ቀ/ሚ ዒራቕ ፡ ብመጥቃዕቲ ድሮን ካብ ፈተነ ቅትለት ድሒኑ።

ኣብ ከባቢ ኣፍደገ ግሪን ዞን ኣንጻር ውጽኢት ናይቲብ10 ጥቕምቲ እተገብረ ሓፈሻዊ ምርጫ ፡ ሓያሎ ሚእቲ ዝዀኑ ደገፍቲ ምስ ን ኢራናን ዝድግፉ ሰላፊ ኣብዝገብርሉ ዝነበር እዩ።

Iraqi Prime Minister Mustafa al-Kadhimi

Iraqi Prime Minister Mustafa al-Kadhimi Source: AP

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጣፋ ኣል-ቃድሂም ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ወግዓዊ መንበሪኡ ከቢድ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ "ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ፈተነ ቅትለት" ከም ዘይተጐድአ ፡ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ ።

ብሰንበት ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ሓንቲ ድሮን ንመንበሪኡ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እንተፈጸመትኳ ኣብ ልዕሊኡ ጕድኣት ከምዘይወረደ ሓቢሩ ።

ድሕርዚ ነዊሕ ኸይጸንሐ: ኣል-ቃድሂ "ደሓን" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ: "ህድኣትን ሓለዋን" ክግበር ጸዊዑ።

ኣብ ትዊተር ፡ "ጽቡቕ ኣለኹ ፡ ንኣምላኽ ውዳሰ ይኹኖ ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ዒራቕ ክበሃል ፡ ኵሉ ሰብ ክሃድእን ኽሕሉን እጽውዕ ኣለኹ" ኢሉ ጸሓፈ ።

ክልተ ሰበ ስልጣን ዒራቕ ን ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ካብቶም ሓለውቱ ከም ዝቘሰሉ ገሊጾም ኣለዉ ።
ነበርቲ ባቕዳድ ፡ ድምጺ ነታጒ ፣ ካብ ኣንፈት ግሪን ዞን ኮይኑ፣ ኣብኡ ከኣ ኤምባሲታትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ይርከብ ።
እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከም እተፈጸመ ብኡንብኡ ኣይተነጸረን: ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እውን ኣይተረኽበን ።

ነቲ ብ10 ጥቕምቲ እተገብረ ሓፈሻዊ ምርጫ ውጽኢት ፡ ሓያሎ ሚእቲ ዝዀኑ ደገፍቲ ምስ ኢራናውያን ዝደናገጹ ጕጅለታት ኣብ ከባቢ ኣፍደገ ግሪን ዞን ተቓውሞኦም ከስምዑ ተራእዮም እዮም ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ነቲ መብዛሕትኡ ካብ ዓመጽ ናጻ ዝዀነን ብዘይ ዓበይቲ ቴክኒካውያን ጸገማት ዝነበረ ድምጺ ንኢዶምዎ እዮም ።

ድሕሪ እቲ ድምጺ ፡ ደገፍቲ ሚሊሽያ ኣብ ጥቓ ግሪን ዞን ድንኳን ተኸሉ ፣ እቶም ኣባላት ሚሊሽያ ድማ ፡ ድምጺ እቲ ምርጫ ዳግም እንተዘይተቖጺሩ፡ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ከምዝነጽግዎን፡ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙን ኣፈራሪሖም ኔሮም ።

እቲ ምርጫ ነቲ ኣብ መወዳእታ 2019 ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ባቕዳድ ዝርከቡን ብብዝሒ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ደቡባዊ ኣውራጃታት ዝተገብረ ኣንጻር እቲ ኣብ እናዓበየ ዝርከብ ብልሽውናን ፡ ድኹም ኣገልግሎትን ሽቕለት ኣልቦነትን ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ፡ መደብ ቅድሚ ምግባሩዩ እቲ ምርጫ ተጌሩ ።

With AAP.


Share
Published 7 November 2021 10:49pm
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends