ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ህዝቡ ኣብ ውግእ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣብ ከተማታት እስራኤል ካብ ፍልስጤማውያን ጕጅለ ሓማስ ሃንደበታዊ ምጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን እስራኤል ተቐቲሎምን ቆሲሎምን ፡ ብድሕር'ዚ እስራኤል ፡ ኣብ ጋዛ ኣጥቂዓ ብዙሓት ሰባት ተቀቲሎም ።
እዚ ናይ ሎሚ ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ዉግእ ከይከፍቱ እተመባጽዕዎ መብጽዓ ዘፍሽል ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ልዕሊ 20 ቦታታት ፡ ብውሕዱ 200 እስራኤላውያን ከም እተቐትሉን 1100 ከም ዝቘሰሉን ተሓቢሩ ኣሎ ።

An Israeli civilian killed by Palestinian militants lies covered in Sderot, Israel, on 7 October 2023. Source: AP / AP
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ "ኣብዛ ጸላም መዓልቲ እዚኣ ሓያል ሕነ ኽንፈዲ ኢና" በለ ።
"ኣብ ውግእ ኢና ዘለና ፡ ክንስዕሮ እውን ኢና" ድማ ክብል ተዛሪቡ ።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ እቲ ኣብ ጋዛ ጀሚሩ ዘሎ መጥቃዕቲ ናብ ዌስት ባንክን የሩሳሌምን ከም ዝዝርጋሕ ገሊጹ ኣሎ ።

Israeli police officers evacuate a family from a site hit by a rocket fired from the Gaza Strip, in Ashkelon, southern Israel, 7 October, 2023. Source: AP / AP
"እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ነገር ፡ ምድላውና ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ። እቲ ሎሚ ዝዀነ ነገር ፡ ድኽመት ጸላኢ እዩ ዝገልጽ " ክብል መራሒ ሓማስ ተዛሪቡ ።
ኣብታ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ጥቓ ጋዛ እትርከብ ሲደሮት ፡ ሬሳታት እስራኤላውያን ሰላማውያን ሰባት ብስብርባር ጠራሙዝ ተኸቢቡ ኣብ ጐደና ፋሕ ኢሉ ይርአ ።
ኣብ ጋዛ ፡ እስራኤላውያን ሕነ ንምፍዳይ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ነዊሕ ግምቢ ፡ ጸሊምን ሕብራውን ትኪ ናብ ሰማይ ገጹ ክዕብሎኽ ተራእዩ ።
ብዙሓት ሓዘንተኛታት ንሬሳታት እቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ኣብ ጐደናታት ተሰኪሞም: ብባንዴራታት ሓማስ ጠቕሊሎም ይሓልፉ ነበሩ ።
ምዉታትን ቍሱላትን ጋዛ ፡ ከቢድ ሕጽረት ሕክምናዊ ረድኤትን ናውትን ኣብ ዝነበሮ ሆስፒታል ከቢድን ሰፊሕን ሓዘን ወሪዱ ይርአ ።

Palestinian medics inspect a damaged an ambulance hit by an Israeli air strike inside Nasser Hospital in Khan Younis, southern Gaza Strip, 7 October, 2023. Source: AP / AP
ሓማስ ፡ ሕነ ናይቲ ልዕሊ 100 ኣፓርታማታት ዝሓዘ በሪኽ ህንጻ ንምፍዳይ ፡ ብቐዳም ምሸት ናብ ተልኣቪቭ ገጹ ዝቐንዐ 150 ሮኬታት ከም ዝተኮሰ ገሊጹ ።
ምክትል ሓላፊ ሓማስ ሳልሕ ኣል-ዓሪ ንኣል-ጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝርከብዎም ሓያሎ ምሩኻት እስራኤል ሒዙ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ሓማስ ፡ ንእስራኤል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ ኵሎም ፍልስጤማውያን ናጻ ንምግባር እኹላት ምሩኻት እራኤል ከም ዘለውዎ ገሊጹ ።
እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ተማሪኾም ከም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል ኣረጋጊጹ እዩ ።

Israeli firefighters extinguish fire after a rocket fired from the Gaza Strip hit a parking lot in Ashkelon, southern Israel, 7 October, 2023. Source: AP / AP
ሓማስ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ በቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ባንክ ፡ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ኣሰካፊ መጥቃዕትታት ዝተደረኸ ምዃኑ ገሊጹ ።
መሓማድ ደፍ ዝበሃል ሓለቓ ሽሕ ሰራዊት ሓማስ ፡ "እዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ምጉባጥ መሬት ንምዝዛም እተገብረ ዝዓበየ ቃልሲ እትጅምረላ መዓልቲ እያ" በለ ፣ እቲ ዕዮ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሓማስ ኣብ እተመሓላለፈ ፈነወ ብዛዕባ ምጅማሩን ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ፍልስጤማውያን ኽዋግኡ ከም ዝጽውዑን ድማ ገለጸ ።
ኣብታ፡ 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ን16 ዓመት ኣብ ትሕቲ መዕገቲ እስራኤል ዝነብሩላ ጸባብ ቦታ ጋዛ፡ ነበርቲ ዝቕጽል ውግእ ከምዘሎ ብምጽባይ ዘድልዮም ነገራት ንምዕዳግ ክጓየዩ ተራእዮም ።
ገሊኦም ካብ በቶም ሃዲሞም ናብ መዕቈቢ ኣምርሑ ።