ናይ ጃፓን ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣበ ብሰንኪ ጸገም ጥዕና፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ተፈሊጡ። እዚ ሃንደበታዊ ዜና ንብዙሓት ዘሰንበደን ግሉጽ ተታካኢ ዘይብሉን ኮይኑ ኣሎ።
ሎሚ ሚስተር ኣበ ነዚ ዉሳነ ንጋዜጠኛታት ዘፍለጠ ኮይኑ እቲን ሕዱር ናይ ኣልሰር ሕማሙ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ከምዝተመልሶ ገሊጹ።
"ካብ ናይ ቀዳማይ ምንስትርነተይ ክወርድ ኣለኒ" ዝበለ ንሱ "ንኮሮና ቫይረስ ኣብዝግበር ቃልሲ እጃመይ ንምግባር ደው ክብል ኣይደለኹን ጸኒሐ" ክብል ገሊጹ።
"ኣብዝሓለፈ ወርሒ እቲ ኣገዳሲ ስራሕ ዝኾነ ኮሮና ቫይረስ ኣተኲርና ክንሰርሕ ኢና ጸኒሕና።"
እዚ መግለጺ ምስተሰምዐ ናይ ቶክዮ ዕዳጋ ስቶክ ብዕጽፊ ሚእታዊ ወሪሱ።

Shinzo Abe bows after he was officially elected Japan's new prime minister in 2012. Source: AAP
ስበስልጣን ጃፓን ንሪፖርተራት ከምዝገለጽዎ፡ ክሳብ ተካኢ መራሒ ዝርከብ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስርሑ ክቕጽል እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን፡ ንሚስተር ኣበ "ዓርኪን ኣርኣያን" ብምዃኑ ኣመስጊኑ ሕውየት ተመንይሉ።
ሚስተር ኣበ ኣብዝቕሩብ እዋን ክልተ ሳዕ ምኽንያት ሕማሙ ዘይተፈልጠ ናብ ሆስፒታል ምስተመላለሰ፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ትሒምሒምታ ጸኒሑኳ እንተነበረ፡ እቲ ዝተረፈ እዋን ስልጣኑ ከምዝውድእ ላዕለዎት ሰብ መዚ ጃፓን ኣሚቶም ኔሮም።

Shinzo Abe with Prime Minister Scott Morrison during the 2019 G7 Summit in France. Source: AAP