ስር ዓት ዒራቕ ብልሽውን ባይ ወሳኢ ሓይሊታት ዝዝወርን እዩ ብምባል ዒራቓዊያን ተቓዉሞኦም ኣሐይሎም ቀጺሎሞ ኣለዉ፡፤ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክ እለ ምዃኑ እንተአፍለጠኳ እቲ ተቓዉሞ ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ።
እዚ ተቓዉሞ ናይ ህዝቢ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ ዓራቕ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብዝረኣየቶ ዝሓየለ ምዃኑን፡ ስ እነት ስራሕ፤ ሕማቕ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ብልሽውና መራሕቲን ዘበገሶ ተቓዉሞ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።ሓይሊታት ጸጥታን ዕጡቓት ጉጂለታትን ነቲ ተቓዉሞ ብሓይሊ ክጭፍልቕዎ ስጉምቲ ብምውሳዶም ል ዕሊ 420 ሰባት ክቕተሉ ከለው ል ዕሊ 15'000 ሰባት ከምዝቖሰሉ AFP ኻብ፡ ትካላት ሕክምናን ካብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ዒራቕ ዝተረኽበ ምዃኑ አፍሊጡ፡
አብ ባቕዳድ ዓሰረታት ሰባት ምስተቐትሉ፡ ኣብቲ ናይ ሽዓዊያን ከተማ ዝኾነት ናጃፍውን ብቐዳም ሰብ ምስተቐትለ፡ እቲ ተቓዉሞ ኣብዚ ሰሙን አዚዩ በርቲዑ ቀጺሉ አሎ።

አብ ጽርጊያታት ዝግበር ዘሎ ተቓዉሞ ምስበርት ዐን ናይታ ሃገር ላዕለዋይ መራሒ ሽዓ ኣያቶላህ ዓሊ ሲስታን ምስኮነኖን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብደል ማሕዲ ብ ዓርቢ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ ንፓርላማ እታ ሃገር ንሰንበት ከምዘፍልጥ ገሊጹ አሎ።
እንተኾነ ህዝቢ ካብ ተቓዉሞኡ ኣይቦኸረን፡ ኣብ ባቕዳድን ኣብ ኩሉ ብዝሒ ሽዓዊያን ዝነብርሉ ደቡብ እታ ሃገር እቲ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽወዕ ተቓዉሞ ንሰሙን መመላእታ ቀጺሎም ኣለዉ።

"ነዚ ምንቅስቓስ ክንቅጽሎ ኢና" ክብል ሓደ ካብቲ ብቐዳም ኣሻሓት ህዝቢ ንተቓዉሞ ዝወሹሉ ደቡባዊ ከተማ ሺንዲያ ገሊጹ።
"ዓብደል ማህዲ ካብ ስልጣኑ ምልቃቕ ሓደ ስጉምቲ ጥራይ እዩ። ሕጂ ኩሎም እቶም ብልሽዋት መራሕቲ ክወርዱን ክፍረዱን ኣለዎም"
እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ምዉታት ሰልፈኛታት ካብ ምሉ እ ዓለም ወቐሳ ዝወርዶ ዘሎ ኮይኑ ዉሕሃ ነዚ ነገር ክጻወሮ፡ኸምዠይኽእል፡ገሊጹ አሎ። "ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ዘይተመጣጣኒ ስጉምቲ ንኹንን" ኢሉ።
