ኪም ጆንግ-ኡን እንተመይቱ፡ ሕፍቱ መራሒት ሰሜን ኮርያ ክትከውን ከምትኽእል ይግለጽ ኣሎ፡ ንሳ ግና መንያ?

መራሒ ሰሜን ኮርያ ብኸቢድ ሓሚሙ ከምዘሎ ምስተገልጸ ፡ "መን ክትክኦ'ዩ?" ዝብል ሕቶ እዩ ብቕጽበት ተላዒሉ።

Kim Yo Jong, sister of North Korea's leader Kim Jong Un is considered a likely heir.

金正恩妹妹金與正是其中可能接任的人選,但北韓男尊女卑觀念非常重,女人掌權並非易事。 Source: Reuters

ናይ ኣመሪካ መድያታት ጥዕና ናይቲ ኣብ ዓለም ካብዘለዉ ዕጽዋትን ምስጢረኛታት መንግስቲ ዝመርሕ ኣብ ሕማቕ ኣሎ ኢሎም ካብዝጸብጸብሉ እዋን ኣትሒዙ፡ መን ከምዝትክኦ መዛረቢ ኣርእቲ ኮይኑ ኣሎ።

ጥዕና ናይቲ መራሒ ኣብ ሕማቕ ከምዘሎ ወረታት ዝወሓዘ፡ ኣብታ ሃገር እቲ ዝለዓለ በዓል ልደት ናይ ኣባሓጎኡ 15 ሚያዚያ ብዘይምስታፉ እዩ።

CNN ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝጸብጸቦ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣዚዩ ከምዝሓመመን መጥባሕቲ ከምዝገበረን ኣመሪካ ድማ ንኩነታት ጥዕና ኪም ጁፕንግ-ኡን ብመገዲ መስመራት ጸጥታ ትከታተሉ ከምዘላ ገሊጻ። 

ካብቲ መንግስቲ ብዝሃደሙ ዝውነን ናይ ዜና መርበብ  "The Daily NK"  እቲ ዉልቀመላኺ  ብናይ ልቢ ጥዕና  ኣብ ከቢድ ናይ ሞት ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ገሊጹ። ምኽንያት ጥዕና ምስ ኣን ናይቲ መራሒ " ብዘይ ዕረፍቲ ምትካኽ፡ ምሕፋስ ሰብነትን ብዝሒ ስራሕ" ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
Moon jae-in with Kim Yong-jo
South Korea's President Moon Jae-in with North Korean leader Kim Jong Un's sister Kim Yo Jong on 10 February 2018. Source: KCNA/AFP/Getty Images
ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከብ ብመንግስቲ ዝውነን እንኮ መዲያ ብሰንበት ኪም ነታ ከተማ ዳግም ዝሃነጹ ሰራሕተኛታት ኣመስጊኑ ዝብል ዜና ኣመሓላሊፉ። ደቡብ ኮርያ ከይተረፈት ኪም ጆንግ-ኡን ብጥዕናኡ ብህይወት ኣሎ ኢላ።

እቲ ብዛዕባ ህላወን ሞትን ኪም ጆንግ-ኡን ዝውረ ወረ ቐጺልሉ ኣብዘሎ እዋን፡ እንተሞየቱ መንዩ ዝትክኦ ዝብል ዘረባ ብብዝሒ ዝውረ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ መራሒ ቆልዑ ከምዘለዉዎ ዝእመን እንተኾነኳ፡ ካብ ደቁ ንመሪሕነት ዝበጽሐ ዕድመ ዘለዎ የለን። ሓዉ ኣብ 2017 ተቐቲሉ፡ ስለዚ እታ ነቲ ስልጣን ክትርከብ ትኽእል ሓንቲ ሓፍቱ ኪም ዮ-ጆንግ ጥራይ እያ።

ከምቲ ብዛዕባ ቀንዲ ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ ዝንገር ብዛዕባ ኪም ዮ-ጆንግ ወግዓዊ መንነታ ብዙሕ ዝፍለጥ ኣይኮነን። ንፈልጦ ነገር እንተልዩ፡ ናብቲ ሓዋ ዝተማህረሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከይዳ ከምዝተማህረትን  ኣብ ሰሜን ኮርያ ድማ ብኮምፑዩተር ሳይንስ ዲግሪ ከምዝረኸበትን ይፍለጥ።  ንፈለማ እዋን ብወግዒ ብህዝቢ ዝተራእየት  ኣብ ቀብሪ ናይ ኣቦኣ ኪም ጆንግ-ኢል  ኣብ 2011 እዩ።

ዕድሚኣ ኣብ ሰላሳታት ከምዝኾነትን ብዙሕ ግዜ ኣብ ከባቢቲ መራሒ ተራእያ ኣላ። ኣብ 2014 ናይቲ ሰልፊ ሰራሕተኛ ምክትል ዳይረክተር  ደፓርትመንት ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ምዃና ኮይና ምሻማ ይዝረብ።

Kim Yo Jong, Kim Jong-un's sister was ever present at her brother's side during the historic summit.
Kim Yo Jong, Kim Jong-un's sister was ever present at her brother's side during the historic summit. Source: Getty Images
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ሓዋ ኪም ጆንግ-ኡን ምስሓመመ ናይ መንግስቲ ስራሓት ከምዝመርሐት ተመዝጊቡ ኣሎ። ብድሕርዚ ንፈለማ እዋን እቲ መራሒ ኣብ ኣኼባ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብዝተሳተፈሉ ኪም ዮ-ጆንግ ኣብቲ ናይ ኣኼባ ጣውላ ቦታ ተዋሂብዋ ተራእያ። .ሓዋ ክልተ ግዜ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዝተራኸበሉውን ኣብ ጎኑ ከምዝነበረት ከምኡውን ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብዝነበረ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ከም ዕድምቲ ተሳቲፋ ኔራ።

ሰሜን ኮርያ ንምህሮ ኮንፉሽዮስ ስለትኽተል መሪሕነት ንደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝምልከት። ዛጊት ጓል ኣንስተይቲ ብወግዒ ንሰሜን ኮርያ ክትመርሕ ክፍቀደላ ድዩ ወይስ ደቁ ን ኪም ጆንግ-ኡን ክሳብ ዝዓብዩ ንሳ ከም ሓላዊት መንግስቲ ኮይና ክትጸንሕ ድያ ገና ክፍለጥ እዩ።

 

 


Share
Published 29 April 2020 2:24pm


Share this with family and friends