"ብዛዕባታ ዝወደቐት ናይ ዩክሬን ጀት ዘይተመለሱ ብዙሕ ሕቶታት ኣለዉ።" መራጂ ካናዳ Justin

ነታ ብዙሓት ካናዳዊያን ምስ ካልኦት ተጓዕዝቲ ሒዛ ዝተሓምሸሸት ጀት ንኣወዳድቓኣ ዝምልከት ምሉእን ፍጹምን መርመራ ክግበር ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ ሓቲቱ።

Justin Trudeau said a 'full and complete' investigation is crucial in determining whether the downing of the airliner had indeed been a mistake.

Justin Trudeau said a 'full and complete' investigation is crucial in determining whether the downing of the airliner had indeed been a mistake. Source: Getty Images

ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ብዛዕባታ ኣብ ኢራን 57 ካናዳዊያን ብሓፈሻ ድማ 176 ሰባት ዝተቐትሉዋ ዝወደቐት ነፋሪት ናይ ዩክሬን ነፋሪት ዝምልከት ዘይተመለሰ ሕቶታት ከምዘሎ ገሊጹ፡ ኣብቲ ዝግበር ምሉ እ መርመራ ምትሕብባር ክግበር ሓቲቱ ኣሎ።

ኢራን ነታ ነፋሪት ብጌጋ ወቒዓ ከምዘውደቐታ ብቐዳም ገሊጻ ኔራ።

"ካናዳን ዓለምን ብዛዕባዚጉዳይ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣለዎም" ክብል ትማሊ ኣብዝነበረ ናይ ዜና ኮነፈረን ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ገሊጹ ኣሎ።

Prime Minister Justin Trudeau attends a candlelight vigil, in Ottawa, Ontario, for victims of the Ukrainian International Airlines plane crash in Tehran.
Prime Minister Justin Trudeau attends a candlelight vigil, in Ottawa, Ontario, for victims of the Ukrainian International Airlines plane crash in Tehran. Source: The Canadian Press
"ኣብቲ ዝግበር መርመራ ብርግጽ ካናዳ ክትሳተፍ ኣለዋ፡ ካብ ሰብ መዚ ኢራን ድማ ምሉ እ ምትሕብባር ኢና ንጽበ" ክብል ድማ ተዛሪቡ ኣሎ።

ካናዳ ካብ 2012 ኣትሒዛ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እንተዘይጸንሓኳ  ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ምስናይ ኢራን ፕረሲደንት ሓሰን 
ሮሃኒ፡ብዛዕባዚ፡ጉዳይ፡ከምተዘራረበ፡ገሊጹ።

Share
Published 12 January 2020 12:03pm


Share this with family and friends