እዚ ትሕዝቶ ጾታዊ ወይ ስጋዊ ግጭት ትሕዝቶ ኣለዎ።
ጃስፐር ዋናጃረን መጀመርታ ከምቲ መብዛሕትና እንገብሮ ዓይነት ርክብ'ዩ ንብጻዩ ኣብ ናይ ሓባር ኣዕሩኽ እዩ ረኺብዎ ።
እንተኾነ እቲ ምርኻብ ኣብ ክንዲ ከም ኣብ ባር ወይ ናይ ድራር ግብጃ ዝኸውን ፡ ብመገዲ ኦንላይን እዩ ነይሩ ።
ብ ኦንላይን ዝርርብ ኣብ ዝጀመርሉ፡ ጃስፐር ብዛዕባ ሓባራዊ ዘገድሶም ነገራት ፡ ከም ጸወታታት ኒንተንዶ ገይምስ ፡ ምፍራይ ሙዚቃን 3D ኣኒመሽንን ብዝምልከት ከዕልሉ ምስ ጀመሩ ፡ ዝምድናኦም እናዓበየ ክኸይድ ጀመረ ።
ጃስፐር ን The Feed ከም ዝሓበሮ "ክልቴና ብሓቂ ተፋቲና፡ ሓቀኛ ርክብ መስሪትና ኢና።" ።
ንሒደት ሰሙናት ርክቦም ብ ቪርቹዋል ሪያሊቲ ምስ ቀጸሉ ኣይዳን ንያስፐር ብ ኣካል ክራኸቡ ሓቲታቶ ።

አይደን (ጸጋመይቲ) ን ጃስፐር Jasper (የማናይ) ብናይ ኣቫተር መገዲ ኦንላይን ርክቦም ኣብ ዝቕጽሉ እዮም ንሓድሕዶም ፍቕሪ ተታሒዞም። Source: Supplied
ወዲ 18 ዓመት ያስፐር ከምኡውን ወዲ 20 ዓመት ኣይዳን ሕጂ ተዛሚዶም ኣለዉ ። ሓደ ሓደ ግዜ ብኣካል ይራኸቡ - ግን ከኣ 80 ኪ.ሜ. ርሒቖም ይነብሩን ብስራሕ ትሑዛት ብምዃኖም እቶም መጻምድቲ ብርሑቕ ብ VR. ዝያዳ ግዜ ብሓባር የሕልፉ ማለት ኣለዉ ።
ንሳቶም ዋላ ብ ርሑቕ ብሓይሊ ኦንላይን ክቋጸሩ፡ ክራኸቡ፡ ክሰዓዓሙን ክተሓቛቖፉን ይኽእሉ እዮም ።
ያስፐር ፡ "ብዘሎ እቲ ርክብ ዝበለጸ እዩ" በለ ።
"VR.. እንተዘይፍጠር ምስ ኣይዳን ኣይምተራኸብኩን ኔረ ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ርክብና እቲ ዝሓየለ ነገር እዩ ።"
ብ ርሑቕ ናይ ኦንላይን ወይ ብVR ጓል ወይ ወዲ ብኸመይ ክትቆጽር ይከኣል?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ተመራማሪት VR ዝዀነት ኬት ክላርክ ፡ ፍቕራዊ ርክብ ክሳዕ ዝሃለወ ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት ፡ እንተላይ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝግበር ጸወታታት ከም እተራእየ ትገልጽ ።
"'World of Warcraft' ዝበሃል ፡ ሰባት ምስ ኣንጻር ጾታ ብዙሕ ፍቕራዊ ርክብ ክህልዎም ዝገብር ፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ዓለም መርዓታት ይግበሩ ኣለዉ ፡ ብሓቂ እዚ ፍሉጥ ኣብነት እዩ" በለት ።
ጃስፐርን አይዳንን በቲ VRChat ዝበሃል ማሕበራዊ መራኸቢ VR ተራኾቦም ፣ እንተዀነ ግን: ከም ሆራይዞን ዎርልድስ ዝኣመሰሉ ብሜታ ዝካየዱ: ሳንሳር ከምኡውን NeosVR ዝበሉ ብዙሓት መሳርሒታት መራኸቢ ወይ መጻምድቲ ኣለዉ ።

Jasper (left) and Aidan have met in person and are officially dating. Source: Supplied
ጃስፐር ፡ እቲ ምስ ኣይዳን ዝገብሮ ርክብ ናይ ቪ.ኣር. ፡ መብዛሕትኡ ብሓባር ጸወታ ገይም ምጽዋት ፡ ፊልም ምርኣይ ፡ ወይ ኣብ ዘይወግዓዊ ዓለም ሓቢርካ ምጽናሕ ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ ።
"ኣብ VR ንኡስ ናይ ጎልፍ ጸወታ ክትጻወቱ ትኽእሉ ኢኹም ፡ ኣብ VR ቡን ከተፍልሑ ትኽእሉ ኢኹም ። ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ "በለ ።

VR nightclubs are popular spots for socialising, like Loner, which also operates real-life events in Melbourne. Source: YouTube / The Virtual Reality Show
ሚስ ክላርክ ከምትበሎ ፡ ክቡር ስለ ዝኾነ እቲ ቴክኖሎጂ ነቲ ዝምድና ክጅምሮ ይኽእል እዩ ። ምሉእ ዘይጉዱል ተመክሮ ምእንቲ ክህልወካ ፡ እቲ ናይ VR መሳርሂ 600 ዶላር ኣመሪካ እዩ ዋግኡ ካብ ኡ ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ወጻኢታት ኣሎካ ።
"እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ እዋን ዝያዳ ተቐባልነት ክረክብ ከም ዝኽእል ገይረ እየ ዝሓስብ ፣ ዳርጋ ኣብ ብ ኦንላይን ዝግበር ዝምድና ኣብ ዘሎ ሃዋህው ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ርክብ ክውስኽ እዩ" በለት ።
"ልክእ ከም ዓርኪ ምሓዝ ኣፕሊኬሽንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ቪርቹዋል ክውንነት ሓደ ክፋል እቲ ኣብ ዕርክነት እንጥቀመሉ ቴክኖሎጂ እዩ... ።"

Kate Clark is researching VR at Monash University. Source: SBS
ብ ኦንላይን VR ኣካላዊ ርክበ ስጋ ክፍጸም ይከኣል ድዩ?
ምስዕዓም ፡ ምትሕቑቛፍ ፡ ከምኡ "ውን ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ብ ኦንላይን ወይ ቪርቹዋል ሪያሊትይ ክውን ክኸውን ይኽእል እዩ ። ብዙሓት ተጠቀምቲ ፡ ዋላ እኳ እቶም መጻምድቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም እንተዀኑ ፡ እቲ ናቶም ኣቫታር ኣብ ቪ ኣር ምስ ተንከፉ ፡ ኣካላዊ ስምዒት ከም ዝስምዖም ይሕብሩ እዮም ። እቲ ስምዒት ምስ 'ቲ ዝጥቀሙሉ ዘለው መሳርሒ ዘራኽብ የብሉን ።
ጃስፐር ፡ "ኣብ ቪርቹዋል ኩሉ ነገር ኣዚዩ ይስምዓኒ እዩ ።"
"ኣብ VR ምስዓም ብርግጽ ናይ ተፈጥሮ ምስዕዓም ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ፡ ምስ ኣይዳን ብርግጽ ኩሉ ግዜ ይተሓቛቝፈን ክልቴና ንሰዓዓምን ኢና ዝብል ሓሳብ እየ ኣማዕቢለ ።"

Left: Aidan (left) and Jasper's (right) virtual avatars embracing in VR. Right: Jasper miming the embrace in real life. Source: SBS
"ፋንቶም ሰንስ፡ ምስ ሓደ ናይ ፋልማይ መሓውር ዝመስል እዩ.. ምኽንያቱ እቲ ዝተቖርጸ መሓውር ኣካልኩምን መንነትኩምን ኣብ ሙሉእ ዓለም ከመይ ትንቀሳቐሱ ዝገብር እዩ ኔሩ" በለት ።
"ሰባት ካብቶም ኣቫታራት ከምኡ ዓይነት ስምዒት ክህልዎም ይኽእል እዩ ።"
ይኹን እምበር ፡ ሚስ ክላርክ ፡ እቲ ስምዒት ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ካብ ምትንካፍ እተፈልየ ተመክሮ እዩ ።
"ኣካላዊ ስምዒት እኳ እንተ ተሰምዓካ: ምስቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒት ዘይፍለ ማለት ግን ኣይኰነን ።"
ኣይዳን ነቲ ናይ ፋንቶም ስምዒት ይስምዖ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቪርቹዋል ሪያሊትይ ዝያዳ ግዜ ስለ ዘሕልፍ ግና ፡ ነቲ ኵነታት ይልውጦ እዩ ።
"ጃስፐር ካባይ ንላዕሊ ከም እተደሰተ ምፍላጠይ ኣየሰንብደንን እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ ምሳይ ከምኡ ምግባሩ የሐጕሰኒ እዩ" በለ ።

Tech companies are developing haptic suits like this one by bHaptics, which enables users to feel touch in VR. Source: Getty / Alex Wong
ብ ቪርቹዋል ሪያሊቲ VR ምዝማድ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ ?
ናይ ኣውስትራልያ eSafety ኮሚሽነር ጁሊ ኢንማን ግራንት ፡ ነቶም ብ ቪርቹዋል ፍቕሪ ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ትመክር ።
ሚስ ኢንማን ግራንት ንThe Feed ከም ዝሓበረቶ ፡ "ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኣገልግሎት ምምሕዛው ፡ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣውስትራልያውያን ፡ ፍቕሪ ንኽረኽቡን ምስ ዝመስሎም ሰብ ክራኸቡ ይገብሮም ኣሎ" በለት ።
ይኹን እምበር ፡ ከምቲ ኣብ ኢንተርነት ካልኦት ዘይድለዩ ሰባት ክራኸቡን ብኢንተርነት ክረዳድኡን ዘኽእሎም ፡ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ እውን ሓደጋ ዘውርድ እዩ "በለት ።
እቲ ዲጂታላዊ ሓለዋ ፡ ንከም ሆሪዞን ዎርልድስ ፡ ቪክቶር ፡ ሮብሮሎክን ፎርኒትን ዝኣመሰለ ኣብ 'ሜታቨርዝ "ዝርከብ ኣገልግሎት ከም Horizon Worlds, VRChat, Roblox and Fortnite.ዝሽፍን ናይ ምቁጽጻር ክእለት ኣለዎ ።
"ብኢንተርነት ኣብ ዘይትፈልጦ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብኢንተርነት ዓርኪ ንምሓዝ ዝጥቀሙሉ መገዲ ፡ እቲ እንህቦ ምኽሪ ፡ ምስቲ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዘሎ ኣፕሊኬሽንን ኣገልግሎታትን ልሙድ ዝዀነ ናይ ዕርክነት ልማድ ዘለዎም ሰባት ዝመሳሰል እዩ ፣ ነቲ ናይ ሓቂ ስምኻ ኣይትጠቐመሉ ፣ ነቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ንኽትፈልጦ ግዜ ውሰድ ፣ ብሓቂ ኽትኣምኖም እንተደለኻ ድማ ፡ ናይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ፈታዊ መጠን ጥራይ ወስኸሉ ።
"ብኣካል ኽትራኸብ እንተ ወሲንካ ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ተራኸብ ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ድማ ንዓርክኻ/ንፈታዊኻ ንገር ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ፡ ንውሽጥኻ ስማዕ ፡ ዉሽጥኻ ቅኑዕ ኰይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዎ ፡ ምናልባት ከምኡ ከም ዘይኰነ እመን ። "
If you or someone you know is impacted by sexual assault, call 1800RESPECT on 1800 737 732 or visit . In an emergency, call 000.