ቀንዲ ነጥብታት፡
- መሰጋገሪ ቪዛ ካብ ዝሓዙ ሰባት 82% ብምኽንያት ኮቪድ-19 ካብ ስርሖም ደው ኢሎም ወይ ከኣ ዝሰርሑሎም ሰዓታት ጎዲሎም (ብመሰረት ዓለምለኻዊ ኣገልግሎታት ምጥያስ (Settlement Services International) ዝኣከቦ መልስታት ህዝቢ
- ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ግዝያዊ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ካብ መንግስታዊ ሓገዛት ንኮቪድ-19 ብምግላሎም ወሃብቲ ኣገልግሎታት ሓገዝ ብናይ ርድኡና ደወላት ኣዕለቕሊቐን ኣለዋ፡
- ወሃብቲ ኣገልግሎታት ሓገዝ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን መንግስቲ ነዞም ግዝያዊ ቪዛ ዝሓዙ ሰባት መሰረታዊ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብረሎም መጸዋዕታ ኣብ ምቕራብ ይርከቡ፡
ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ዝወጹ ሓበሬታታት ቤት ጽሕፈት ኣሃዛት ኣውስትራልያ (ABS) መጠን ሽቕለተ ኣልቦነት ናብ 6.2% ክብ ከም ዝበለ ኣርእዮም፡ ገለ ክኢላታት ቁጠባ ግን ካልእ ዝተፈልየ ሜላ ኣቀማምራ ካብኡ ዝኸፍአ ክውንነት መመልከተ ይብሉ።
ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኣውስትራልያ (The Refugee Council of Australia)፡ ምስ’ቶም 186 ብሓባር ዝነጥፈሎም ማሕበራት፡ ናይ ደገ ተመሃሮ፡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ግዝያውያን መጻእቲ ሰራሕተኛታትን ስደተኛታትን ዝርከብዎም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ግዝያዊ ቪዛ ዘለዎም ሰባት፡ መንግስቲ ደገፍ መሰረታዊ ቀረባት ክገብረሎም ይጽውዑ’ለው።
ኣካያዲ ፖል ፓወር ከም’ዚ ይብል።
“ካብ መፋርቕ መጋቢት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝነበሮም ስራሕ ስኢኖም ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣታዊ ዘይብሎም ተሪፎም ኣለው፡ ኣብ ውሽጢ’ዞም ጉጅለ ምናልባት ብውሑዱ 16,000 ህጻናት ካብ’ቶም ዝኾነ ዓይነት ኣታዊ ዘይብሎም ዝተረፉ ቤተሰባት ምህላዎም ኣሻቒሉና’ሎ።”
ፓወር ብመሰረት እዞም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጹ መንግስታዊ ኣሃዛት፡ ካብ’ቶም ዳርጋ 97,000 መሰጋገሪ ቪዛ ዘለዎም ሰባት፡ ገለ 12,000 ዝኾኑ ኣብ 2012 ብጃልባ ዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ ሕጂ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ኩነታት ናይ ሰደተኛ ወረቐቶም ይጽበዩ ኣለው፡ እዚ ከኣ ሓደ መመልከቲ/መርኣዪ መንግስታዊ ሓገዝ ዝምልከቶም እንተኾይኑ’ዩ።
“እቶም ዝበዝሑ ሰባት ዑቕባ ዝሓቱ ዘለውን መሰጋገሪ ቪዛ ዘለዎምን ፋይናንሳዊ መርበብ ድሕነት (financial safety net) ክረኽቡ ኣይክእሉን’ዮም። ዝበዝሑ ካብኦም ክሳብ ኮቪድ-19 ኣብ ዝነበረ እዋን ዝከኣሎም ጌሮም’ዮም ዝነብሩ ኔሮም። ነቶም ብናይ ሓጺር ግዜ ቪዛ ጥራይ ዝነብሩ ሰባት፡ እሞ ኸኣ ስርሖም ንክቕጽሉ በብግዚኡ ክሕደስ ዘለዎ፡ ብርግጽ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ምኽንያቱ ዝበዝሑ ኣስራሕቲ እቶም ሰባት ክሰርሑ ቅኑዕ ዝኾነ ሕጋዊ ወረቐት ኣለዎም ድዩ የብሎምንእዩ ዘገድሶም።”
ኣንሳሪ መሓመድ፡ ኣካያዲ ‘ብራዘርስ ኢን ኒድ (Brothers In Need)’ ዝተባህለ ብሰራሕተኛታት ማሕበረሰባዊ ደገፍ ሃይማኖት እስልምና ዝተመስረተ ማሕበር ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ፡ ምስ ግብረሰናያዊ ማሕበራት ‘ሙስሊም ቻሪታብል ፋውንዴሽን (Muslim Charitable Foundation)’ን ‘ሙስሊም ኤይድ ኣውስትራልያን (Muslim Aid Australia)’ ብምትሕብባር ነቶም ወጻኢታት ናብራ ክሽፍኑ ዝተጸገሙ - ዝበዝሑ ካብኦም ተመሃሮን መራሕቲ መካይን ኡበርን ዝኾኑ - ይሕግዝዎም ኣለው።
ንሱ ገለ ቤት ትምህርታት’ውን ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስድራቤታት ክፍሊታቶም ብምምሓር ይሕግዝዎም ኣለው ይብል።
“ክመሃሩ ክመጹ እንከለው ወይ ኣብ’ዚ ብመሰጋገሪ ቪዛ ክሰርሑ እንከለው፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣንስቶም ወይ ሓደ ቆልዓ ብሓባር ምስኦም ይመጹ። ብዙሓት ካብኦም ካብ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ባንግላዲሽን ደቡብ ኣሜሪካን ዝመጹ ስድራቤታት’ዮም።”
ኣብ ሕጊ ዝተሓጋገዝ ‘ሌጋ ኤይድ ኒው ሳውዝ ዌልስ’ (Legal Aid New South Wales) ኣዝዩ ዝለዓለ ጠለብ ንኣገልግሎቶም ይመጾም ኣሎ። ኬቲ ሪግሊ፡ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ሕጊ ኣብ ጉዳያት ኢሚግሬሽን፡ መሰጋገሪ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ብምኽንያት’ቲ ኩነታት ወረቐቶም ውሱን ዝኾነ መሰላት ጥራይ’ዩ ዘለዎም ትብል።

Source: Brothers In Need
“እቶም ሰባት ኣብ’ቲ መሰጋገሪ ቪዝኦም ፈቓድ ስራሕ ክህልዎም ወይ ከይህልዎም ይኽእል’ዩ፡ እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ናይ ኢሚግረሽን ታሪኾም ይምርኮስ፡ መሰላት ስራሕ እንተሃልይዎም ምስ’ኡ ቀረብ ሜዲኬይር ይመጽእ - እቲ ኣመልኪቶሞ ዘለው ቪዛ ውሳነ ክወሃቦ ይጽበዩ እንተሃልዮም፣ በዚ ድዩ በቲ ግን መሰጋገሪ ቪዛ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክፍሊታት ስንተርሊንክ ክረክብ ኣይክእልን’ዩ፡ ስለ’ዚ ክፍሊታት ጆብ ሲከር (Job Seeker)፡ ጆብ ኪፐር (Job Keeper)፡ ወይ ዝኾነ ካልእ ፍሉይ ሓገዝ ዝበሃል የለን።”
ፈደራል መንግስቲ መሰጋገሪ ቪዛ ንዘለዎም ሰባት ካብ’ቲ ናይ 2019 ክሳብ 2020 ፋይናንሳዊ ዓመት ካብ ቀረጽ ነጻ ዝኾነ ‘ኣውስትራልያን ሱፐር’ ኣበሎም (Australian superannuation) ክሳብ $10,000 ዶላር ከውጽኡ ይፈቕደሎም ኣሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (Department of Home Affairs) ብመንገዲ ሓደ ንመሰጋገሪ ቪዛ E ዝሓዙ ሰባት ዝወሃብ ዝተባህለ ኣገልግሎት ደገፍ ንሓጺር ግዜ ዝኾኖም ክፍሊታት ይቕርበሎም፡ እዚ ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝተለቐቑ ወይ ከኣ ክሳብ መንበሪ ፈቓዶም ዝውሰን (Residence Determination) ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝነብሩ ዘለው ማለት’ዩ።
እንተኾነ ግን ፖወር ብዙሓት መሰጋገሪ ቪዛ ዝሓዙ ሰባት ነዚ መደብ ክረኽብዎ ስለዘይክእሉ የሻቕሎ።
“እቶም ቅሩባት ዘለው ፋይናንሳዊ መድሕን ዝህቡ እቶም ብመንገዲ ኣገልግሎታት ደገፍ Status Resolution Support Services - the SRSS -ዝወሃቡ መጠኖም ካብ ዝኾነ ዓይነት ሓገዛት ሰንተርሊንክ ንታሕቲ ዝኾኑ ጥራይ’ዮም፡ እዚኦም ብመንገዲ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝመሓደሩ’ዮም፡ እዚ ክፍሊ ኸኣ ንዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ከካይድኦ ይህበን፡ ባዕሉ ግን ኣጥቢቑ ይቆጻጸሮ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ሰባት ነዚ ፋይናንሳዊ ደገፍ SRSSከይረኽቡ ከገልሉ ጸኒሖም’ዮም፡ ኣብ’ዚ እዋን ከኣ ክሳብ ትሕቲ 5,000 ሰባት ካብ 96 ወይ 97,000 ዝኾኑ ጥራይ ብመንገዲ’ዚ መደብ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዝረኽቡ ገይሮም ኣለው።”
ብዙሓት ኣብ ትኳቦ ረዲኤት ክምርኮሱ እምበር ካልእ ኣማራጺ ዝበሃል የብሎምን። ፓወር ከም ዝብሎ ክሳብ 200 ትካላት ወሃብቲ ደገፍ እቲ ዝመጸን ዘሎ ደወል ወይ መጸዋዕታ ንሓገዝ ብክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሓቢረን።
ዓለምለኻዊ ኣገልግሎታት ምጥያስ (Settlement Services International) ዝተባህለ፡ ኣብ ግዝኣታት ቪክቶርያን ኲንስላንድን ንጥፈታት ዘለዎ፡ ግን ብብዝሒ ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝነጥፍ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝሕግዝ ሓደ ማሕበረሰባዊ ውድብን ማሕበራዊ ንግድን ኮይኑ በቶም ሓገዝ ዝሓቱ ጽጉማት ናይ ኣፈርክቡ ደወላት ወይ መጸዋዕታታት ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎ ኣካያዲኡ ግሬግ ቤንሰን ይሕብር።

Migrant workers Source: AAP Image/EPA/WALLACE WOON
“ብመንገዲ’ቶም ናብ ማሕበረሰብ ዘባጽሑ ኣገልግሎታትና ንሸሞንተ ዓመታት ስራሕ ዝነበሮም፡ ግብሪ ክኸፍሉ ዝጸንሑ፡ ሃንደበት ዝኾነ ዓይነት ፋይናንሳዊ መድሕን ዘይብሎም ሰባት’ዮም ርድኡና ዝብሉና ዘለው።”
ፓወር ከምዝብሎ ግብረሰናያዊ ማሕበራት ምስ’ዞም ልዑላት ጠለባት ንሓገዝ ክዳረጋ ኣይከኣላን፡ ብፍላይ ኣብ’ቶም ብዙሓት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝነብሩለን ከም በዓል ኦውበርን፡ ብላክታውንን ሊቨርፑልን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ከተማ ሲድኒን፡ ከባቢ ዳንዴኖንግ ካብ ከተማ መልበርንን።
“ሰባት ንመግቢ፡ ገዛ ኽራይ፡ ክዳን፡ ክንክን ሕክምና፡ መብራህቲን ካልኦት መሰረታውያን ነገራትን ዝኸውን ኣታዊ ኣብ ዘይብሎም በቲ ዝወሃቦም ረዲኤት ጥራይ ክነብሩ ብሓቂ ዳርጋ ዘይከኣል’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ሓደ ዓቢይ ብድሆ’ዩ፡ እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ኩነታታት ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን እናኸፍኡ’ዮም ዝኸዱ ዘለው፡ ምኽንያቱ እቶም ኣብ መጋቢት ስርሖም ደው ዘበሉ በብሰሙኑ ዝኾነ ተሪፍዎም ዝነበረ ተቐማጢ ገንዘብ እናተጠቐምሉን እናጥፍኡዎን’ዮም፡ ሰባት ሕጂ ብመሰረቱ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ’ዮም ዝነብሩ ዘሎ።”
Settlement Services International ኣብኡ እንከሎ’ውን SSI ተባሂሉ ይጽዋዕ’ዩ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ሓደ መለክዒ ርእይቶ ከባቢ 500 ግዝያዊ ነበርቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣኪቡ፡ 62% ግዝያዊ ቪዛ ዘለዎም ኣብ ግዜ ኮቪድ-19 ካብኦም ኣገልግሎት ወይ ሓገዝ ዝሓተቱ ሰባት መግቢ ዝበሃል ከይለኸፉ ከምዝሓለፍዎ ኣመልኪቶም።
“እቲ መጽናዕትና 79% ካብኣቶም ካብ ኣዕሩኽቶምን ካልኦት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዝረኸብዎ ለቓሕ ከምዝተመርኮሱን ምስ ኣገልግሎታትና እናተራኸቡ ክጸንሑ ንብዙሓት ሰባት ትንፋስ ከምዝሃቦምን ኣመልኪቱ።”
ግሬግ ቤንሰን SSI ነቶም ካብ ሓተቲ ዑቕባ ዝሓቱ ስድራቤታት ዝመጹ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን ዕሹግ መግቢ ዝዕድለሉ ሓደ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ’ሎ ይብል። ንሱ እቲ መላእ ሕብረተሰብ ነቶም ጽጉማት ንምሕጋዝ ናይ $20ን $50 ጥማራት ክንክን (care packages) ከበርክቱ የተባብዕ።
“እዚ መቃለሊ ሓገዝ ናብ ቁሪ ሓጋይ ኣብ እንኣትወሉ ነብሶም ክምግቡን ደቆም ከልብሱን ከምዝኽእሉ ንምርግጋጽ ከኽእለና’ዩ።”
ኬይቲ ሪግሊ ብዙሓት መሰጋገሪ ቪዛ ዝሓዙ ሰባት ከመይ ገይሮም ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኣውስትራልያ ይጸንሑ ክፈልጡ ህንጡያት’ዮም፡ ብፍላይ ከኣ ብምኽንያት ምዕጻው ዶባትን ክቡራት ዋጋታት መገሻን ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ኣብ ዘይከኣልሉ እዋን።

Source: Getty Images/James Braund
“ንኩነታት መንበሪ ወረቐቶም ዝምልከት ወኪል ኮይንናዮም ኣለና። እቲ ንሕግዞም ዘለና ኸኣ እቲ ጉዳይ መንበሪኦም ብዝተኻእለ መጠን ተቐላጢፉ ክምስረሓሎም፡ ከይደንጎዩ መልሲ ክረኽቡን ናብ ክፍሊታት ሰንተርሊንክ ከኣ ዝምልከቶም እንተኾይኑ ክሰጋገሩን’ዩ።”
ሓደ ብዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎታት ምጥያስ፡ ቀይሕ መስቀልን ዩኒቨርሲት መልበርንን እቶም ኣብ ትሕቲ ዘይተረጋግኡ ቪዛታት ዝነብሩ ሰባት ካብ’ቶም ውሑስ ቪዛ ዘለዎም ኣዝዩ ዝለዓለ ጸገማት ኣእምርን (post-traumatic stress disorder) ምልክታት ጭንቀትን የሕልፉ፡ ዝያዳ ክልተ ዕጽፊን ፈረቓን ኸኣ ነብሰ ቅትለታዊ ህቀናታት ከምዝነበሮም ይሕብሩ።
መሓመድ ከምዝብሎ ትካል ‘Brothers In Need’ ካብ ሓካይም ቤተሰብ፡ ክኢላታት ስነኣእምሮን ኮሚኒቲ ማሕበራትን ነቶም ነዚ ጽንኩር እዋን ክሓልፉ ዘጸገሞም ሰባት ክሕግዝዎም ኢሎም ዝለኣኹሎም ክቕበሉ ጸኒሖም’ዮም።
“ናብ’ዚ ክመጹና ኣይኮናን ንገብር፡ ኣብ ገዝኦም ኢና ነብጽሓሎም። ዕሹጋት ነገራት ከም በዓል ሩዝ፡ ሽኮር፡ ብሽኮቲ፡ ሓርጭ፡ ኩሎም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝጥቀምሎም ኣድለይቲ ንገራት ጠርኒፍና ነቐምጠሎም። እዚ ኩሉ ምናልባት ከባቢ $70 ክሳብ$100 ዶላራት ይውድእ።”
መሓመድ ብተወሳኺ ኣብ’ቶም ዝተሓጋገዞም ውልቀሰባትን ስድራቤታትን ተወሳኺ ጸቕጢ ኣእምሮ ይዕዘብ ኣሎ።
“ኣብ ኣእምሮኦም ስራሕ የብሎምን ወይ ከኣ ስርሖም ደው ኢሉ ስለዝኾነ ዝያዳ ይትንክፎም፡ ገሊኦም ክኸፍልዎ ዝተሸገሩ ዕዳ ይህልዎም፡ ስለ’ዚ ብዙሕ’ዩ እቲ ጸገሞም።”
ግዳም ሓደርነት ንብዙሓት መሰጋገሪ ቪዛ ዝሓዙ ሰባት ዘንጸላልዎም ርኡይ ሓደጋ’ዩ፡ 76% ካብ’ቶም መለክዒ ርእይቶ SSI መልሲ ዝሃቡ ገዛ ኽራይ ወይ ለቓሕ ዕድጊ ኣባይቲ (mortgage) ኣብ ግዚኡ ክንከፍል ኣይከኣልና ኢሎም።
ኬይቲ ሪግሊ ገለ መሰጋገሪ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ውሑስ ኣብ ዘይኮነ ኩነታት ክነብሩ ይግደዱ ኣለው ትብል።
“ገለ ፈጠራዊ ዝኾኑ መፍትሒታት ኣለው፡ ግን ጽቡቓት/ምቹኣት ዝበሃሉ ኣይኮኑን። ኣብ ባቡራት ይድቅሱ፡ ኣብ መኪናታት፡ ኣብ’ቲ ዝኸፍአ ኩነታት ከኣ ኣብ ኢድ መጽወትቲ ይጽግዑ፡ እዚኦም እቶም ቀደም ነብሶም ዝኽእሉ ዝነበሩ ኮይኖም ኣብ’ዚ እዋን ብዘይ ዝኾነ ደገፍ ኣታዊ ዝተረፉ እዮም። እዚ እዋን ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።”
ኣውስትራልያ ነታ ሕንጻጽ/ግራፍ ናይ ኮቪድ-19 ኣጽፊሓታ ክትከውን ትኽእል’ያ፡ ግን፡ ይብል ፓወር፡ መንግስቲ ድሕሪኡ ዝስዕብ መቕዘፍቲ ከወግድ እቲ ክገብሮ ዘለዎ ከዕዝዝ ኣለዎ።
“ኣብ ሕብረሰብና ዘለው ሰባት ብዘይ መነባበሪ ሓገዝ ክንገድፎም ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ብኹሉ መዳዩ ኣዕናዊ’ዩ፡ ብመንጽር ህዝባዊ ጥዕና ኣዕናዊ’ዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት’ውን ንርእዮ ዘለና’ዩ፡ ሲንጋፖር ንጽርቲ ኣብነት ናይ’ተን ኮሮናቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእቲናዮ ኢላ ትሓስብ ዝነበረት ሃገር’ያ፡ ግን ኩነታት ናይ’ቶም ኣብ ዝተጨቓጨቑ ኩነታት ዝርከቡ መደቀሲታት ዝነብሩ ድኻታት ገየሽቲ ሰራሕተኛታት ሸለል ኢላቶ። እዚ ኸኣ ካብ’ቲ ቀዳማይ ዝበኣሰ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣኸቲሉ።”

Source: Getty Images/FatCamera
ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብነጻ ንሕጊ ዝምልከት ምኽርታት ክትረኽቡ፡ ኢልኩም ብቑጽሪ 1300 888 529 ካብ ሶኑ.ይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 9 ቅ. ቀ ክሳብ 5 ድ. ቀ. ደውሉ።
ን (ወስተርን ኣውስትራልያ)1300 650 579 ኢልኩም ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 9 ቅ. ቀ. ክሳብ 4 ድ. ቀ. ደውሉ።
ን (ታዝመንያ)1300 366 611 ኢልኩም ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 9 ቅ. ቀ. ክሳብ 5 ድ. ቀ. ደውሉ።
ን (ሳውዝ ኣውስትራልያ)1300 366 424 ኢልኩም ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 9 ቅ. ቀ. ክሳብ 4:30 ድ. ቀ. ደውሉ።
ን (ኖርዘርን ተሪተሪ)1800 019 343 ኢልኩም ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 9 ቅ. ቀ. ክሳብ 4:30 ድ. ቀ. ደውሉ።
ትጭነቑ እንተሃሊኹምን ኣእምሮኣዊ ደገፍ እንተድልይኩም፡ ኣገልግሎት ደገፍ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ግዜ ኮሮናቫይረስ ዝህብ ኢልኩም ብ1800 512 348 ወይ ኢልኩም ብ13 11 14 ኣብ ዝኾነ እዋን ቀትሪ ይኹን መዓልቲ ደውሉ።