ነቲ ብናይ ወድና ልቢ ዝነብር ዘሎ ሰብ ረኺብናዮ ልቢ ወደይ ኣብ ኣፍልቡ ተጸጊዐ ክትሃርም ሰሚዐያ።

ቢል ኣብ 26 ዓመት ዕድሚኡ ብዘሰንብድ ሓደጋ ሞይቱ ። ንወለዱ ፡ ነቲ ወዶም ዝለገሶ ኣካላት ተቐበልቲ ሰባት ምርካቦም ፡ ሓዘኖም ኣብ ምቍጽጻር ሓጊዝዎም እዩ ።

A man smiling with mountains in the background.

ቢል ስፐንሰር ካብ ስኬትቦርድ ምስ ውደቐ ርእሱ ተሃሪሙ ሞይቱ። Source: Supplied

ከምኡ ኸጋጥመና እዩ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና ።
እዋኑ ጥቅምቲ 2014 እዩ ኔሩ ፡ ኣብ ኣኽራን ብሪንዳቤላ ኣብ ዶብ NSW / ACT ሰፊርና ፡ ካብቲ ሰባት ብሞባይል ክረኽቡና ዝኽእሉ ወጻኢ ነበርና ፡ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ግና መልእኽቲ ሒዙ ምስ ዝከታተለና ።
እታ መልእኽቲ "ናብ ቤትኩም ኽትከዱ ኣሎኮም ። ህጹጽ ነገር ኣሎ "ትብል ።
ናይ ሞባይል ኔትወርክ ንምርካብ ፡ ናብ ጫፍ እቲ ዝቐረበ ዅርባ ደይበ ደወልኩ ።
"ቢል ኣብ ናሮማ ሕማቕ ሓደጋ ኣጋጠምዎ ኣሎ ። ናብ ሆስፒታል ካንበራ ብነፋሪት ተላኢኹ እዩ ። ጽቡቕ ኣይኰነን ዘሎ ። ቀልጢፍኩም ናብ ገዛኹም ክትምለሱ ኣሎኩም ።"

ነቲ ብማኪና ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝወስድ ፡ ኣብ ሰዓት ኢና በጺሕናዮ ። ኣብ ካንበራ ሆስፒታል ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና ከድኩ ፣ ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ቤተይ ገጾም ምስረኣኹ ፡ ገና ከይሓተትክዎም እቱ ኩነታት ሕማቕ ምዃኑ ፈለጥኩ ። ኵሉ ሰብ ይነብዕ ፡ ገጹ ድማ ብጓህን ስቓይን ይንበብ ነበረ ።
እቲ ወዲ 26 ዓመት ወድና ቢል ፡ ካብ ስኬትቦርድ ምስወደቐ ፡ ከቢድ ማህሰይቲ ርእሲ ኣጋጠሞ ። ነቲ ኣብ ከባቢ ሓንጎሉ ዝፍጠር መድመይቲ ምእንቲ ኼፍኵሶ ፡ ገለ ክፋል ሽክና ርእሱ ብመጥባሕቲ ተወገደ ። እቲ መጥባሕቲ እንተ ሰሪሑ ፡ ኣብ ዝቕጽል 24 ሰዓት ክንፈልጥ ምዃና ተነግርአና ።
እቲ መጥባሕቲ ኣይሓገዘን ። ቢል ኣብ ናይ ህይወት ደገፍ ፀኒሑ ። ኣፍ ልቡ ዘሎ ፡ ትንፋስ ከም ዘለዎ ኰይኑ ላዕልን ታሕትን ይብል ነበረ ፣ ኰይኑ ግና ፡ እታ ማሽን እያ ብህይወት ከም ዝቕጽል እትገብሮ ነይራ ።
ስድራ ቤትና ተጨነቐት ። ኣነ ወይ ካልእ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን ።

'ብዛዕባ ናይ ኣካል ምውፋይ ሓሲብኩምሉ'ዶ?'

ቢል ከም ዘይድሕን ምስ ፈለጥና ፡ ኣብ ከባቢ ኣይ.ሲ.ዩ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ክፍሊ ኣብ ኣኼባ ኣተና ። "ብዛዕባ ወፈያ ኣካላት ሓሲብካዶ ትፈልጥ ?" እቶም ሓካይምን ሓካይም መጥባሕትን ብዛዕባ እቲ ዝወሰድዎ ጸብጻብን ብዛዕባ እቲ ወደይ ዝገበሮ ምላሽን ምስ ነገርና ፡ ሓንቲ ሕቶ ተደርብያትልና ።
ርእሰይ ኣብ ኣእዳወይ ጥሒሉ ። 'እዚ ብሓቂ ኣጋጢሙ እዩ!' ህይወት በዚ መንገዲ እዚ ክትከይድ የብላን ። ወለዲ ንውሉዳቶም ክቐብሩ ትጽቢት የብሎምን ።
እቲ እትገብሮ ውሳነ ፡ ስቓይን ጓህን ዘጨንቕ ጭንቀትን እዩ ነይሩ ።
ንርእስና ድማ ፡ 'ቢል እንታይ ክገብር ምደለየ ? "ኢልና ሓተትናያ ።

ወደይ ንእተሸገረ ሰብ ዝሕግዝ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ ፣ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ማለተይ እየ ። ዕድመ ፡ ሕብሪ ፡ ወይ ደረጃኡ ብዘየገድስ ፡ ኢዱ ወትሩ ሓጋዚት ነበረት ። እቲ ብወለንታኡ ኣብ ምጥፋእ ባርዕ ጫካ ዝሰርሑ ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ ።
ቢል ኣብ ሰብነቱ ዘሎ ኣካሉ ዝጠቕሞ እንተዘይኮይኑ ፡ ንኻልኦት ምሓገዘሉ ነይሩ ።
ድሕሪ ክልተ ሰሙን ብ ፖሊስ ዝተዓጀበት ኣምቡላንስ ንኣካላት ቢል ናብ ሲድኒ ንኽውሰድ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተወስደ ፡ ሊንዳ ሰበይተይ ብተለቪዥን ቀረበት ።

እዚ ናይ ቢል ልቢዶ ይኸውን?

ካብዚ ዘባህርር ናታ ለይቲ ሃዋሁ ገለ ጽቡቕ ነገር ከጋጥማ ትጽሊ ነበረት ። ብዛዕባ ሓደ ናይ 'ምዉት ልቢ " ዝተመሓላለፈሉ ሰብኣይ ዝገልጽ ዛንታ ኣብ ተለቭዥን ትዕዘብ ነበረት ። እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዝርከብ ሆስፒታል ስት ቪንሰንት እዩ ነይሩ ። ኵሉ ናይቲ ፍጻመ ዕለታት ድማ ምስ ናይ ቢል ተገጣጠመ ። እሞኸ እዚ ልቢ ቢል ማለት ድዩ ? ኢላ ሊንዳ ነቲ ሰብኣይ ብ ስት ቪንሰንት ሆስፒታል ኣቢላ ጸሓፈትሉ ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ መልሲ ደብዳበ ተቐበለት ። እቲ ሰብኣይ ንልቢ ወድና ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ እተወሰነ መርመራ ገበርና ። ንሱ እዩ ነይሩ ። ክንራኸብ ድማ ተሰማማዕና ።
ናብ ሲድኒ ተጓዓዝና ፡ ኣብ ቤቱ ድማ ተራኸብና ። ስቴተስኮፕ ተጠቒመ ፡ ወደይ ኣብ ኣፍ ልቢ እዚ ሰብኣይ እዚ ኽወቅዕ ከሎ ሰማዕክዎ ።ነቲ ስምዒታት ክገልጾ ኣይክእልን እየ ። ክበኪ ፡ ክስሕቕ ወይ ክሓርቕ ምዃነይ ኣይፈለጥኩን ። ፍሽኽ ኢለ ፡ ኢድ እቲ ሰብኣይ ሒዘ ናብ ኣዒንቱ ጠመትኩ ። ቢል ህይወቱ ኣትሪፉ ። እዚ ሰብኣይ እዚ ፡ ንእሽቶ ስድራ ቤት ፡ ማለት ሓንቲ ሰበይትን ሰለስተ ውሉዳትን ነበርዎ ። ብሳላ ወደይ ፡ ኣቦኦምን ሰብኣዮምን ክህልወሎም ከኣለ ።
A smiling couple pose for a photo
ፒተርን ሊንዳ ስፐንሰርን ነቲ ወዶም ዝለገሶ ክፍሊ ኣካላት ዝተቐበሎ ሰብ ብምርካቦም ፡ ብሞት ወዶም ዝሓዘንዎ ሓዘን ንኽጸናንዑ ከምዝሓገዞም ይገልጹ። Source: Supplied
ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝተለጠፈ ኣቢልና እቲ ናይ ወድና ሳንቡእ ዝተሰኹዓሉ ሰብ'ውን ረኺብናዮ ኢና። ሕጂ ምስኡ ኣዘውቲርና ንራኸብ ኢና ።
እቲ ናይ ኣካል ወፈያ ካልኣይ ዕድል ሂብዎም ፣ ናትና ቢል ግና ኣይረኸቦን ። ንኻልኦት ከምኡ ክግብረሎም ንደሊ ኢና ።




If you would like to learn more about organ donations go to

Share
Published 2 April 2023 2:07pm
By Peter Spencer
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS


Share this with family and friends