እስራኤል እቲ ትወስዶ ስጉምቲ 'ማእከላይ ምብራቕ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝቕይር'ዩ ክኸውን" ትብል፡ ሓማስ ንዝማረኾም ክቐትል'የ ብምባል የፈራርሕ

ሰራዊት እስራኤል ፡ "ሓያሎ ጥርጡራት ዕጡቓት ቀቲለ" ክትብል ከላ ሓማስ ድማ ኣብ ጋዛ ሲቪላዊ ኣባይቲ እንተ ዓንዩ ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘለዉ እስራኤላውያን ከምዝቐትል ኣፈራሪሑ ።

Destroyed buildings and cars in Gaza following airstrikes.

እስራኤል ብሰኑይ ኣብ ከተማ ጋዛ ብነፈርቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ፍልስጤማውያን ኣብ ማእከል እቲ ዝዓነወ ከባቢ ፡ ነተን ዝዓነዋ መካይን ይምርምርወን ፡ Source: AAP / Mohammed Saber

ኣብዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብእስላማዊ ጕጅለ ሓማስ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ 300,000 ወተሃደራት ኣዋፊሩ ከም ዘሎን ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ጋዛ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ ነታ ወሽመጥ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓጸወን ገሊጹ ።
ዕጡቓት ሓማስ ን900 እስራኤላውያን ድሕሪ ምቕታሎምን ካልኦት ሓያሎ ሰባት ድሕሪ ምሓዞምን ፡ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኣብ ዝርከብ እተፈላለየ ቦታታት ተቖጻጺሮም እዮም ።
ድሕሪ እቲ ንሰዓታት ብእስራኤል ዝተገብረ ጽዑቕ ደብዳብ ፡ ኣፈኛ ሓማስ ኣቡ ዑቢዳ ፡ ሲቪላዊ ኣባይቲ ብዘይ መጠንቀቕታ እንተ ተደብዲቡ ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት እስራኤል ናይ ቅትለት ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ከም ዝሓበሮ ፡ ካብ ቀዳም ንነጀው ብ ኣየር እስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ ብውሕዱ 687 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ፡ 3,726 ድማ ቈሲሎም ኣለዉ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ፡ ምግብን ነዳድን ከይተረፈ ናብታ ወሽመጥ ጋዛ ንኸይበጽሕ ጽኑዕ ዕጽዋ ከም እተገብረ ኣፍለጠ ፣ ኣብ ጋዛ 2.3 ሚልዮን ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ ።
ምሉእ ለይቲ ፡ ብነፈርቲ ዉግእ እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ዝያዳ እናገደደ ብምምጽኡ ፡ ነቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ብሕቲ ኩባንያ ቴለኮምዩኒኬሽን ፍልስጤኤም ተደብዲቡ ኣሎ ። እዚ ድማ ንናይ መሬት ተሌፎን ፡ ኢንተርነትን ኣገልግሎት ሞባይልን ዝጸሉ እዩ ።
እቲ መጥቃዕቲ ንገሊኡ ጽርግያታትን ኣባይትን እውን ኣፍሪሱ እዩ ፣ መሰኻኽር ከምዝሕብርዎ ፡ ሓያሎ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ጸጥታ ሓማስ ከም እተሃሞኹ ገሊጾም ።
Benjamin Netanyahu speaking
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብቲ ቀዳም ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፡ እስራኤል ትህቦ ምላሽ "ንማእከላይ ምብራቕ ከም ዝቕይሮ" ገሊጹ ። Source: Getty / Abir Sultan
እቲ ብ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝምራሕ ሊኩድ ፓርቲ ፡ እስራኤላውያን ናብ ኩነተ ውግእ ብቕልጡፍ ከም እተቐየሩ ዘመልክት ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ሃገራዊ ሓድነት ዘለዎ መንግስቲ ከቕውም ከም ዝኽእል ገለጸ ።
ናታንያሁ ኣብቲ ቀዳም ዘጋጠመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፡ እስራኤል ዝሃበቶ ምላሽ "ንማእከላይ ምብራቕ ከም ዝቕይሮ" ተዛሪቡ ።
እቲ ውግእ ናብ ካልእ ከባቢታት እውን ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኩነታት ፡ ነቲ ከባቢ ኣሻቒልዎ እዩ ዘሎ ። ወተሃደራት እስራኤል ፡ "ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ሰሊኾም ዝኣተዉ ሓያሎ ዕጡቓት ጥርጡራት ተቀቲሎም" ኣለዉ ፣ ሰራዊት እታ ሃገር ከምዝገልጾ ፡ ሄሊኮፕተራት "ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ከባቢ ይወቕዓ ኣለዋ" ።
TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT
ብ8 ጥቅምቲ 2023 ካብ ከተማ ጋዛ ብዕጡቓት ሓማስ ብዝተተኮሱ ሮኬታት ፡ብ እስራኤል ናይ ሓጺን መከላኸሊ ሚሳይል ክግታእ ከሎ ። Source: Getty / Eyad Baba
ሓይልታት እስራኤል ን ጋዛ ካብ ምድብዳብን ምኽርዳንን ሓሊፎም ፡ ምስ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻ ሊባኖስ ብመዳፍዕን ሮኬትን ተኹሲ ይለዋወጡ ኣለዉ ፣ ሕዝቦላህ ብሰኑይ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ሰለስተ ኣባላቱ ከም እተቐትሉ ገለጸ ።
ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጐድኒ እስራኤል ደው ኢለን እኳ እንተለዋ: ካብ መላእ ዓለም ግን ኩነታት ክሃድእ ምሕጽንታ ይቐርብ ኣሎ ።
ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ እስራኤል ነቲ ቀዳም ዝካየድ መጥቃዕቲ ስዒቡ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ከም እትኽበብ ዝተወስደ ስጉምቲ ፡ ኣዝዩ ከምዝ ጐሃየ ገሊጹ ።
United Nations Israel Palestinians
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እስራኤል ንግዝኣት ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ከም እተኽበቦ ዝገልጽ ምልክታ ኣዝዩ ከም ዝጨነቖ ገሊጹ ኣሎ ። Source: AAP / Craig Ruttle
ጉተረዝ ፡ "በቲ ሎሚ እስራኤል ንግዝኣት ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ብምእታው ፡ ኤለክትሪክ ፡ ምግቢ ፡ ወይ ነዳዲ ኰነ ካልእ ኽኣቱ ከም ዘይፈቅድ ብዝገልጽ ምልክታ ኣዝየ እየ ዝጕሂ" በለ ።
ጉተረስ እቲ ኣብ ጋዛ ዘሎ ኵነታት ቅድሚ እቲ ብወታሃደራት እተገብረ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ጽንኩር" ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጹ: እቲ ኩነታት "ብቕልጡፍ ናብ ዝኸፍ አ ኩነታት ይዓርግ ከም ዘሎ" ገለጸ ።
ኣስታት 137,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ንፍልስጤማውያን ኣገዳሲ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ትካል UNRWA ተዓቚቦም ከም ዝነበሩ ጉተረዝ ሓቢሩ ።
"ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ መጻወድያ ጋዛ ተቐርቂሮም ዘለዉን ረዳኢ ዘይብሎምን ፍልስጤማውያን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክገብረሎም ንዅሎም ወገናትን ዝምልከቶም ኣካላትን ክፈቕደሎም እምሕጸን" በለ ።

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት 300,000 ወተሃደራት እስራኤል ኣብዚ ወፍሪ ክሳተፉ ምጽዋዖም እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ብ መሬት መጥቃዕቲ ብዛዕባ ምፍጻም ትሓስብ ከም ዘላ ዘመልክት እዩ።
ነቲ ብቀዳም ብሓማስ ዝተወስደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንጸጥታን ስለያን እስራኤል ዘዋረደን ክሳብ ክንደይ ደቂሱ ከም ዝጸንሐን ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብ ጥቓ ሓጹር ጸጥታ ዝነበረ ዕንቅፋታት ሰጊሩ ዝነበረ መብዛሕትኡ ብሱልኳ ዝትወስደ ስጕምቲ ዳግም ከም እተቘጻጸሮ ፡ ብኣማእታት ንዚቝጸሩ ዕጡቓት ከም ዝቐተሎምን ብዙሓት ዕጡቓት ከም እተኣስሩን ገሊጹ ።

ሓማስ ብ2006 ኣብ ጋዛ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሕጋውነት ካብ ዝስዕር ንነጀው ፡ ኣብቲ ከባቢ ስልጣን ዝረኸበ ፍልስጤማዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጉጅለ እዩ ።

ብጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ዕላማኡ ፡ እስራኤል ክትህሉ ዘለዋ መሰል ኣፍልጦ ኸይሃበ ፡ ሃገረ ፍልስጤም ምምስራት እዩ ።
ኩሉ መዳያዊ ትካላት ሓማስ ፡ ከም ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ክምደብ ፡ ከም ኣውስትራልያ ፡ ካናዳ ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ከምኡ "ውን ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ክውስናከለዋ ከም ኒው ዚላንድን ፓራጓይን ግና እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ጥራይ እየን ከም ግብረ ሽበራ ዝምድባኦ ።

ካልኦት ሃገራት ድማ ንመላእ ሓማስ ከም ግብረ-ሽበራዊ ትካል ዝኹንን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ተቓዊመን እየን ። ኢራን ቀንዲ ደጋፊት ሓማስ እያ ፡ ንሓማስ ድማ በቲ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ እንቋዕ ሓጎሰኩም ክትብል ከላ ፡ እቲ ናይ ኢራን ልኡኽ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ፡ ቴህራን ኣብዚ መጥቃዕቲ ከም ዘይተሳተፈት እዩ ሓቢሩ ።

ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ናብ እስራኤል ዝግበራኦ በረራታት ደው የብላ

ዓበይቲ ኣህጉራውያን ናይ ኣየር መጓዓዝያታት ፡ ወተሃደራት ሓማስ ብቐዳም ኣብ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ፡ ናብን ካብን ቴልኣቪቭ ዝገብራኦ በረራታት ደው ኣቢለን ወይ ድማ ነቲ ናይ ድሕነት ኵነታት ንምምሕያሽ ይጽበያ ከም ዘለዋ ገሊጸን ።
ኣብ ቴልኣቪቭ ካብ እተመደበ በረራታት ፡ እቲ 50 ሚእታዊት ብሰንበት ደው ከም ዝበለን፡ ሰኑይ ሲሶ ካብቲ ዝነበረ በረራታት ከም እተሰረዘን ፡ Flightradar24, ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ በረራ ሓቢሩ ።
ኣብ ዌስት ባንክ ዘሎ ኵነታት ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ተሪር የማናዊ መንግስቲ ነታንያሁ እናገደደ ክኸይድ'ዩ ጸኒሑ ፣ ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ኣብ ዓድታት ፍልስጤም ዝነብሩ ወረራን መጥቃዕቲን፡ እናዛየደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ፣ ምምሕዳር ፍልስጤም ከኣ ፡ ህጹጽ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ክገብር ጸዊዑ ኣሎ ።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ዌስት ባንክን የሩሳሌምን ከም ዝዝርጋሕ ገሊጹ ። ጋዛውያን ፡ ሓማስ ነቲ ክሊ ካብ ዝቈጻጸሮ ንደሓር ፡ ን16 ዓመት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ናይ እስራኤል መዕገቲ ክነብሩ እዮም ጸኒሖም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ጋዛ መግቢ ንምምጻእ ሰብኣዊ ኮሪደራት ንኽፍጠር ሓቲቱ: ኣብ ጋዛ ዝርከቡ እንተወሓደ 70,000 ፍልስጤማውያን ኣብቲ በቲ ዉድብ ዝውነን ኣብያተ-ትምህርቲ መዕቆቢ ይደልዩ ኣለው ኢሉ ።

Share
Published 10 October 2023 9:56am
Updated 10 October 2023 10:02am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS, Reuters


Share this with family and friends