፡ ሕጊ ዝጠሓሱን ነቲ ቫይረስናብ ዞባታት ክወስዱ ርኢና ኢና" ይብል መርሊኖ ። "ብፍላይ እዚ ሓድሽ ተርእዩ ዘሎ ዓይነት ቫይረስ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ብምዃኑ ፡ እዚ ተርእዮ እዚ ከም ብሓድሽ ክርአ ኣይንደልን ኢና" ኢሉ።
ኣብ ግዳም ምስ ዝርከብ ቦታታት እተተሓሓዘ እውን ወሰኽ ተራእዩ እዩ ፣ እዚ ከኣ ኣቐዲሙ ክግበር ትጽቢት ዘይተገብረሉ እዩ ነይሩ ።

"እዚ ኣብ 2020 ብተደጋጋሚ ዘይንርእዮ ዝነበርና እዩ" ።

"ከስፋሕፍሕ ኽንሓድጎ ኣይንኽእልን ኢና ። ብዙሓት ሰባት ከይተኣከቡ ናብ ዝነብሩሉ ቦታታት ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና "ክብል ሚስተር ማርሊኖ ገሊጹ ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 350 ነዚ ቫይረስ ዝተቓልዑ ቦታታትን ልዕሊ 5,200 ናይ ቀረባ ጥቡቕ ርክባትን ኣሎ ፡ ካብዚኦም 78 ሚእታዊ ኣሉታዊ ናይ መርመራ ውጽኢት ተረኺቡ።

ሓደ ሰብ ካብዚኣቶም ኣብ ዓብዪግረት ኦሺያን ሮድ ምስ ስድራቤቱን ኣብ ኣንግሌሳ ገዛ ዘለዎ ኰይኑ: ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ቦታታት ክቃላዕ ይኽእል እዩ ። እታ ስድራ ቤት በዚ ቫይረስ ብኸመይ ከምተታሕዘት ክሳዕ ሕጂ ንጹር እዩ ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓደ ነባራይን ክልተ ሰራሕተኛታትን ድሕሪ ምልካፎም ኣብ ሓደ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ዝተራእየ ለበዳ ኣይቀጸለን።


ኣቐድም ኣቢሉ ፡ ኣዛዚ መርመራ ኮቪድ-19 ጀሮም ቫይማር፡ ኣብታ ግዝኣት ካብ ኣርባዕተ ኽሳእ ሓሙሽተ ኣጋጣሚታት ፡ ሰባት በቲ ቫይረስ ካብ ገያሾ ከም እተለኽፉ ገሊጹ ነይሩ እዩ ።

ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ስማት ሓድሕዶም ኣይፈልጡን እዮም ፣ እዚ ከኣ ካብቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ" በለ ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ቪክቶሪያ ምዕቆቢ ኣረጋዊያንን ምስ ስንኩላንን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ 10 ማእከላት ክታበት ክኽተቡ ኣብዝኸድሉ ብዘይመስርዕ ክኽተቡ ተፈቒድሎም ኣሎ።
ኣብ ሰኔት ብሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ካብ 10 ሚኢታዊ ዘይውሕዱ ናይ መናበዪ ኣረጋውያን ሰራሕተኛታት ብናይ ፈደራል መንግስቲ ምብጻሕ ክታበት ከምዝተዋህቦም ተገሊጹ ።

With AAP


Share
Published 2 June 2021 3:12pm
Source: SBS News


Share this with family and friends