እቲ ኤሪክ የቮን ዘቕረቦ ዲዛይን ፡ገዛእ ርእስኻ ትገልጸሉ፡ ብዙሕነትን ንኹሉ ዘካትትን ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ።
ኣብ መልበርን ዝመደበሩ ናይ ፋሽን ዲዛይነር ን SBS ዜና "ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ክዳውንቲ ክንሰርሕ ንደሊ ኢና ። ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ" ኢሉ ።
"ሓደ ንድፊ ፡ መስመር ወይ ቍርጽራጽ ክፈጥር ከለኹ ፡ ንዅሉ እቲ ቅርጺ ዝውክል ክከውን ኣለዎ ።"

Erik Yvon is a Melbourne-based fashion designer. Source: SBS / Jennifer Scherer
ኣብ ሲድኒ ዝመደበሩ ዲዛይነር ን SBS ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ዝያዳ ፈተነ ክትገብር ትኽእል ኢኻ ፡ ዘሐጉስ እዩ " ኢሉ ።
"ሰባት እንታይ ከም ዝኽደኑ ኸይነገሩ ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዲ ኽሕዙ እዮም ዝደልዩ ።"

Nathaniel Youkhana is a Sydney-based fashion designer. Source: Supplied / Nathan Angelis
ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ፋሽን ቤት ምኽሪ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ለይላ ናጃ ሂብሪ ናይ ጾታ ብዙሕነት ምሕቋፍ ንኢንዱስትሪ "ሓድሽ ኣይኮነን" ትብል ።
"ኣብ ሓደ እዋን ፡ መልክዕ ተባዕታይን ኣንስተይትን በበይኑ ነርኢ ነበርና ፣ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ድማ ኣይርድኣንን" በለት ።
"ፋሽን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ፡ ጾታዊ ስምዒትካ: ዝዀነ ይኹን ጾታኻ ምግላጽ እዩ ።"
ዋክካ ዋካ ሞዴል ካይ ክላንሲ ከምዝብሎ ናይ ኣውስትራሊያ ፋሽን ኢንዱስትሪ ብዙሕ ናይ ጾታ መለለይታትን መግለጺታትን ኣብ ምርኣይ ዝሓሸ እናኾነ ይመፅእ እኳ እንተሎ ገና ምምሕያሽ የድልዮ እዩ ።

Kai Clancy walked in Erik Yvon's Australian Fashion Week Show this year. Source: Getty / Marley Morgan