ጂና ንፈለማ እዋን ምስ ሰብኣያ ኽትራኸብ ከላ ፡ ምስኡ ኽትዘራረብ ኣይትኽእልን እያ ነይራ ። ንሱ ካብ ጃፓን እዩ መጺኡ ፡ ንሳ ድማ ኣብ ኣመሪካ እያ ዓብያ ፣ ብመሰረት ጂና ግና ፡ "ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ንቡር እዩ ነይሩ ።"
ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ስድራ ቤት ዓለምለኻዊ ሰላምን ሓድነትን ዝበሃል ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እያ ተወሊዳ ።
እቲ ኣብ 1954 ኣብ ሶል ፡ ደቡብ ኮርያ ዝተመስረተ ምንቅስቓስ ፣ እዞም ን ቤተ-ክርስትያን ሓድነት እሙናት ዝዀኑ 'ሙኒታት' 'Moonies' እዮም ዝበሃሉ። እዚ ኸኣ ካብ ስም መራሒኦም ሳን ሚዩንግ ሙን ዝመጸ ኣጸወውዓ እዩ። ጂና ፡ ሬቨረንድ ሙን "መሲሕን" "ናይ ሓቂ ኣቦን" ከም ዝዀነ ንኽትኣምን ከም እተማህረት ትገልጽ ።
ቀሺ ሙን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣንጻር ኮምዩኒስት እዩ ነይሩ ፡ ቤተ-ክርስትያኑ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሓ ነይራ ። ሎሚ ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ 120 ሃገራት እያ እትዓዪ ፣ ኣስታት 600,000 ኣባላት ድማ ኣለዉዋ ። እቲ "ናይ ሓፋሽ መርዓ" ተባሒሉ ዝጽዋዕ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብ ሓዳር ዝገብርዎ ናይ በረኸት ጽምብላት ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ገዛ ወይ ኣብ ግዳም ኣብ ዝርከብ ስታድዩማት ስፖርት እዩ ዝግበር ።

መስራቲ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ቀሺ ሱን ማዩንግ ሙን ምስ በዓልቲ ቤቱ ሃክ ሃን ኣብ 2012 ኣብ ኣሳን ከተማ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሳብ ሙን ዩኒቨርሲቲ ኣብ እተገብረ ናይ ጃህ ሙን ስነ-ስርዓት መርዓ ። Credit: Segye Daily News/HO/EPA
ኣባል ካልኣይ ወለዶ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን "ዝተባረኸት ቈልዓ" ስለ ዝነበረት: እዚ ዕድላ ምሉእ ምዃኑ ምሉእ ህይወታ ትፈልጦ ነበረት። ኣብ መዓልቲ መርዕኣ ግና፡ ኣዝያ ከም ዝጐሃየት ገለጸት ።
"ንወለደይ ከጕህዮም ስለ ዘይደለኹ ፡ ካብ ማሕበረ ሰበይ ክጠፍእ ኣይከኣልኩን ።
"ምሉእ ህይወተይ እዚ እዩ ነይሩ"
'ኣምልኾ ዉልቀሰብ (cult) እየ ዝብሎ'
ብመሰረት ጂና ፡ ካብ እትውለድ ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ ሬቨርድ ሙን ንዅሎም ኣባላት እቲ ማሕበር ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ብዝርከብ መእለዪ ወይ ብ ኣባ/እኖ ሓጎታቶም ኺዓብዩ ከም ዘለዎም ኣወጀ ። እዚ ከኣ ንወለዳ ዝያዳ ህይወቶም ኣብ ተልእኾ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ንኺውፍዩ ኣኽኣሎም ትብል ።
ንሳ ን SBS Dateline ከም ዝገለጸቶ "ዝበዝሕ ብዛዕባይ ቅድሚ ዓብየ ክውስን ዝኽእል ምብጻሐይ እዩ ዝውሰን ኔሩ።"
ወለዳ ፡ ጓል ሰለስተ ወርሒ ከላ ኣብ ኮሎራዶ ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ መሐብሐቢ ህጻናት ኣወፍዮማ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ፡ ጂና ተዘክሮኣ ክትገልጽ ከላ ፡ "ካብቲ መእለዪ ክወስዱኒ ምስ መጹ ፡ ወለደይ ምዃኖም ብሓቂ ኣይፈልጥን እየ ነይረ" በለት ። ይኹን እምበር ፡ ወለዳ ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ከም ዝበጽሕዋ ነገርዋ ።
ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣበ ምስ ተቐትለ ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ማዕከናት ዜና ኮይና ። t.
ብመሰረት መግለጺ ፖሊስ ፡ እቲ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነብር ተኲሱ ዝቐተለ ተትሱያ ያማጋሚ ፡ ኣዲኡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ኣብ ክሳራ ከምዝኣተወት ኣቕረቦ ። ሚስተር ኣቤ ምስታ ቤተ-ክርስትያን ርክብ ከም ዘለዎ ይኣምን ከም ዝነበረ ፡ ነቶም መርመርቲ ነጊርዎምእዩ።
እዚ ከኣ ነታ ኣብ ጃፓን ትርከብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ዝኽፈል ክፍሊታት ብቐጻሊ ክምርመር ኣኽኢሉ እዩ ።

Jinae as a toddler. Credit: Supplied.
ወሃብ ቃል እታ ኣብ ጃፓን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንዴትሊን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብ 2009 ብ ሰዓብቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ዚምራሕ ሓያሎ ኩባንያታት ፡ ብ መንፈሳዊ መሸጣታት ገበነኛታት ኰይነን ከም እተረኽባ ፡ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ጃፓን ዘሎ ሕጊ ዝጻረር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።
ብ1984 ሪቨረንድ ሙን ፡ ካብ ኣመሪካ ዝኸፍሎ ግብሪ ብምህዳሙ ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣተወ ። ን13 ወርሒ ምሉእ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ ።
ብመሰረት ፋይናንሻል ታይምስ ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘ ዋሽንግተን ታይምስ ዝኣመሰለ ሓያሎ ናይ ንግዲ ረብሓታት ኣለዋ ፣ ገለ ካብኡ ፡ እቲ ሰፊሕ ናይ ገዛውቲ መሸጣታት ፡ ኒው ዮርከር ሆተል ከምኡ እውን ባሕረኛ ናይ ትሩ ዎርልድ ፎኦድስ ይርከብዎ ።
ኣብ ጥሪ ፡ ኣብ ጃፓን እትሕተም ዘ ማኒሺ ሺምቡን እትብሃል ጋዜጣ ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ 1981 ዝጸንሐ ናይ ሙን ራእይ ንኽፍጸም እታ ቤተ ክርስትያን ንጃኦኣንን ኮርያን ብትሕቲ ባሕሪ ዘራኽብ በዓቱ ንምስራሕ መሬት ገዚኣ ነይራ።

ጂናን ሰብኣያን ኣብ ጃፓን ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ግዜ የሕልፉ ነበሩ ። Credit: Supplied.
ከምዚ ድማ ትብል: - "እዚ ልዑል ምቁጽጻር ሃይማኖታዊ ጉጅለ እዩ... ኣነ ነዚ ካልት እብሎ ። ብዙሕ ናይ ብጉጅለ ምሕሳብ ኣሎ "
ኣውስትራሊያዊ ኣድመደስ ብ1980 ኣብ ኣበርደን ፡ ስኮትላንድ ፡ ምስ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ጸንበረ ።
"ንኣቦና ሙን፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ንኣምላኽ ዝውክልን ሰብ ገይረ እየ ዝኣምኖ" በለ ።
ሕመረት ሓሳብ እታ ቤተ-ክርስትያን ፡ "ምእንቲ ካልኦት ኢልና ኢና እንነብር ፣ ንሕና እውን ስድራ ቤት ኣምላኽ ኢና ዝብል እዩ።"
ኣደሜድስ ከም ክፍሊ እዚ ተልእኾ እዚ ፡ ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ንኣርባዕተ ዓመት ኣገልጊሉ እዩ ።
'እቲ ዕላማ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን እዩ'
ንሱ ብ1982 ወዲ 24 ዓመት ከሎ ፡ ብረቨረንድ ሙን ምስ ጃፓናዊት ሰበይቱ ሺዙዮ ብጃምላ ኣብ እተገብረ መርዓ ተመርዓወ ።
ኣድመደስ ፡ "[ብጃምላ እተገብረ መርዓ] ምስ 6,000 ጽምዲ እየ ተመርዕየ ፣ ኣብ ሓደ ዋን 300,000 መጻምድቲ ዝተመርዓዉ ግና ነይሮምና" በለ ።
"[እቲ ዕላማ] ዓለምለኻዊ ሰላም ብናይ ዓለም ኣህጉራዊ ሓዳር እዩ ።
"ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ፡ ከም ኮርያን ጃፓንን ዝኣመሰላ ተዋጋእቲ ሃገራት ብምምርዓው እንተዘይኮይኑ ክተኣኻኸባሉ ዝኽእላ መገዲ የለን ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኮርያውያን ጃፓናውያን ሰብ ሓዳር ኣለዉና ፣ እዞም ቈልዑ ክልቲኡ ባህሊታት ባህሎም እዩ ።"

ጆን ኣድመደስ ብ1982 ኣብ እተገብረ ጃምላዊ መርዓ ንሰበይቱ ሽዙዮ ተመርዓዋ ። Credit: Supplied.
"ሓደ ካብቲ ቀንዲ መትከላት ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ክትብሎ እትኽእል ፡ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ሓንቲ ስድራ ቤት ክንፈጥር ከም እንኽእል ምእማን እዩ ።"
ኣዳመደስ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ከም ኣምልኾ ሰባት ወይ ካልት ገይርካ ምጽዋዕ "ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ" በለ ።
"ማለተይ ፡ ባህሊ ፡ ሓድሽ ሃይማኖት ፡ ጽቡቕ መስመር እዩ ።
ኣደመደስ ንቕትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ኣቤ ብዝምልከት ፡ ቤተ-ክርስትያን ከም መህደሚ ምኽንያት ከም ተጠቕሙላ ይኣምን ።
"ሓደ ተኳሲ ከም ዝነበረ ኣይመስልን እዩ ። ካብ ሓደ ተኳሲ ንላዕሊ ኣሎ ይብሉ ኣለዉ "ኢሉ ።
"ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ ። እዚ ኩሉ ተረሲዑ እዩ ፡ መኽንያቱ መራኸቢ ብዙሃን ኣይፋል እዩ ኢለን ን ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን እየን ተሓታቲት ዝገብራ ዘለዋ ።
"እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን ንብል ኣለና ። ሰልፊ ኮምዩኒስት ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ንምጥፋእ ኵሉ ግዜ ምስ ወጸ እዩ "በለ ።
ህይወት ጂና ድሕሪ ነታ ቤተ ክርስትያን ምግዳፋ
ጂና ገና ምስ ሰብኣያ ኣብ ሓዳራ እያ ዘላ: ሕጂ ግን ከምቲ ትጽቢት ዝግበረላ ዘይኰነስ: እትደልዮ ህይወት ትሃንጽ ከም ዘላ እያ እትዛረብ ። ብዛዕባ እዚ ክትገልጽ ከላ ፡ "ብዙሕ ሓዘን እዩ ወሲዱ ፣ ናብ ሕክምና ተራፒን ናብቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ዝነበረኒ ስምዒትን ንምቕያር ብዙሕ እዩ ሓቲቱኒ" በለት ።
"ብኣባላት ቤተ-ክርስትያን እየ ተማሂረ ፣ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኵሉ ሰብ ድማ ወዲቑ እዩ ፣ ክፍሊ መስመር ወለዶኡ ሰይጣን እዩ ተባሂለ።
"ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኢልካ ዘይምእማን ኣዝዩ ሓርነት እዩ ።
"ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዘይብሎም: ብናይ ሓፋሽ መርዓ ዘይተመርዓዉን ዝተባረኹን ሰባት ተራኺበ እየ ።"