‘ፍሽኽታኹም ቀጽሉ’፡ ምስሊ ሕጉስ ነብሪ ዘለዎም ቴምብራት ደወል ሓድሽ ዓመት ከበስሩ’ዮም

ሓድሽ ዓመት ዓውደ'ዋርሕ ሉናር (ዑደት ወርሒ ዝኽተል) ኣብ ወርሒ ለካቲት ሓደ ተወሳኺ ድፍኢት ክረክብ'ዩ፡ ነዚ በዓል ንምኽባር ኣውስትራሊያ ምስሊ ናይ ሓደ ሕጉስ፡ ዕድል ዘምጽእ ነብሪ ዘለዎም ቴምብራት ትዝርግሕ ኣላ።

Cheerful tiger

Source: Australia Post

ቤት ጽሕፈት ፖስጣ ኣውስትራሊያ (Australia Post) ምእታው ሉናር ሓድሽ ዓመት ንምብሳር ዝኽራዊ ቴምብራት ኣብ ዝሓትመሉ እዋን፡ እዚኣ 'ዓመተ ነብሪ' ኣብ ታሪኽ ፖስጣታ ኣውስትራሊያ ንሓዋሩ ተኣሳሲራ ክትዝከር'ያ።

እዚ ሉናር ሓድሽ ዓመት (Lunar New Year) ባሕቲ ለካቲት ክጅምር'ዩ፡ ካብ ዓመተ ብዕራይ ናብ ዓመተ ነብሪ ዝሰጋገረሉ እዋን ዘመልክት'ዩ። 

እዚ እንስሳ ነዛ ዓመት ሕውስዋስ ትስፉውነትን ዕላማን ከምጽኣላ'ዩ ይበሃል።

እዞም ናይ ነብሪ ቴማ ዘለዎም ቴምብራት፡ ብሲድኒ ዝመደበራ ሰኣሊት ክሪሲ ላው ዝተነድፉ 'ዕድል ዘምጽኡ ኣናብር' ስእሊ ዘለውዎ'ዩ፡ በቶም ከም እንስሳ ዝተመሰሉ (ማስኮት) ብብዝሒ ኣብ ባህልታት ቻይናን ጃፓንን ዘገልግሉ ዕድል ዘምጽኡ ደማሙ ከኣ ከም ሓሳብ ዝተነቓቕሐ'ዩ።
Cheerful tigers
Cheerful tigers Source: Australia Post
Year of the Tiger 2022 stamps
Source: Australia Post
"ነዞም ዕድል ዘምጽኡ ደማሙ ኣብ ብዙሓት ኤስያውያን ዱካናት ብብዝሒ ትርእይዎም ኢኹም። እቲ ቀንዲ ዕላምኦም ሃብቲ ክስሕቡ ወይ ከምጽኡ'ዩ፡" ትብል ላው። 

"እዚ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ባህልታት ኣዝዩ ልሙድ ዝኾነ ስእሊ'ዩ። ምልክት ናይ ብዝሐባህላውነት እዩ።"

እዞም ዕድል ዘምጽኡ ነብሪታት ዘለዎም ቴምብራት ብሰለስተ ዋጋታት ተቐሪቦም ኣለዉ። ኣብ'ቲ ናይ $1.10 ቴምብር እቲ ነብሪ ዕምባባ ፍሩታ ፕላም ሒዙ'ሎ፡ እዚ ኣብ ባህሊ ቻይና "ተስፋን ጽንዓትን" ዘመልክት'ዩ፡ ከም ኣበሃህላ ወይዘሪት ላው።

እቲ ናይ $2.20 ቴምብር እቲ ነብሪ ሓንቲ ፊደል ቋንቋ ቻይና "ፉ” ሒዙ እንከሎ ተርኢ፡ እዚ ክትርጎም እንከሎ ናብ " ዕድለኛ/ዕደል ዘምጽእ" ዝብል ይትርጎም፡ ርችታት ኣብ ልምዳዊ ቻይናዊ ባህሊ ርኹሳት መንፈሳት ክርሕቁ ንከፍርሕዎም ይጠቕሙ ኔሮም።

እቲ ናይ $3.30 ቴምብር ክልተ ኣናብር ኣብ ሓደ ኢዶም ቁጽርጽር ዝበለ ኢደ ጥበብ ቻይና ዝሓዙ፣ እዚኦም ነዊሕ ዕድመ'ዮም ዘመልክቱ፣ ኣብ'ቲ ካልእ ኢዶም ከኣ ተኣሲሮም ዝተንጠልጠሉ ብርቱኻናት ዝሓዙ ተሳኢሎም ኣለው።

"ኣብ ሓድሽ ዓመት ቻይና ብርቱኻናት ኣዝዮም ብብዝሒ ዝዝውተሩ'ዮም:" ትብል ላው፡ "ኣብ ርእሲኡ ብርቱኻናት ምልክታት ሃብቲ'ዮም።"
Cheerful tigers
Cheerful tigers Source: Australia Post
ላው እቲ ኣብ'ቶም ናይ ዞዲያክ ቴምብራት ከም ድሕረባይታ ክኸውን ዝተጠቕመትሉ ሕብሪ "ብመጠኑ ሓደገኛ ውሳነ'ዩ" ኔሩ ምኽንያቱ ሮዛ ሕብሪ ቻይናዊ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ ከምልምዲ/ከም ባህሊ ዘይጥቀምሉ ስለዝኾነ ትብል።

"ምኽንያቱ ሉናር ሓድሽ ዓመትን መዓልቲ ቫለንታይንን ኣብ ተቐራራቢ እዋን'ዮም ዝበዓሉ፡ ኣነ ገለ ፒንክ ፍቕሪ ንኽውክል ኢለ ናብኡ ክካተት እንተገይረ ጽቡቕ ይኸውን ኢለ ሓሲበ።"

እዚ ንኻልኣይ ግዜ'ዩ ተዓዋቲት ስልማት ዝኾነት እዛ ቻይናዊት ኣውስትራልያዊት ንምኽባር ሉናር ሓድሽ ዓመት ቴምብራት ክትስእል ብኣውስትራሊያ ፖስት እቲ ዕዮ ክትፍጽሞ ዝተዋህባ።

እዚ እዋን ሉናር ሓድሽ ዓመት ንብዙሓት ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ካልእ በዳሂ እዋን ክኸውን ይኽእል፡ ስለ'ዚ ሚስ ሉ "ደጊምካ ክትራኸብ" እንከለኻ ዝፈጥሮ ስምዒታት ናብ'ቲ ዝተኣከበ ቴምብራት ክካተት ደልየዮ ትብል።

"ንኩሉ ሰብ እተን ዝሓለፋ ብሰንኪ ኮቪድ ክልተ ዓመታት ከበድቲ'የን ኔረን፡ ገና ሕጂ'ውን መወዳእትኡ ኣይረአን። ስለ'ዚ እዞም ቴምብራት ንኩሉ ሰብ ፍሽኽ ምባል ክቕጽልዎ ምጩው፡ ዘመናዊን እናዘናግዐ ዘዘኻኽርን'ዩ።" ክትብል ትውስኽ።

እዚኦም ተኸታተልቲ ቴምብራት ጥሪ 6 እዮም ተዘርጊሖም።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends