'ብጃምላ ኣብ ዝተገብረ መርዓ'የ ምስ ዘይፈልጦ ሰብ ተመርዕየ' ፦ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት (Unification) ዘሎ ህይወት

እቲ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ፡ መብዛሕትኡ ግዜ 'እቲ ናይ ሙኒታት' ወይ 'ዘ ሙኒስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓያል ሃይማኖታዊ ጕጅለ ፡ ድሕሪ ቅትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሺንዞ ኣበ ፡ ኣብ ፖለቲካ ጃፓን ዘለዎ ግደ ይምርመር ኣሎ ። ገሊኦም ኣብ ዉልቀ ሰባት ኣምልኾ 'ካልት' ኢሎም ክጽውዕዎ ከለዉ ፡ ገሊኦም ከኣ ዕላማ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ከም ዝዀነ ይዛረቡ ።

A woman in a wedding dress.

ጂና ኣብ ሓደ ኣብቲ ናይ ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ናይ ሓባር መርዓ እያ ተመርዕያ ።

ጂና ንፈለማ እዋን ምስ ሰብኣያ ኽትራኸብ ከላ ፡ ምስኡ ኽትዘራረብ ኣይትኽእልን እያ ነይራ ። ንሱ ካብ ጃፓን እዩ መጺኡ ፡ ንሳ ድማ ኣብ ኣመሪካ እያ ዓብያ ፣ ብመሰረት ጂና ግና ፡ "ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ንቡር እዩ ነይሩ ።"
ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ስድራ ቤት ዓለምለኻዊ ሰላምን ሓድነትን ዝበሃል ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እያ ተወሊዳ ።
እቲ ኣብ 1954 ኣብ ሶል ፡ ደቡብ ኮርያ ዝተመስረተ ምንቅስቓስ ፣ እዞም ን ቤተ-ክርስትያን ሓድነት እሙናት ዝዀኑ 'ሙኒታት' 'Moonies' እዮም ዝበሃሉ። እዚ ኸኣ ካብ ስም መራሒኦም ሳን ሚዩንግ ሙን ዝመጸ ኣጸወውዓ እዩ። ጂና ፡ ሬቨረንድ ሙን "መሲሕን" "ናይ ሓቂ ኣቦን" ከም ዝዀነ ንኽትኣምን ከም እተማህረት ትገልጽ ።
ቀሺ ሙን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣንጻር ኮምዩኒስት እዩ ነይሩ ፡ ቤተ-ክርስትያኑ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሓ ነይራ ። ሎሚ ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ 120 ሃገራት እያ እትዓዪ ፣ ኣስታት 600,000 ኣባላት ድማ ኣለዉዋ ። እቲ "ናይ ሓፋሽ መርዓ" ተባሒሉ ዝጽዋዕ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብ ሓዳር ዝገብርዎ ናይ በረኸት ጽምብላት ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ገዛ ወይ ኣብ ግዳም ኣብ ዝርከብ ስታድዩማት ስፖርት እዩ ዝግበር ።
A man and a woman.
መስራቲ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ቀሺ ሱን ማዩንግ ሙን ምስ በዓልቲ ቤቱ ሃክ ሃን ኣብ 2012 ኣብ ኣሳን ከተማ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሳብ ሙን ዩኒቨርሲቲ ኣብ እተገብረ ናይ ጃህ ሙን ስነ-ስርዓት መርዓ ። Credit: Segye Daily News/HO/EPA
ወለዲ ጂና ምስ ናይ መጻኢ በዓል ቤታ ቆሪኖማ ፡ ኣብ ኮሪያ ኣብ እተገብረ ሰፊሕ ጽምብል መርዓ ተመርዓዉ ። እዚ ጽምብል እዚ ዘመልክቶ፡ ካብ መስመር ወለዶ ሰይጣን ናብ መስመር ኣምላኽ ከም እተቐየረ ዝሕብር እዩ ።
ኣባል ካልኣይ ወለዶ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን "ዝተባረኸት ቈልዓ" ስለ ዝነበረት: እዚ ዕድላ ምሉእ ምዃኑ ምሉእ ህይወታ ትፈልጦ ነበረት። ኣብ መዓልቲ መርዕኣ ግና፡ ኣዝያ ከም ዝጐሃየት ገለጸት ።

"ንወለደይ ከጕህዮም ስለ ዘይደለኹ ፡ ካብ ማሕበረ ሰበይ ክጠፍእ ኣይከኣልኩን ።
"ምሉእ ህይወተይ እዚ እዩ ነይሩ"

'ኣምልኾ ዉልቀሰብ (cult) እየ ዝብሎ'

ብመሰረት ጂና ፡ ካብ እትውለድ ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ ሬቨርድ ሙን ንዅሎም ኣባላት እቲ ማሕበር ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ብዝርከብ መእለዪ ወይ ብ ኣባ/እኖ ሓጎታቶም ኺዓብዩ ከም ዘለዎም ኣወጀ ። እዚ ከኣ ንወለዳ ዝያዳ ህይወቶም ኣብ ተልእኾ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ንኺውፍዩ ኣኽኣሎም ትብል ።
ንሳ ን SBS Dateline ከም ዝገለጸቶ "ዝበዝሕ ብዛዕባይ ቅድሚ ዓብየ ክውስን ዝኽእል ምብጻሐይ እዩ ዝውሰን ኔሩ።"

ወለዳ ፡ ጓል ሰለስተ ወርሒ ከላ ኣብ ኮሎራዶ ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ መሐብሐቢ ህጻናት ኣወፍዮማ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ፡ ጂና ተዘክሮኣ ክትገልጽ ከላ ፡ "ካብቲ መእለዪ ክወስዱኒ ምስ መጹ ፡ ወለደይ ምዃኖም ብሓቂ ኣይፈልጥን እየ ነይረ" በለት ። ይኹን እምበር ፡ ወለዳ ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ከም ዝበጽሕዋ ነገርዋ ።

ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣበ ምስ ተቐትለ ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ማዕከናት ዜና ኮይና ። t.

ብመሰረት መግለጺ ፖሊስ ፡ እቲ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነብር ተኲሱ ዝቐተለ ተትሱያ ያማጋሚ ፡ ኣዲኡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ኣብ ክሳራ ከምዝኣተወት ኣቕረቦ ። ሚስተር ኣቤ ምስታ ቤተ-ክርስትያን ርክብ ከም ዘለዎ ይኣምን ከም ዝነበረ ፡ ነቶም መርመርቲ ነጊርዎምእዩ።
እዚ ከኣ ነታ ኣብ ጃፓን ትርከብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ዝኽፈል ክፍሊታት ብቐጻሊ ክምርመር ኣኽኢሉ እዩ ።
A toddler wearing a white dress.
Jinae as a toddler. Credit: Supplied.
ጂናን ሰብኣያን ኣብ ጃፓን ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ግዜ የሕልፉ ነበሩ ። "ብፍላይ ኣብ ጃፓን ብዙሕ ምዝመዛ ዝረኣኹሉን ነዚ ኵሉ ዘስካሕክሕ ዛንታታት ዝሰምዕን ስለ ዝነበርኩ ፡ ንሰባት ከምኡ ገይሩ ዝጐድእ ነገር ክድግፍ ኣይክእልን እየ" በለት ። ብመሰረት ጂና ፡ ሰብኣያ ንሓደ መራሒ ቤተ ክርስትያን ፡ "ንኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን ፡ እኹል ወፈያ ዘይምግባሮም ክገንሖም" ሰሞዎም።

ወሃብ ቃል እታ ኣብ ጃፓን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንዴትሊን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብ 2009 ብ ሰዓብቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ዚምራሕ ሓያሎ ኩባንያታት ፡ ብ መንፈሳዊ መሸጣታት ገበነኛታት ኰይነን ከም እተረኽባ ፡ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ጃፓን ዘሎ ሕጊ ዝጻረር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።
ብ1984 ሪቨረንድ ሙን ፡ ካብ ኣመሪካ ዝኸፍሎ ግብሪ ብምህዳሙ ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣተወ ። ን13 ወርሒ ምሉእ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ ።
ብመሰረት ፋይናንሻል ታይምስ ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘ ዋሽንግተን ታይምስ ዝኣመሰለ ሓያሎ ናይ ንግዲ ረብሓታት ኣለዋ ፣ ገለ ካብኡ ፡ እቲ ሰፊሕ ናይ ገዛውቲ መሸጣታት ፡ ኒው ዮርከር ሆተል ከምኡ እውን ባሕረኛ ናይ ትሩ ዎርልድ ፎኦድስ ይርከብዎ ።
ኣብ ጥሪ ፡ ኣብ ጃፓን እትሕተም ዘ ማኒሺ ሺምቡን እትብሃል ጋዜጣ ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ 1981 ዝጸንሐ ናይ ሙን ራእይ ንኽፍጸም እታ ቤተ ክርስትያን ንጃኦኣንን ኮርያን ብትሕቲ ባሕሪ ዘራኽብ በዓቱ ንምስራሕ መሬት ገዚኣ ነይራ።


A woman reading notes off a stand.
ጂናን ሰብኣያን ኣብ ጃፓን ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ግዜ የሕልፉ ነበሩ ። Credit: Supplied.
ጂና ኣባል ቤተ ክርስትያን ሓድነት ምዃን ገዲፋቶ እያ ። ካብ እተፈላለየ ደረጃታት ከም ዝወጸት ኰይኑ ከም ዝስምዓ እኳ እንተ ገለጸት ፡ "እቲ ዝኸበደ ነገር ፡ ንወለደይ ብዛዕባኡ ኸዘራርቦም ምጽጋመይ እዩ" በለት ።

ከምዚ ድማ ትብል: - "እዚ ልዑል ምቁጽጻር ሃይማኖታዊ ጉጅለ እዩ... ኣነ ነዚ ካልት እብሎ ። ብዙሕ ናይ ብጉጅለ ምሕሳብ ኣሎ "
ኣውስትራሊያዊ ኣድመደስ ብ1980 ኣብ ኣበርደን ፡ ስኮትላንድ ፡ ምስ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ጸንበረ ።

"ንኣቦና ሙን፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ንኣምላኽ ዝውክልን ሰብ ገይረ እየ ዝኣምኖ" በለ ።

ሕመረት ሓሳብ እታ ቤተ-ክርስትያን ፡ "ምእንቲ ካልኦት ኢልና ኢና እንነብር ፣ ንሕና እውን ስድራ ቤት ኣምላኽ ኢና ዝብል እዩ።"

ኣደሜድስ ከም ክፍሊ እዚ ተልእኾ እዚ ፡ ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ንኣርባዕተ ዓመት ኣገልጊሉ እዩ ።

'እቲ ዕላማ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን እዩ'

ንሱ ብ1982 ወዲ 24 ዓመት ከሎ ፡ ብረቨረንድ ሙን ምስ ጃፓናዊት ሰበይቱ ሺዙዮ ብጃምላ ኣብ እተገብረ መርዓ ተመርዓወ ።

ኣድመደስ ፡ "[ብጃምላ እተገብረ መርዓ] ምስ 6,000 ጽምዲ እየ ተመርዕየ ፣ ኣብ ሓደ ዋን 300,000 መጻምድቲ ዝተመርዓዉ ግና ነይሮምና" በለ ።
"[እቲ ዕላማ] ዓለምለኻዊ ሰላም ብናይ ዓለም ኣህጉራዊ ሓዳር እዩ ።
"ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ፡ ከም ኮርያን ጃፓንን ዝኣመሰላ ተዋጋእቲ ሃገራት ብምምርዓው እንተዘይኮይኑ ክተኣኻኸባሉ ዝኽእላ መገዲ የለን ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኮርያውያን ጃፓናውያን ሰብ ሓዳር ኣለዉና ፣ እዞም ቈልዑ ክልቲኡ ባህሊታት ባህሎም እዩ ።"
A man and woman getting married.
ጆን ኣድመደስ ብ1982 ኣብ እተገብረ ጃምላዊ መርዓ ንሰበይቱ ሽዙዮ ተመርዓዋ ። Credit: Supplied.
ሕጂ ወዲ 66 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ፣ ኣዳመደስ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ብዙሓት ንምዝማድ ከም ዝሓገዘ ገለጸ ።
"ሓደ ካብቲ ቀንዲ መትከላት ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ክትብሎ እትኽእል ፡ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ሓንቲ ስድራ ቤት ክንፈጥር ከም እንኽእል ምእማን እዩ ።"
ኣዳመደስ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ከም ኣምልኾ ሰባት ወይ ካልት ገይርካ ምጽዋዕ "ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ" በለ ።
"ማለተይ ፡ ባህሊ ፡ ሓድሽ ሃይማኖት ፡ ጽቡቕ መስመር እዩ ።
ኣደመደስ ንቕትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ኣቤ ብዝምልከት ፡ ቤተ-ክርስትያን ከም መህደሚ ምኽንያት ከም ተጠቕሙላ ይኣምን ።
"ሓደ ተኳሲ ከም ዝነበረ ኣይመስልን እዩ ። ካብ ሓደ ተኳሲ ንላዕሊ ኣሎ ይብሉ ኣለዉ "ኢሉ ።
"ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ ። እዚ ኩሉ ተረሲዑ እዩ ፡ መኽንያቱ መራኸቢ ብዙሃን ኣይፋል እዩ ኢለን ን ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን እየን ተሓታቲት ዝገብራ ዘለዋ ።
"እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን ንብል ኣለና ። ሰልፊ ኮምዩኒስት ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ንምጥፋእ ኵሉ ግዜ ምስ ወጸ እዩ "በለ ።

ህይወት ጂና ድሕሪ ነታ ቤተ ክርስትያን ምግዳፋ

ጂና ገና ምስ ሰብኣያ ኣብ ሓዳራ እያ ዘላ: ሕጂ ግን ከምቲ ትጽቢት ዝግበረላ ዘይኰነስ: እትደልዮ ህይወት ትሃንጽ ከም ዘላ እያ እትዛረብ ። ብዛዕባ እዚ ክትገልጽ ከላ ፡ "ብዙሕ ሓዘን እዩ ወሲዱ ፣ ናብ ሕክምና ተራፒን ናብቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ዝነበረኒ ስምዒትን ንምቕያር ብዙሕ እዩ ሓቲቱኒ" በለት ።
"ብኣባላት ቤተ-ክርስትያን እየ ተማሂረ ፣ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኵሉ ሰብ ድማ ወዲቑ እዩ ፣ ክፍሊ መስመር ወለዶኡ ሰይጣን እዩ ተባሂለ።
"ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኢልካ ዘይምእማን ኣዝዩ ሓርነት እዩ ።
"ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዘይብሎም: ብናይ ሓፋሽ መርዓ ዘይተመርዓዉን ዝተባረኹን ሰባት ተራኺበ እየ ።"

Share
Published 5 March 2023 12:32pm
By Agnes Teek, Jennifer Scherer
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS


Share this with family and friends