'ክበኪ ክጅምር'የ': ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራሊያ (ሶኮሩ) ኣብ 12 ዓመታት ንፈለማ ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስዓራ ዓቢ ሓጎስ ፈጢሩ።

እዚ "ዓቢ ዓወት" ጋንታ ሶኮሩ ኣብ ኣውዲቕካ ንምሕላፍ ዝግበር ግጥማት ንምብጻሕ ክብ ዝበለ ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

Teammates gather around Socceroos striker Mitch Duke after he scores the team's winning goal.

Celebrations after Socceroos striker Mitch Duke scores the team's winning goal. Source: Getty / Robert Cianflone

ሚች ዱክ ብዘእተዋ ተኣምራታዊት ሸቶ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ቱኒዝያ ናይ 1 ብ ባዶ ዓወት ብምምዝጋብ እታ ሃገር ኣብቲ ዉድድራት ህላውነታ ኣነዋሓ ኣላ።
እቲ ብቐዳም ኣብ ኣል ጃኑብ ስታድዩም ኳታር ኣብ እተገብረ ግጥም ዱክ ብርእሱ ዘመዝገባ ዓወት ፡ ኣውስትራልያ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ደረጃ ክትበጽሕ ዘለዋ ተስፋ ኣበሪኹ እዩ ።
ሶኮሩ ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ውድድራት ፈረንሳ 4ብ1 ድሕሪ ምስዓራ፡ ምስ ጋንታ ቱኒዚያ ኣብዝተገብረ ግጥም ዱክ ኣብ መበል 23 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ን ኣውስትራሊያ ሰለስተ ክቡራት ነጥቢ ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ ።
"ከምዚ ዝበለ ዓቢ ህሞት ኣይረኣኹን ። ክበኪ ክጅምር እየ።" ክብል ድሕሪ እቲ ግጥም ዱክ ን SBS ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ።

"ሕጂ ብስምዒት ብዙሕ ከይተሓዝ እየ ዝጽዕር ዘለኹ ። ሓደ ተወሳኺ ስራሕ ኣለና (ኣንጻር ዴንማርክ) ። ንኣውስትራሊያ ዝያዳ ታሪኽ ምስራሕ እዋኑ እዩ ። "
ናይ ሶኮሩ ለጀንድ ጆን ኣሎኢሲ ፡ "ዓቢ ዓወት" ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እታ ጋንታ ድሕሪ እቲ ብፈረንሳ ዘጋጠማ ክሳራ ፡ ነቲ ዓወት ክትመልሶ ምርኣይ ዘገርም ምዃኑ ገለጸ ።
ጋንታ ሶኮሩ ብ2010 ንሰርቢያ ድሕሪ ምስዓራ እዩ እዚ ኣብ ልዕሊ ቱኒዝያ ኣብ ውሽጢ ደርዘን ዓመታት ናይ መጀመርታ ዓወት ርእያ ። ብ2006 እውን ሶኮሮ ኣንጻር ጃፓን ዓወት ኣመዝጊባ ኔራ።
እቲ ሓያል ተጻዋታያ ዱክ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሻሙናይ ሸቶ ዘመዝገበ ኮይኑ፡ ብርእሱ እዩ ኣመዝጊብዋ።


ብተወሳኺ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ጸወታታት ፈረንሳ ንዴንማርክ 2 ብ 1 ክትስዕራ'ከላ፡ ኣረጀንቲና ብ መሲን ብፈርናንደዝን ኣቢላ ብዘመዝገበተን ሸቶታት ንመክሲኮ 2 ብ 0 ስዒራ ኣላ።

Share
Published 27 November 2022 8:39am
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends