ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ናይ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ናይ ምረቓ ኣካዳሚ ድሕሪ ምስታፉ ኣብ መድረኽ ድሕሪ ምውዳቑ: ቀልጢፉ ተንሲኡ ናብ መንበሩ ተመልሰ ።
እቲ ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ኣመሪካ ንቕድሚት ወደቐ: ሰለስተ ሰባት ኣእዳዉ ሒዞም ድማ ክትንስእ ከኣለ ። ክኸይድ ዝሓሰቦ ከይፈተወ ናብ ኮፍ መበሊኡ ተመልሰ ።
ሚስተር ባይደን ምስ ተንስአ ፡ እንታይ ከም ዝዓንቀፎ ንምርኣይ ንድሕሪኡ ተመልከተ ፣። ድሕሪኡ ፡ ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን ተዓጂቡ ፡ ፍሽኽ እናበለ "ዓባይቶኡ ዊጥ" እናበለ ደሓን ከምዝኾነ ሓበረ ።
ናይ ዋይት ሃውስ ዳይረክተር መራኸቢ ብዙሃን ቤን ላቦልት ኣብ ትዊተር ከምዝገለጾ ሚስተር ባይደን ጽቡቕ ኣሎ ።
"ኣእዳዉ እናወጣወጠ ከሎ ፡ ኣብ መድረኽ ሳንጣ ነይሩ" በለ ።
ሚስተር ባይደን ነቶም ባንዴራ ዘወዛወዙ ዝነበሩ ተሳተፍቲ እቲ ምረቓ፡ ተመረቕቲ ኣብታ ኩነታት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ኣገልግሎት ክጅምሩ ምዃኖም ኣጠንቀቖም: እዚ ድማ ካብ ሩስያን ቻይናን ብድሆታት ከም ዘጋጥሞም ገለጸ ።

The White House said there was a sandbag on the ground while Mr Biden was shaking hands. Source: AAP, AP / Andrew Harnik
ሚስተር ባይደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ኣካላዊ መርመራ ድሕሪ ምግባሩ ስርሑ ክሰርሕ ጥዑይን ብቑዕን ምዃኑ ሓካይም ኣፍሊጦም ነይሮም ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰትን ፡ ትምባኾ ኣይጥቀምን ፡ ኣብ ሰሙን ድማ ሓሙሽተ ግዜ "እንተ ወሓደ" ስፖርታዊ ልምምድ ይገብር ።
ሚስተር ባይደን ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ብሽክለታኡእናፈትሐ'ከሎወዲቑ እዩ ወዲቑ ፡ እንተዀነ ግን ኣይተጎድአን ።