ካንየ ወስት ንዶናልድ ትራምፕ ብምርጫ ስዒረ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ክኸውን እየ ኢሉ።

ህቡብ ራፐር ካንየ (ናይ ሙዚቃ ዓይነት) ወስት ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ንምዃን ኣብ ዉሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ንውድድር ክቕረብ እየ ክብል ብትዊተር መልእኽቲ ጽሒፉ፡ እንተኾነ ናይቲ ኣርቲስት መልእኽቲ ብጥርጣረ ርእዮሞ።

Rapper Kanye West

Rapper Kanye West says he will run for US president in November. (AAP) Source: AAP

ናይ ራፕ ዘያሚ ካንየ ወስት ብትዊተር ኣብዝሰደዶ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ሕዳር ዝግበር ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ክወዳደር እየ ኢሉ።

"ን ኣምላኽ ብምእማን ናይ ኣመሪካ ዝተኣትወ ቃል ሎሚ ከነረጋግጾ ኣለና። እዚ ድማ ነቲ ራኢና ብምውህሃድ መጻኢና ምህናጽ እዩ። ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ክኸውን ክወዳደር እየ።"ብምባል  "2020VISION" ሃሽ ታግ ኣስዒቡ ጽሒፉ።
እቲ ወዲ 43 ዓመት ሙዚቀኛ ቆልዕዊን ዘይትጽቢታዊ መልእኽቲ ብምስዳድ ዝፍለጥ ኮይኑ ነቲ ሕጂ ኢልዎ ዘሎ ክገብሮ ድዩ መረጋገጺውን የለን።

ኣብዚ እቲ ምርጫ ቀሪብሉ ዘሎ እዋን ብውልቂ ምውድዳር ከቢድ ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ካንየ ብትዊተር ዝጸሓፎ ብዙሓት ብጥርጣረ ዝተቐበልዎ።   እቲ ሃብታም በዓል ቢሊዮናት ዶላር  Elon Musk, ግና : "ምሉእ ደገፈይ ክህበካየ!" ክብል እዩ መሊሱሉ።
እቲ ናይ ሂፕ ሆፕ ኣርቲስት ዝኾነ ወስት ፈለማ ኣብ 2020 ንፕረሲደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ኣብቲ ኣብ 2015 ናይ ማይክል ጃክሰን ቪድዮ  ስልማት ኣብዝተሸለመሉ ናይ 2015 MTV ቪድዮ ስልማት እዩ።

ብድሕርዚ ብዛዕባዚ ብሓቂ ክሰርሓሉ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ መሊሱ ክሳብ 2024 ከምዘይገብሮ ኣፍሊጡ።

ካንየ ወስት  MAGA ቆቡዕ ጌሩ ምስ ፕረሲደንት ዶናልድ ዝተራኸበ ኮይኑ ኣብቲ እዋን ኣብዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣብ ትሕቲ ትራምፕ ነገራት ከምዝተመሓየሹ ብምግላጽ: ""ሪልስታት ገዜአ፡ ካብቲ ኦባማ ኣብስልጣን ዝነበረሉ ሎሚ ይበልጽ።"

ኣብዚ ቅሩብ እዋን ድማ ምስ ትራም ዝነበሮ ኩሉ በቲኹ ምስቶም ኣብ ሰልፊ ዝነበሩ ከምዝወገነ ገሊጹ ኔሩ።

 እቲ ህቡብ ሙዚቀኛ ምሉእ ብምሉእ ዜማታቱ ናይ ክርስቲያን ሙዚቃ እዩ ጌርዎ።

 


Share
Published 6 July 2020 8:38am
Updated 6 July 2020 8:42am


Share this with family and friends