ኵነታት ስራሕ ንምምሕያሽ ዝዓለሙ ሓደስቲ ሕግታት ፡ እንተላይ ኣስራሕቲ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ሰዓታት ስራሕ ክገብሩ ንዚቐርበሎም ሕቶ ክነጽጉ ዝኸብዶም ኮይኑ ክርክር ዘለዓዓል'ውን እዩ ።
ሚኒስተር ስራሕ ቶኒ ቡርክ እቲ ዉሑስ ስራሕ (Secure Jobs), ዝሓሸ ደሞዝ (Better Pay)፡ኣብ ፓርላማ ብሓሙስ ዝተኣታተወ ለውጢ ሕጊ ኔሩ፡ ናይዚ ዕላማ፡ ናይ ስራሕ ትካላት ነቶም ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ዝዕብልላኦ ኢንዱስትሪታት ኩነታት ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ ኢሉ ።
እዚ ለውጥታት እዚ ፡ ነቲ ካብ ኣስራሕቲ ጕጅለታት ዝቐርብ ፡ ነቲ ለውጢ ከም "ዓቢ ለውጢ" ገይሩ እዩ ገሊጽዎ ፣ ብፍላይ ከኣ ንብዙሓት ኣስራሕቲ ፡ ንድሌቶም ኣብ እንካን ሃባን ኩነታት ከእትውዎ ይግባእ ፡ እንተዘይኮይኑ ወጥርን ናብ ዝለዓለ ሽቕለት ኣልቦነት ክመርሖም ከገድዶም እዩ ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ናይ ስራሕ ክኢላ ፕሮፌሰር ክሪስ ራይት እቲ ሕግታት ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ሰራሕተኛታት ዝያዳ ማዕርነት ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ ።
ኣብ ክፍሊ ምቕባል ኣጋይሽ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ፡ ከምኡ እውን ኣብ ከም ሸቐጥ ፡ ሆርቲካልቸርን ኣብ ቤት ፅሕፈት ዝምርኮስ ብሕታዊ ጽላታትን ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕሚ ከም ዝረኽቡ ተዛሪቡ ።
"ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ሰራሕተኛታት ምስ ኣስራሕቶም ኺላዘቡ ዝኽእሉሉ ዓበይቲ ብድሆታት ዘለወን ኢንዱስትሪታት እየን" ።
እንታይ ድኣ እዩ እቲ ሕግታት? ገለ ካብቲ ቀንዲ ለውጥታት እንሆ ።

Hospitality workers are expected to benefit from new workplace laws. Source: AAP / Bianca De Marchi
ምስጢራዊነት ክፍሊት
ኣስራሕቲ ፡ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ደሞዞም ከይመያየጡ ዝኽልክል ውዕል ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ዉዕል ናይ ስራሕ ኣይከቐምጡን እዮም።
ፕሮፌሰር ራይት ከምዝበሎ፡ ኣብ እተገብረ ምርምር ፡ ምስጢር ንሰራሕተኛታት ከም ዘይጠቅም እዩ ።
"እቲ ዝያዳ ንጹር ዝዀነ ናይ ደሞዝ ስርዓት ፡ እቲ ርትዓዊ ዝዀነ ኣሰራርሓ ፡ ንሰራሕተኛታት ዝጠቅም እዩ ፣ እዚ ከኣ ብሓፈሻኡ ነተን ብዙሕ ደሞዝ ዘይኽፈለን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ጽቡቕ እዩ ።"
ንሱ ከም ዝገለጾ ፡ ሰራሕተኛታት በቶም ኣብ ትካል ዚኽተሙ ውዕላት ከም ዘይሽፈኑ ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዚዕብልላኦ ኢንዱስትሪታት ፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ፡ ከምኡ እውን ኣብ ብሕታዊ ክፋል ቤት ፅሕፈት ተመርኲስካ ዝስራሕ ስራሕ ፡ ኣብቲ ውዕልኦም ምስጢር ኣከፋፍላ ኣይክህሉን እዩ ።
ተዓጻጻፊ ናይ ስራሕ ስምምዕ
ኣብ ትሕቲ'ዘሎ እዋናዊ ሕግታት ፡ ሰራሕተኛታት ዝያዳ ተዓጻጻፊ ኩነታት ስራሕ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ፣ ገለ ካብዚ ድማ ሰዓታት ምቕያር እዩ ። እዚ ምስ ዝኽልከል ግን ነዚ ኽብዳህ ኣይክእልን እዩ ።
እዚ ሓድሽ ሕግታት ፡ ሰራሕተኛታት ነቲ ጕዳይ ናብ ኮምሽን ስራሕ ወሲዶም ዳግመ ግምት ክገብሩሉ የኽእሎም ።
ናይ ደሞዝ ስምምዕ ምስጢራዊ እንተዘይኮይኑ ፍትሓዊ እዩ ዝኸውን።Associate Professor Chris Wright
ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ፡ ኣብ ምእላይን ኣብ ስራሕ ዘለወን ተወፋይነት ንምፍጻም ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተሓተ ደሞዝ ዝኽፈለን ወይ ውሑድ ደሞዝ እናተኽፈለን ስራሕ ክሰርሓ ይግደዳ ከም ዘለዋ ሚስተር ቡርክ ገሊጹ ።
ንፓርላማ ከምዚ ኢሉ ፡ "እዚ ፡ ጋግ ናይ ጾታ ደሞዝ ኣብ ምግፋሕ ዓብዪ ግደ ኣለዎ ስድራ ቤታት ተዓጻጻፊ ስራሕ ክረኽባ ኢና እንደሊ ፣ ስለዚ ፡ ነቲ ዘለወን ሓልዮት ዝመልኦ ሓላፍነታት ብዝሓሸ መገዲ ኺካፈላን ከመሓድራን ይኽእላ እየን ።"
ብዙሓት ሰራሕተኛታት ብሓባር ንምስምማዕ ንምኽኣል
እዚ ምናልባት እቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ለውጢ ክኸውን ስለ ዝኽእል ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ምስ ኣስራሕቶም ሓባራዊ ናይ እንካን ሃባን ውዕላት ከእትዉ ይኽእሉ እዮም ።
እዚ ከኣ ኣብ ከም መውዓሊ ህጻናት ዝኣመሰለ ዓውዲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ፡ ተኣኪቦም ኣብ ብዙሓት ኣስራሕቲ ብዛዕባ ዝውቱር ክዘራረቡ የኽእሎም ።
ሚስተር በርክ "ብዙሓት ኣስራሕቲ ነዚ ሕጊ ድሮ በዞም ዝስዕቡ ከሰላስሉ ጀሚሮም ኣለዉ ማለት ብንጽል ተገዳስነት: ብዙሕ ኣስራሒ: ከምኡውን ትሑት ደሞዝ" ብምባል "እቲ ጸገም ምስራሕ ኣይኮነን ።"
ፕሮፌሰር ራይት ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ፡ ኢንተርፕራይዝ ዝገብሮ ዝነበረ ውዕላት ከም ዝነከየ ፡ እዚ ከኣ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ከም ዝጸልወን ገሊጹ እዩ ።
ኣብ ጉዳይ ምፍራስ ናይ ቀዋሚ ስምምዕ ኩንትራት
እቲ ሕጊ ነቶም ኣብ ቀዋሚ ኮንትራት ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ስለ ዝድርቶም ፡ ንሓደ ዓመት ወይ ንኽልተ ዓመት ጥራይ ዝጸንሕ ናይ ስራሕ ዉዕል ፡ ቀጻሊ ኩንትራቶም ከሐድሱ የብሎምን ።
ኣስራሕቲ ንዝተወሰነ ግዜ ዝጸንሕ ኮንትራት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም ክልተ ዓመት ወይ ክልተ ተኸታተልቲ ኮንትራት ክገብሩ ይኽእሉ፡ ዝኾነ ኮይኑ ግና ኩሉ ሓጺር እዋን'ዩ ።
"ኻብቶም ኣብ ናይ ቀዋሚ ግዜ ውዕላት ዝካፈሉ ሰራሕተኛታት ፡ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀና ኣንስቲ እየን" ዝበለ ሚስተር በርክ ። "ልዕሊ 40 ካብ ሚእቲ እቶም ኣብ ናይ ቀዋሚ እዋን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ከኣ ፡ ንኽልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመት ምስ ኣስራሒኦም እዮም ጸኒሖም ።"
ማዕርነት ጾታን ጾታዊ ዓመጽን
ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ፡ ጾታዊ ማዕርነት ንምዕቃብን ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻልን ዝዓለመ ብዙሕ ነገራት የተኣታቱ እዩ።
ጾታ ማዕረ ማዕረ ምግባር ከም ቀንዲ ሸቶ ናይቲ Fair Work Act, ዝተሓሓዝ እዩ ፡ እዚ ማለት ኮምሽን ፍትሓዊ ዕዮ ፡ ዝተሓተ መበገሲ ምውሳን ካልእ ውሳነታትን ለውጢ ኣብዝግበረሉ ናይቲ ኮሚሽን ዉሳነ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ።
ብዘይካዚ ፡ እቲ ኣዋጅ ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍትሓዊ ዕዮ ጾታዊ ዓመጽ ክልኩል እዩ ። ኮምሽን ዕዮ ፡ እቲ ዓመጽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ይኹን ቀጻሊ ይኹን ክልቲኡ ብዘየገድስ ፡ ንኹሉ መረረታት/ጥርዓን ክፈትሕዎ ክፍቀደሎም እዩ ።

The new laws will also prohibit sexual harassment. Source: AAP

Andrew McKellar (second from right) at a press conference on Friday to express concerns about the new workplace laws. Also in attendance (from left to right) were: Minerals Council of Australia chief executive Tania Constable, Business Council of Australia chief executive Jennifer Westacott and Australian Industry Group Chief Executive Innes Willox. Source: AAP / Mick Tsikas