ወዲ 92 ዓመት ሩፐርት ሙርዶክ ፡ ነታ ኤልና ዘሁኮቫ ዝስማ ኣፍቃሪቱ ብምሕጻዩ፡ ንሓምሻይ ሳዕ ሰበይቲ ክምርዖ ዘምርሕ መገዲ እዩ ።
እቲ መርዓ ኣብ ካሊፎርንያ: ኣብቲ ናይ ሙርዶክ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝርከበሉ ቦታ: ሞራጋ ከም ዝካየድ ወሃቢ ቃሉ ሓቢሩ ።
ሙርዶክ ኣቦ መንበር ፎክስን ኒውስ ኮርፕን ብምዃን ንልዕሊ ሰብዓ ዓመታት እንኮ ወናኒ ናይ ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ስልጣኑ ካብዝወርድ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እዩ ነዚ ሕጸ ዝገብር ዘሎ።
ጋዜጣ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ እቲ ናይ መጀመርታ ነዚ ዜና ዘቕረበ ኮይኑ ፣ እታ ሕጽይቲ ካብ ሞስኮ ዝመጸት ዘሁኮቫ ስማ ጓል 67 ዓመት ምዃና ተገሊጹ ኣሎ ።ሙርዶክ ነታ ተመራማሪት ሞለክዩላዊ ስነ ህይወት ዝዀነት ካብዝሓለፈ ሓጋይ እዩ ከውጽኣ ጀሚሩ ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ደይሊ መይል ዝወጸ ጸብጻብ ፡ ን ኤለና ብመገዲ ሳልሳይ ሰበይቱ ንሙርዶክ ዝነበረት ወንዲ ደንግ እዩ ረኺብዋ ።
ሙርዶክ ንናይ መወዳእታ ግዜ ምስ ተዋሳኢትን ሞዴልን ጄሪ ሀል መርዓ ገይሩ ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ 2022 ብፍትሕ ተፈጸመ ።
እቲ ወናኒ ዓርሞሽሽ መራኸቢ ብዙሃን ሞርዶክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን ናይ ቀደም ሳንፍራንሲስኮ ኣባል ፖሊስ ቻፕሊን ኣን ለስሊ ስሚዝ ተሓጽዩ እኳ እንተነበረ ድሕሪ ሰሙናት ግን እቶም ጽምዲ ሕጸኦም ሰሪዞሞ ።
Vanity Fair ከምዝጸብጸቦ፡ ሙርዶክ ምስ ኣን ለስሊ ስሚዝ ክቕጽል ዘይገበሮ ምኽንያት ብግሁድ ወንጌላዊ ኣረኣእያ ስለተዘውትር ኣይማእሞኦን፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ ።
ሙርዶክ መርዓኡ ኣብ ሞራጋ ዝገብሮ ኮይኑ፡ እዚ ቦታ ሙርዶክን ዋልት ዲዝኒ ኣካያዲ ስራሕ ቦብ ኢገርን ፡ ንዲስኒ 21st Century Fox, ኣብ 2019 ብ 71 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ዝተፈራረምሉ ቦታ እዩ ።