መራሒ ተቓዋሚ እስራኤል ያኢር ላፒድ ፡ ንግዝኣት ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ፡ ማለት ነታ ሃገር ዝነውሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ፡ ንምውጋድ ፡ ስሙር ግንባር ክምስርት ከም ዝኸኣለ ፡ ትማሊ ረቡዕ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ 120 ኣባላት ዘለውዎ ሓጋጊ ኣካል ክነት ምስ ኣረጋገጾ ፡ ነቲ ንነዊኅ እዋን ንፖለቲካ እስራኤል ዓብሊልዎ ዝጸንሐ ናይ የማናይ ክንፊ መራሒ ስልጣኑ ከብቅዕ እዩ ።
ሚስተር ላፒድ ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ፡ ማለት ፍርቂ ለይቲ ቅድሚ ምምጻኡ ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምስ ዝሰፍሩ እተፈላለዩ ፓርቲታት ድሕሪ ምዝርራቡ ፡ ንሚስተር ናታንያሁ ካብ ስልጣን ንምእላይ ምስ ዝደለዩ ፡ ሰልፊታት ኣብ ስምምዕ ምስበጽሐ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ላፒድ ንፕረዚደንት ሃገረ እስራኤል : መንግስቲ ክምስርት ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ ኣሎ" ኢሉ።
ጸኒሑ ሚስተር ናታንያሁ ብትዊተር ኣቢሉ ፡ "ኵሎም እቶም ብየማናይ ድምጺ ዝተመርጹ ሓገግቲ ኣካላት ፡ ነዚ ሓደገኛ ጸጋማዊ ክንፊ ዘለዎ መንግስቲ ኺቃወምዎ ኣለዎም" ክብል ጽሒፉ።
ናታንያሁ ኣንጻር ሚስተር ላፒድ ዝሃቦ መግለጺ ናይ ፈለማ እዋን ተቓዉሞ እዩ ።
ወዲ 49 ዓመት ናይ የማናይ ክንፊ ሃገራዊ ናይ ቴክ ሚልዮነር ናፍታሊ በነት ፡ ን ክልተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ምስ ኣገልገለ ሚስተር ላፒድ ነቲ ካልእያ እብረ ክቕበሉ እዩ እቲ ተጌሩ ዘሎ ስምምዕ።
ሚስተር ላፒድ ንፕረዚደንት ረቨቨን ሪቭሊን ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "እዚ መንግስቲ ንዅሎም ዜጋታት እስራኤል እንተላይ ነቶም ኣባላት ዘይኰኑ ፡ ነቶም ዝጻረሩዎ ከይተረፈ ኸኽብሮም ፡ ንዅሉ ክፋላት ሕብረተሰብ እስራኤል ሓድነት ንምፍጣር ድማ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር እዩ" ኢሉ።
እቶም ፓርትታት ቅድሚ እቲ ክዳን ወግዓዊ ምግባሮም ኣብ ጥቓ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ናይ ግርጻን መደረታት ብመዓልታት ተዓጽዮም ነይሮም ።
ኣብ ቅድሚ እቲ ወግዓዊ ምምስራት ልፍንታዊ መንግስቲ ንመዓልታት ኣብ ጥቓ ተል ኣቪቭ ኣብዝርከብ ተዓጽዮም ዘተ ክገብሩ ቀንዮም እዮም።