ሚች ዱክ ብዘእተዋ ተኣምራታዊት ሸቶ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ቱኒዝያ ናይ 1 ብ ባዶ ዓወት ብምምዝጋብ እታ ሃገር ኣብቲ ዉድድራት ህላውነታ ኣነዋሓ ኣላ።
እቲ ብቐዳም ኣብ ኣል ጃኑብ ስታድዩም ኳታር ኣብ እተገብረ ግጥም ዱክ ብርእሱ ዘመዝገባ ዓወት ፡ ኣውስትራልያ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ደረጃ ክትበጽሕ ዘለዋ ተስፋ ኣበሪኹ እዩ ።
ሶኮሩ ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ውድድራት ፈረንሳ 4ብ1 ድሕሪ ምስዓራ፡ ምስ ጋንታ ቱኒዚያ ኣብዝተገብረ ግጥም ዱክ ኣብ መበል 23 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ን ኣውስትራሊያ ሰለስተ ክቡራት ነጥቢ ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ ።
"ከምዚ ዝበለ ዓቢ ህሞት ኣይረኣኹን ። ክበኪ ክጅምር እየ።" ክብል ድሕሪ እቲ ግጥም ዱክ ን SBS ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ።
"ሕጂ ብስምዒት ብዙሕ ከይተሓዝ እየ ዝጽዕር ዘለኹ ። ሓደ ተወሳኺ ስራሕ ኣለና (ኣንጻር ዴንማርክ) ። ንኣውስትራሊያ ዝያዳ ታሪኽ ምስራሕ እዋኑ እዩ ። "
ናይ ሶኮሩ ለጀንድ ጆን ኣሎኢሲ ፡ "ዓቢ ዓወት" ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እታ ጋንታ ድሕሪ እቲ ብፈረንሳ ዘጋጠማ ክሳራ ፡ ነቲ ዓወት ክትመልሶ ምርኣይ ዘገርም ምዃኑ ገለጸ ።
ጋንታ ሶኮሩ ብ2010 ንሰርቢያ ድሕሪ ምስዓራ እዩ እዚ ኣብ ልዕሊ ቱኒዝያ ኣብ ውሽጢ ደርዘን ዓመታት ናይ መጀመርታ ዓወት ርእያ ። ብ2006 እውን ሶኮሮ ኣንጻር ጃፓን ዓወት ኣመዝጊባ ኔራ።
እቲ ሓያል ተጻዋታያ ዱክ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሻሙናይ ሸቶ ዘመዝገበ ኮይኑ፡ ብርእሱ እዩ ኣመዝጊብዋ።
ብተወሳኺ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ጸወታታት ፈረንሳ ንዴንማርክ 2 ብ 1 ክትስዕራ'ከላ፡ ኣረጀንቲና ብ መሲን ብፈርናንደዝን ኣቢላ ብዘመዝገበተን ሸቶታት ንመክሲኮ 2 ብ 0 ስዒራ ኣላ።