ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ወራር ክፍጽም ከም ዝወሰነ ፡ "ንምእማኑ ምኽንያት ከም ዘለዎ" ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣብ "ዝመጽእ ዘሎ መዓልትታት" ከም ዝፍጸም ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ኪየቭ ድማ መጥቃዕቲ ከም ዝፍኖ" ኣሚኑ ኣሎ ።
ንሰሙናት ዝኣክል ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ፑቲን ሰፊሕ ወራር ክፍጽም ናይ መወዳእታ ውሳነ እንተ ገይሩ ርግጸኛ ከም ዘይነበረት ፡ ብምግላጽ እቲ ፕረዚደንት ሕጂ ግና እቲ ኩነታት ከም እተለወጠ ገለጸ ።
ዓርቢ ፡ "ኣብዛ ህሞት እዚኣ ፡ ንሱ ከም ዝወሰነ እየ ዝኣምን" በለ ። "ከምኡ እንብለሉ ምኽንያት ኣሎና ።"
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ንምፍላጥ "ኣገዳሲ ናይ ስለያ ክእለት" ከምዝኣምን ገሊጹ ኣሎ ።
ሚስተር ባይደን፡ ዩክሬን እንተወሪራ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ገዚፍ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን እገዳታት ከምዝህሉን ንፑቲን ድማ ነቲ ተግባራቱ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ክደፍኦን ደጊሙ ጸዊዑ።
ንሱ ድማ ፡ ኣመሪካን ናይ ምዕራባውያን ደገፍታን ፡ ሩስያ ነቲ ወራር ዋጋ ከም እትኸፍል ንምርግጋጽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓድነት ከም ዘለወን ገለጸ ።

A representative of the Lugansk Peoples Republic in the Joint Centre for Control and Coordination registers shelling fragments in the village of Mykolaivka. Source: AAP
ሩሲያ፡ ኣብ ዩክሬን እንግሊዝን ኣመሪካ ዝግበር ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ተሓታቲት እያ ኢሉ
ናይ ሩስያ ወተሃደራዊ ስለያ ብድሕሪ "ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንናይ ዩክረይን ባንክን ናይ ምክልኻል መርበባት ሓበሬታ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ኣብ ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዩናይትድ ገይሩ ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኢለን ነይረን ።
ምክትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣን ነየነምበርገር ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ ዋሽንግተን ንሩስያ ኣብ ጐረቤት ሃገር ትፍጽሞ ዘላ ፡ ተሓታቲት ክትገብራ እያ ኢላላ ።
"ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ንመጥቃዕቲ DDOS (distributed denial of service) ቀልጢፍና ኢና እነንቀሳቕሶ ። መንግስቲ ሩስያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ባንክታት ዩክሬይን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ሓላፍነት ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን "ይብል ።
ሚስ ነምበርገር ፡ ኣመሪካውያን ምስ ወተሃደራዊ ትካል ሩስያ ዝተሓሓዝ ፡ ብሓፈሻ ከኣ ምስ GRU ተባሂሉ ዝፍለጥ ትሕተ ቅርጺ ፡ "ናብ ዩክረይን መርበብ ልዑል ሓበሬታ መራኸቢ ከመሓላልፉ ከም እተራእዩ" ዝሕብር ሓበሬታ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ሰብ መዚ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽእዎ ሓደ መግለጺ ፡ እቲ GRU ኣብ DDoS "ብርግጽ ተሳቲፉ እዩ" ፡ ።
ሩስያ ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ሰራዊት ክትእክብ ካብ እትጅምር ንነጀው ፡ ሞስኮ ብDDoS ወጥሪ ሰፊኑ ከም ዘሎ ፡ ኪየቭ ኣቐዲማ ከሲሳ ነይራ እያ ።
ሚስ ኖንበርገር ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ውሱን ጽልዋ" እኳ እንተ ነበሮ ፡ ሩስያውያን ዝያዳ ኣዕናዊ ዝዀነ ነገራት ንኺገብሩ መሰረት የንብሩ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ኢላ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን በቶም ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ዞባ ክወጹ ትእዛዝ ምስ ተዋህበ ዝተፈጸመ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲዩ፡ ቅድሚቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብ ዓርቢ ሰራዊት ሩስያ ብብዝሒ ኣብ ዶባት ይዓርዱ ከምዘለዉ ምግላጻ እዩ ።

Deputy National Security Advisor for Cyber & Emerging Tech Anne Neuberger. Source: Getty Images North America
ክርምሊን ግና ብቐጻሊ ፡ ጎሮቤታ ንምጥቃዕ መደብ ከም ዘይብላ ኣትሪራ ትዛረብ ።
ይኹን እምበር ፡ ኣመሪካ ከም ዝገለጸቶ ፡ ኣብ ዶባት ዩክረይን ፡ ብገምጋም 149,000 ወተሃደራት ሩስያ ፡ ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ሓይልታት ወሲኽካ 1902,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ወተሃደራት ተቐሪቦም ኣለዉ፡ እቲ ሕቶ ግና መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምፍናው ዘይኮነ ፡ እዚ መዓስ'ዩ ክኸውን ?
ዋሽንግተን ፡ ሩስያ ነቲ ብምዕራባውያን ማዕቀብ እተገብረላ ብዙሕ ጸዓት ክትጥቀመሉ እንተ ወሲና ፡ ንውድቀት "ድልውቲ" ምዃና ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ዓርቢ ገሊጹ ።
ምክትል ኣማኻሪ ኣህጉራዊ ቊጠባ ዴለፕ ሲንግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ሩስያ ዘለዋ ጸዓት ንወተሃደራዊ መዓላ ክትጥቀመሉ እንተ ወሲና ፡ ተዳሊና ኣለና" በለ ።
"ምስ ዓበይቲ ሃለኽቲ ጸዓት ፡ ዓበይቲ ናይ ጸዓት ንግዳዊ ኩባኒያታት ርክባት ብምግባር ፡ ቀጻሊ ቀረብ ጸዓትን. ቀዋሚ ናይ ጸዓት ዕዳጋን ክህልወና ፡ ስጒምቲታት ክንወስድ ጸኒሕና ኣለና" ኢሉ ።

Map showing positions of Russian troops around Ukraine. Source: SBS News
ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ ባይደን ኣብቲ ንምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸኒዑ ዘሎ ቊጠባዊ እገዳታት ንምንካይ ዘኽእል መደባት ሓንጺጹ ከም ዘሎ ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ ፡ ምስ መሻርኽቲ ኔቶ ይዘራረብ ኣሎ ።
ፑቲን ኩነታት 'እናኸፍአ" ይኸይድ ምህላዉ ይግምግም
ኣብ ዶነትስክ ፡ ብሞስኮ ዝድገፉ መራሕቲ ሚሊሻ ፡ እቶም ሲቪል ካብ ዶብ ናብ ሩስያ ክግዕዙ ኣብ ዝኣዘዝሉ እዋን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሩስያ ዝዝርጋሕ ቪድዮታት ከም እተራእየ ፡ ተፈሊጡ ኣሎ ።
ደኒስ ፑሺሊን ፡ ሓላፊ እታ ዶነትስክ ሕዝባዊት ሪፓብሊክ (DPR) ትብሃል ግዝኣት ፡ "ደቂ ኣንስትዮ ፡ ቈልዑን ኣረጋውያንን ካብ ቦታኦም ክግዕዙ ቀዳምነት ተሰሪዑ ኣሎ" በለ ።
ነቲ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ "ወተሃደራት መጥቃዕቲ ኽፍጽሙ ትእዛዝ ክወሃቡ" ምዃኑ ገለጸ ።
መራሒ ናይታ ጐረቤት ሉጋንስክ ሊዮኒድ ፓሰችኒክ እውን ፡ "ሲቪል ግዳያት ምእንቲ ከይኮኑ" ናብ ሩስያ ክግዕዙ ተማሕጸነ ።

Ukraine's President Volodymyr Zelensky. Source: Sipa USA Konstantin Sazonchik/TASS/Sipa U
ኣብ ሞስኮ ፡ ሚስተር ፑቲን ምስ ምልካዊ መራሒ ቤላሩስ ተራኸቡ ፣ እዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ዶብ ዩክረይን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ተአንግድ ኣላ ።
ምስ ሚስተር ፑቲን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ "እቲ ኵነታት እናኸፍአ ክኸይድ ንርእዮ ኣሎና" በሉ ።