ጆ ባይደን ልዕሊ '600,000 ኣመሪካውያን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክሞቱ' ትጽቢት ይግበር 'ይብል

ናይ ሚስተር ባይደን መደብ ሕውየት ቁጠባ ኮንግረስ ከየጽድቖ እቲ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ዝተሓላለኸ ከይገብሮ ተሰጊኡ ኣሎ።

United States President Joe Biden at the White House in Washington, DC on Friday, January 22, 2021.

美國新總統已經上任,市場暫無新炒作亮點。 Source: ABACA

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንቝጽሪ ሞት ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ካብ 600,000 ንላዕሊ ክኸውን ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ድሕሪ ምጥንቃቑ ፡ ኮንግረስ ኣብቲ ኮቪድ-19 ንምቅላስ ዘውጽኦ 2.46 ትሪልዮን ዶላር ኣመሪካ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ፡ ነቶም ዝቃለሱ ኣመሪካውያን ድማ ቊጠባዊ ረድኤት ክህቦም ተማሕጺኑ ።

ሚስተር ባይደን ዓርቢ ነቲ "መደብ ድሕነት ኣመሪካ" ብህጹጽ ክሓልፍ እኳ እንተ ጸወዐ ፡ ኣብቲ ቀልጢፉ ክትግበር ዝደልዮ ኣጀንዳኡ ካብ ኮንግረስ ደገፍ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ፡ በቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ እተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ ።


ሚስተር ባይደን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቲ ቫይረስ ብሓይሊ የስፋሕፍሕ እዩ ዘሎ ።

"ዛጊት 400,000 ዝዀኑ ሞይቶም ኣለዉ ፣ ልዕሊ 600,000 ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ ። ስድራቤታት ይጠምያ ኣለዋ ። ስራሕ ኣልቦነት ይውሽኽ እዩ ዘሎ። ሕጂ ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና ፡... ቀልጢፍና ኽንስጉም ኣሎና "ኢሉ።

 

ብዝሒ ዘለዎም ፍሉይ መምርሒታት

እቲ ሚስተር ባይደን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ናይ መግቢ ረድኤትን ናይ መነቓቕሒ ክፍሊታትን ዝሃቦ ትእዛዝ መጠኑ ዝሓለወ እኳ እንተ ነበረ: ዋሽንግተን ነቲ ለበዳ ኰነ ነቲ ምስ ቍጠባዊ ውድቀት ዝተሓሓዝ ዕዮታት ንምውጋድ ወሳኒ ስጕምቲ ክትወስድ ኣለዋ ዝብል መልእኽቲ ኣደልደሉ ።

ሚስተር ባይደን ኣብ ኣመሪካ ዝገበሮ ናይ ድሕነት መደብ ፡ ነቲ ለበዳ ንምፍታሕ ፡ ልዕሊ 518 ቢልዮን ዶላር ኣውስትራልያ መዲቡ ኣሎ ፣ እዚ ከኣ ንንኣሽቱ ኣብያተ ንግዲ ዝኸውን ተወሳኺ ምወላ ፡ ንኣመሪካውያን ድማ ብቐጥታ ናይ ረድኤት ክፍሊታት ዝውሃብ እዩ።

እንተዀነ ግን: ኮንግረስ ድሮ ክልተ ዓበይቲ ንቊጠባዊ ሕውየት ዝኸውን ምወላ ክግበር ንምሕላፉ: ተግባራዊ ንምግባር ድሕርሕር ኢሉዩ ዘሎ። ናይቲ ፕረሲደንት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ን ኡስ ክኸውን'ከሎ: ኣብ ሰኔት ድማ ብዉሑድ ብልጫ ኣለዎ ።

 

ሚስተር ባይደን ስም ናይ ካቢነ ሚኒስተራቱ ብቕልጡፍ ንከጽድቕ ኣብ ባይቶ እዩ ክምርኮስ።

ኣብ ናይ ዋይት ሃውስ ሃገራዊ ናይ ቁጠባ ቤት ምኽሪ ዳይረክተር ዝኾነ ብራያን ደሰ ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ሪፓብሊካውያንን ዲሞክራውያንን ነቲ ዘሰሓሕብ ጉዳያት ንምውጋን ዘኽእል መንገዲ ከናድዩ ኣለዎም ኢሉ ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ፀገማት የጋጥመና ኣሎ: ሕጂ ዘድልየና ነገራት ድማ ኣብ ብዙሕ ግንባራት ኽንዓዪ ምኽኣልና እዩ" ድማ ኢሉ።

እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ድሕሪ ዘመነ ህቦብላ ትራምፕ ምብቃዑ፡ ናይ ምህዳእ ኣገባብ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ሚስተር ባይደን ካብቲ ረቡዕ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣተወሉ ህሞት ኣትሒዙ ነቲ ዝሃቦ ፍሉይ ትእዛዝ ብዙሕ ዝዝረበሉ እዩ ዘሎ።


ኣብ መዓልቲ መመረቕታ እቲ ወዲ 78 ዓመት ዴሞክራሲያዊ 17 ተግባራዊ ዝኸውን መምርሒታት ፈሪሙ ኣሎ።

ገለ ካብቲ ክቕየር ዝድለ ዝተፈረመ መምርሒታት ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ዘለዎ ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲ ዘጠቓለለ እዩ ።

ሚስተር ባይደን ነቶም ኣብታ ሃገር ዝዓበዩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተቖጺሮም "ሓላሞ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ቘልዑ ካብ ምስጓግ ከድሕኑ መምርሒ ፈሪሙ ኣሎ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ሰባት እንተወሓደ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ሰባት ርሒቖም ክጸንሑ ኣለዎም ።

ናይ ጉንፋዕ ወይ ጉንፋዕ ምልክታት እንተኣጋጢሙኪ/ካ ኣብ ገዛኺ/ኻ ጽንሒ/ሕ ወይከኣ ናብ ሓኪምኪ/ካ ብምድዋል መርመራ ግበሪ/ር ወይከኣ ናብ ናይ ኮሮናቫይረስ ሓለዋ ጥዕና ሓበሬታ Hotline ብ1800 020 080 ተወከሲ/ስ ።

ንዜናን ሓበሬታን ብ 63 ቛንቛታት ብ ኤስ.ቢ.ኤስ. ይዳለው እዩ ።

ብኽብረትኩም ንናትኹም መምሕድዳር ግዝኣት ወይኻዓ ተሪቶርይ ፤ NSW, ቪክቶሪያ ፣ ኲንስላንድ ፣ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ፣ ደቡብ ኣውስትራሊያ ፣ ሰሜናዊ ተሪቶርይ ፣ ACT, ታዝማኒያ ዝምልከቱ መምርሒታት ተወከሱ ።


Share
Published 23 January 2021 11:34am
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends