ናይ 2021 ሽልማት ኖቤል ሰላም ንጋዜጠኛታት ማሪያ ረሳን ዲሚትሪ ሙራቶቭን ኣብ ሃገራቶም ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ብዝገበርዎ ቃልሲ ተሸሊሞም ።
ኣደ ወንበር ኮሚተ ኖቤል ኖርወይ ዝኾነት በሪት ሬስ-ኣንደርሰን እቶም ተዓወቲ ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽልማት ስነ ስርዓት ኣፍሊጣ ።
ኣብ 2012 ዲጂታላዊ መራኸቢ ካምፓኒ ራፕለር ዝመስረተት ረሳ ፡ ኣብታ እተወለደትላ ሃገር ፊሊፒንስ ፡ "ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ፡ ዓመጽ ናይ ምልካዊ ኣተሓሳስባ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትን ምልካውነት" ብምቅላዓ ኣፍልጦ ረኺባ።
ሩስያዊ ሙራቶቭ "ኣብ ሩስያ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኣጸጋሚ ኵነታት ንናጽነት ዘረባ ንዓሰርተታት ዓመታት ተጣቢቑ እዩ" ንሱ ሓደ ካብቶም መስረትቲን ናይዚ እዋን ቀንዲ ኣሰናዳኢ እታ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኖቫያ ጋዜታ ከም ዝዀነ ፡ ኮሚተ ኖበል ገሊጹ ።
ሚስ ሬስ-ኣንደርሰን ፡ "ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ናጻ ፕረስን ፡ ንዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" በለት።
"እዚ ሽልማት እዚ ነቲ ጋዜጠኛታትን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰላትን ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገማት ኣይፈትሖን እዩ: ተስፋ እንገብረሉ ነገር ግን ንኣገዳስነት ዕዮ ጋዜጠኛታትን እቲ ዕዮ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ኸብርህ እዩ: እዚ ንጥፈት እዚ ንደሞክራስን ሰላምን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ እዩ ።"
ካርል ቮን ኦስሰይትዝኪ ዝበሃል ጀርመናዊ ሃገሩ ድሕሪ ኲናት ትገብሮ ዝነበረት ምድላዋት ኲናት ምስ ኣቃልዐ ኣብ 1935 ሽልማት ኖቨል ድሕሪ ምሽላሙ እዚ ናይ ሎሚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ጋዜጠኛታት ድሕሪ ውግእ ዓለም ጋዜጠኛታት ዝሽለሙ ዘለዉ።
ተሸለምቲ ሽልማት ኖበል ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ወርቂ መዳልያን ዓለማዊ ክብሪን ፡ ናይ 10 ሚልዮን ሽወደን ክሮና ፡ ወይ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዶላር ኣውስትራልያ ፡ ገንዘባዊ ሽልማት እውን ይቕበሉ እዮም ።
ረሳ ነዚ ስልማት ምስረኸበት ፡ "ብዘይ ጭብጥታት ዋላ ሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን እዩ" በለት ።
ንሳ ምስ ራፕለር ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ፡ "ጭብጥታት ዘይብላ ዓለም ፡ ሓቅን እምንቶን ዘይብላ ዓለም እያ" በለት ።
ሙራቶቭ ን ካብ 2000 ንነጀው እተቐትሉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ኖቫያ ጋዜታ ፡ ነቲ ዝረኸቦ ሽልማቱ ወፍይዎ።
"በዚ ኽምስገን ኣይክእልን እየ ። እዚ ናይ ኖቫያ ጋዜታ እዩ ። እዚ ነቶ ህዝቢ ናይ ምዝራብ ነጻነቱ ክሕሎ ኢሎም ተሟጉቶም ናይ ዝሞቱ ስልማት'ዩ" ክብል ሙራቶቭ በቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ መደበር ዜና ታስ ገሊጹ።
ብዓርቢ ክረሚሊን ንሙራቶቭ እንቋዕ ሓጐሰካ ብምባል ፡ ኣፈኛ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ዲሚትሪ ፐስኮቭ ንጋዜጠኛታት "ውሕሉልን" "ተባዕን" ምዃኑ ገሊጹ።
With wires.