ኢራን ንእስራኤል ኣብ ዘጥቃዓትሉ እዋን ኣመሪካ ን እስራኤል እንታይ ሃገዝ ገይራትላ፧

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ፡ ዋሽንግተን ነቲ ኢራን ብድሮንን ሚሳይላትን ትፍንዎ ዝነበረት መጥቃዕቲ ኣብ ምፍሻል እተጻወቶ ግደ ብዝርዝር ገሊጾም ኣለዉ ።

An image of a drone or missile

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሮንን ሚሳይልን ድሕሪ ምፍጻማ እስራኤል ሕነ ከምትፈዲ ምግላጻ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሕ ኲናት ከይጅመር ተፈሪሑ ኣሎ። Source: AAP / Atef Safadi/EPA

ኢራን ብኣማእታት ዝቝጸርድሮናትን ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነወቶ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ፡ ነቲ ዋሽንግተን ነቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ መጥቃዕቲ ንምድላው ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ ጽዑቕ ምድላዋት ከመይ ከምዝነበረ ዝሕብር ሓብሬታ ተገሊጹ ኣሎ ።

ኢራን ብቐዳም ኣብ ዘጥቃዓትሉ እዋን ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካን ነፈርትን ፡ ዓሰርተታት ድሮንን ሚሳይልን ኢራን ወቒዐን ኣፍሺለናኦ እየን። ቴህራን ነቲ ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቈንስል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ክልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝቐተለ ናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ሕነ ከምትፈዲ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምፍርራሃ እያ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺማቶ።
ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ፡ ዋሽንግተን ነቲ መጥቃዕቲ ንምቅዋም ፡ ብወታሃደራውን ብዲፕሎማስያውን መዳይ እንታይ ግደ ከም ዝነበራ ብዝርዝር ገሊጾም እዮም ፦

መጥቃዕቲ ኢራን

ኢራን ፡ ልዕሊ 100 ናይ ማእከላይ ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይላት ፡ ልዕሊ 30 ናይ መሬት ተወርዋሪ ሚሳይላትን ልዕሊ 150 ናይ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከም ዝወንጨፈት ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ ።

ክልተ መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ፡ ማለት ዩ.ኤስ.ኤስ. ኣርለይ ቡሩክን ዩ.ኤስ.ኤስ. ካሪኒን ፡( the USS Arleigh Burke and the USS Carney ) ካብ ኣርባዕተ ኽሳእ ሽዱሽተ ባለስቲክ ሚሳይላት ከም ዘዕነዋ ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ድማ ንልዕሊ 70 ድሮናይ ኢራን ከም ዝወቕዓ እቲ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ሓቢሩ ።
ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣርቢል ፡ ናብ እስራኤል ዘምርሕ ዝነበረ ባለስቲክ ሚሳይል እውን ተወቒዑ እዩ ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቀዳም ምሸት ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ነቲ እተገብረ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ይከታተሎ ምንባሩውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ወጥሪ ክገልጽ ከሎ ፡ "ኣብ ሓደ እዋን ፡ ኣብ ሰማይ ልዕሊ 100 ባለስቲክ ሚሳይላት ከም ዘሎ ፈሊጥና ኩሎም ድሮን ምዃኖም ክሳብ ዝግለጽ ግና ንፈልጦ ነገር ኣይነበረ።" በለ ።

ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ

እስራኤል ብ1 ሚያዝያ ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቈንስል ኢራን መጥቃዕቲ ፈጸመት ፣ ክልተ ጀነራላት ዝርከብዎም ሸውዓተሓለዋ ሰውራ ኢራን ድማ ቀተለት ፣ ቴህራን ነዚ ምላሽ ከምትህበሉ መጠንቀቕታ ሂባ ።

እቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣምባሳደር እስራኤልን ናይ ምክልኻል ሽግርን ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከም ዝሓበሩ እቲ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ምምሕዳር ገሊጹ ።

እቲ ብዓል ስልጣን ፡ "ንሕና ኣካል ናይቲ መጥቃዕቲ ኣይነበርናንእዚ ግና ሕነ ምፍዳይ ከምጽእ ከም ዝኽእል ንፈልጥ ነበርና" በለ ።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ፡ ባይደን ንመንግስቱ "ብእተኻእለ መጠን ንእስራኤል ክከላኸለላ ከምዝኾነ" መምርሒ ሃበ ፣ ከምኡ ንምግባር ድማ ፡ ኣድላዪ ዘበለ ስልጣንን መሳለጥያን ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ከረጋግጽ ከኣለ ፣ እዚ መምርሒ እዚ ፡ ንሰበ-ስልጣን ናብ ተግባር ክኸዱ ዘግብር እዩ ነይሩ ።

ምድላዋት ኣመሪካ ከመይ ነበረ

ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ፡ ጸሓፊ ምክልኻል ሎይድ ኣውስቲንን ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ምስ እስራኤላውያንን ምስ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን "ቀጻሊ ርክባት" ገይሮም ።

ናይቲ ዞባ ሓላፊ ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ጀነራል ኤሪክ ኩሪላ ፡ ናብቲ ዞባ ተላእከ ፡ ነቲ ዝመጽእ ኩነታት ብቐጥታ መልእኽቲ ናብ ዋይት ሃውስ ክሰድድን ምስ እስራኤላውያንን ካልኦት መሻርኽትን ንምትሕብባርን ተረኽበ ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ኢራን ትራከብ ከምዝነበረትን "ብመንገዲ መትረብ ስወጽ ተኸታታሊ ዝዀነ ቀጥታዊ ርክብ" ትልእኽ ከም ዝነበረት እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ገሊጹ እዩ ።

ዋሽንግተን "ንዞባዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ሓይሊ ምክልኻል ንምውሳኽን" ተወሳኺ ወተሃደራዊ መሳርሒ ናብቲ ዞባ ከምዘዋፈረት ሓደ ናይ ኣመሪካ ናይ ምክልኻል በዓል ስልጣን ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ እዩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዮርዳኖስ ፡ ኢራን ብረቡዕ ልኡኻት ሃገራት ዓረብ ኣብ ቴህራን ጸዊዓ ፡ እቲ መጥቃዕቲ መዓስ ከም እተፈጸመ እኳ እንተ ዘይፈለጠት ፡ ብዛዕባ እቲ ክትፍጽሞ መዲባ ዝነበረት መጥቃዕቲ ግን ሓቢራቶም እያ።

ካብዚ ንደሓር እንታይ ክከውን'ዩ?

ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝጀመረ ሓድሽ ኩናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣመሪካ ፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ከይልሕም ንምክልኻል እዩ ዕላማኣ ነይሩ ፣ ዋሽንግተን ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ እያ ፈቲና ።
እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ናይ ኢራን፡ እስራኤል ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ ኣመልኪቱ ፡ "ንሕና ኣካል ናይቲ ዝገብርዎ ዝዀነ ምላሽ ኣይንኸውንን ኢና" በለ ። "ኣብዚ ተግባር እዚ ክንሳተፍ ኢና ኢልና ኣይንሓስብን ኢና ።"
እዚ ኮይኑ ግና እስራኤል "ምስ ኢራን ትገብሮ ግጥም ናብ ዝለኦኣለ ኩነታት ከምተዕርጎ ገሊጻትልና ኣላ" ብምባል ፡ "እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ፡ እስራኤል ክትገብሮ እትኽእል ነገር ጥራይ ዘይኰነስ ፡ እንታይ ዓይነት ምርጻ ክትወስድ ከም እትደሊ እዩ" ብምባል እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ ።

Share
Published 15 April 2024 9:31am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AFP


Share this with family and friends