ናይ ራፕ ዘያሚ ካንየ ወስት ብትዊተር ኣብዝሰደዶ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ሕዳር ዝግበር ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ክወዳደር እየ ኢሉ።
"ን ኣምላኽ ብምእማን ናይ ኣመሪካ ዝተኣትወ ቃል ሎሚ ከነረጋግጾ ኣለና። እዚ ድማ ነቲ ራኢና ብምውህሃድ መጻኢና ምህናጽ እዩ። ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ክኸውን ክወዳደር እየ።"ብምባል "2020VISION" ሃሽ ታግ ኣስዒቡ ጽሒፉ።
እቲ ወዲ 43 ዓመት ሙዚቀኛ ቆልዕዊን ዘይትጽቢታዊ መልእኽቲ ብምስዳድ ዝፍለጥ ኮይኑ ነቲ ሕጂ ኢልዎ ዘሎ ክገብሮ ድዩ መረጋገጺውን የለን።
ኣብዚ እቲ ምርጫ ቀሪብሉ ዘሎ እዋን ብውልቂ ምውድዳር ከቢድ ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ካንየ ብትዊተር ዝጸሓፎ ብዙሓት ብጥርጣረ ዝተቐበልዎ። እቲ ሃብታም በዓል ቢሊዮናት ዶላር Elon Musk, ግና : "ምሉእ ደገፈይ ክህበካየ!" ክብል እዩ መሊሱሉ።
እቲ ናይ ሂፕ ሆፕ ኣርቲስት ዝኾነ ወስት ፈለማ ኣብ 2020 ንፕረሲደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ኣብቲ ኣብ 2015 ናይ ማይክል ጃክሰን ቪድዮ ስልማት ኣብዝተሸለመሉ ናይ 2015 MTV ቪድዮ ስልማት እዩ።
ብድሕርዚ ብዛዕባዚ ብሓቂ ክሰርሓሉ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ መሊሱ ክሳብ 2024 ከምዘይገብሮ ኣፍሊጡ።
ካንየ ወስት MAGA ቆቡዕ ጌሩ ምስ ፕረሲደንት ዶናልድ ዝተራኸበ ኮይኑ ኣብቲ እዋን ኣብዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣብ ትሕቲ ትራምፕ ነገራት ከምዝተመሓየሹ ብምግላጽ: ""ሪልስታት ገዜአ፡ ካብቲ ኦባማ ኣብስልጣን ዝነበረሉ ሎሚ ይበልጽ።"
ኣብዚ ቅሩብ እዋን ድማ ምስ ትራም ዝነበሮ ኩሉ በቲኹ ምስቶም ኣብ ሰልፊ ዝነበሩ ከምዝወገነ ገሊጹ ኔሩ።
እቲ ህቡብ ሙዚቀኛ ምሉእ ብምሉእ ዜማታቱ ናይ ክርስቲያን ሙዚቃ እዩ ጌርዎ።