ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022ᵀᴹ ብቐጥታን ብነጻን ኣብ SBS ረዲዮ ብኸመይ ክስማዕ ከምዝከኣል

ኣብ ዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 (FIFA World Cup™ ) ብቐጥታ ንምሉእ ኣውስትራሊያ ብ SBS ረዲዮ ይመሓላለፍ ኣሎ።

QATAR SOCCER FIFA WORLD CUP 2022

Cameroon's goalkeeper Gael Ondoua (L) and Brazil's Neymar (R) on office buildings in Doha, Qatar. Source: EPA / NOUSHAD THEKKAYIL/EPA/AAP Image

ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 TM ካብ 21 ሕዳር 2022 ተጀሚሩ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ድማ ኣብ SBS ካብ ኣየር ብናጻ ክፍኖ እዩ ። ኵሎም 64 ግጥማት እቲ ውድድር ፡ በዚ ዝስዕብ ንምስማዕ ናጻ እዮም ፦
  • ዲጂታል ኦድዮ ራድዮ (Digital audio radio DAB)
  • ብ ኦንላይን ኣብ
  • ብናይ SBS ረዲዮ ሞባይል ኣፕ (app for |

ብኸመይ ይስማዕ

ናብ "ቲ ናይ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2022 TM መደበራት ኩዕሶ እግሪ 1 ፡ 2ን 3ን ኣብ ናይ ዳብ ሬድዮ ፡ መርበብ ሓበሬታ SBS ሬድዮ ፡ ወይ ድማ ብመንገዲ ነጻ ናይ SBS ሬድዮ ኣፕ ፡ ነፍሲ ወከፍ ግጥም ብ12 ቛንቛታት ምስማዕ ይከኣል።
  • SBS Football 1 (available now): ኣብ እዋን እቲ ውድድር ናይ ሕድሕድ ግጥም ብእንግሊዘኛ ትንተና ይወሃብ ፣ ብተወሳኺ ኣብ ዋንጫ ዓለም ድማ ናይ ሙዚቃ ይስማዕ ።
  • SBS Football 2 and 3 (launching November 14): ብቐጥታ ብቋንቋታት ትንተና ይወሃብ
  • SBS Arabic24: ብቐጥታ ብ ዓረብኛ ትንተና ይወሃብ
Find the full radio schedule .

ካብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መሻርኽትና ዝወሃብ ትንተናታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ™ ኣብ ናይ SBS መደባት ብቋንቋታት ዓረብ ፡ ስጳንኛ ፡ ፖርቱጋል ፡ ፈረንሳይኛ ፡ ጀርመን ፡ ሆላንድ ፡ ክሮኦሽያ ፡ ፖላንድ ፡ ጃፓን ፡ ኮርያ ፡ ፋርስ ፡ ከምኡውን ብእንግሊዝ ኣብ SBS ተዳልዮም ክርከቡ እዮም ።
ኣብ እዋን እቲ ውድድር SBS ሬድዮ 3 ናብ SBS 2 ይኸውን - ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ግጥም ብዝተፈላልዩ ቋንቋታት መግለጺ ይወሃብ ። ኣብቲ እዋን ንመደባት ዓለማዊ ኣገልግሎት ቢቢሲ ብቐጻሊ ንምስማዕ ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ SBS ሬድዮ ብምኻድ ነቲ ቀጥታዊ ወሓዚ መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቦ ትኽእል ።

ናይ ኩዕሶ እግሪ ዘነቓቕሑ ዜማታት

ካብ ናይ ቀጥታ ግጥማት ወጻኢ ፡ ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዘየቋርጽ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጸወታታት ሙዚቃ ፡ ካብ ሕሉፍ ፍሉጣት ወግዓዊ ዝኾነ ደርፍታትን ገለ ካብ ዝበለጹ (ዋላ ዝኸፍኡ) ናይ ሃገራዊት ጋንታ ደርፍታትን ምስማዕ ይከኣል ። ናይ ዋንጫ ዓለም ተሞክሮኻ ኣንጊህካ ንምስትምቓር ናይ ቀጥታ ፈነወ ኣብ SBS ፉትቦል 1 ፡ ኣብ DAB ሬድዮ ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሬድዮ SBS ምስማዕ ።

ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022ᵀᴹ ዕለታትን ሰዓታትን

SBS ራድዮ ብቛንቋታት ትንተና በዚ ዝስዕብ ይርከብ
  • Group Stage: ሕዳር 21 - ታሕሳስ 3
  • Round of 16: ታሕሳስ 4 - 7
  • Quarter-Finals: ታሕሳስ 10 - 11
  • Semi-Finals: ታሕሳስ 14 - 15
  • 3rd vs 4th playoff: ታሕሳስ 18
  • World Cup Final: ታሕሳስ 19
ናይ ቋንቋ ተሓባበርትና ብሮድካስተራት: BBC, Radio Nacional de España, Radio France Internationale, BAND, beIN, RTP, ARD, SRF, RNE, Radio Oriental Montevideo, HRT, RFI, NHK, NOS, VRT, Polskie Radio, Seoul Broadcasting System.

ብኸመይ ተርክብ

ንነፍሲወከፍ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022ᵀᴹ ብቐጥታን ብነጻን ኣብ SBS ን . ኣለኩም፣
World Cup 2022 devices.png

ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022ᵀᴹ ኣብ ተለቪዥን

SBS ን SBS VICELAND ንኩሉ 64 ግጥማት ፡ ናይ ፊፋ ዋንጫ ዓለም ትሕዝቶታት ኣብ ምሉእ እቲ ውድድር በተን ክልተ መስመራት ይዝርጋሕ ።

ዋንጫ ኩዕሶ ዓለም ፊፋ 2022ᵀᴹ ብ SBS On Demand ምክትታል

ናይ ገዛእ ርእስኹም   ብምኽፋት ንኹሉ 64 ግጥማት ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2022ᵀᴹ ብቕጥታን ብነጻን ኣብዝደለኹሞ ሰዓት ብዝደለኹሞ መሳርሕን ምክትታል ትኽእሉ።

ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ SBS ኦን ዴማንድ ኣቢሉ ፡ ተለቪዥን ወይ ድማ ብመገዲ ኣፕል ኣፕ ስቶርን ጉግል ፕለይ ስቶርን ብናጻ ዋንጫ ዓለም ርአ ።

Share
Published 22 November 2022 10:45am
By SBS Radio
Source: SBS


Share this with family and friends