ምርጫ ሆንግ ኮንግ ብሰንኪ ኮሮና ብሓደ ዓመት ተናዊሑ፡ ንዲሞክራሲ ክግበር ዝጸንሐ ቃልሲ ዝጭፍልቕ ስጉምቲ'ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ወርሒ ሰነ በይጂን ኣብ ልዕሊ ሆንግኮንግ ሓድሽን ኣሻማውን ሕጊ ጸጥታ ምስ ኣውጽአት፡ብቐጻሊ ብተማጎቲ ደሞክራሲ ክንጸግ ጸኒሑ እዩ።

Riot police stand guard the Yuen Long subway station in Hong Kong, Tuesday, July 21, 2020.

Riot police stand guard the Yuen Long subway station in Hong Kong, Tuesday, July 21, 2020. Source: AP

ሰብ መዚ ሆንግ ኮንግ ብዓርቢ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳራዊት ግዝ ኣት ዝግበር ምርጫ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ምዃኑ ምስ ኣፍለጡ፡ ንደገፍቲ ደሞክርሳ ዓቢ ጽፍዒት ኮይኑ ኣሎ። ከምሳዕቤኑ  ንብዙሓት ፖለቲከኛታት ካብ ጸወታ ኣውጺኡ፡ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ፖለቲካዊ ጽሑፋት ዘቕርቡ ክእሰሩን ናብ ወጻኢ ንኽሃድሙን ከገድድንዩ ተባሂሉ።

ናይ ቻይና መንግስታዊ መዲያ ብዓርቢ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ 6 ተጣበቕቲ ደሞክራሲ ፖሊስ ሆንግ ኮንግ ክኣስሮም ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ በይጂንግ  ዘንበረቶ ሓድሽ ናይ ጸጥታ ሕጊ፡ መራሕቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ጎራዴ ከምምስሓል እዩ ኢሎም ይገልጽዎ።

ኣብ 1997 ብሪጣንያ ን ሆንግ ኮንግ ከተረክባከላ፡ "ሓደ ሃገር ክልተ ስርዓት" ኣብዝብል ስምምዕ፡ እታ ከተማ ኣብ ቻይና ዘየለ ደሞክራሲን ነጻነትን ከተስተማቕር ድሕሪ ምጽናሕ እያ ሎሚ ቻይና በብቕሩብ ነዚ ስምምዕ ትግህሶ ዘላ።

ብዓርቢ መራሒት ሆንግ ኮንግ ኬሪ ላም ከምዘፍለጠቶ፡ ብስልጣን ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣንጻር ቫይረስ፡ ናይታ ግዝኣት ምርጫ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ እዩ።

እዚ ስጉምቲ ነቶም ዝቃወሙ ንምጭፍላቕ ዝተወስደ ስጉምቲዩ ዝብል ክሲ ኬሪ ላም ነጺጋቶ።

"ኣብዚ እዋን ኣብዚ ናይዚ ለበዳ ኩነታት ጥራይ እየ ከድህብ ዝደሊ።" ብምባል ገሊጻ።

በይጂን ነዚ ምንዋሕ ምርጫ ፥ኣድላዪ፡ ምኽንያታዊን ሕጋዊን ስጉምቲ" ክትብል ገሊጻቶ።

ተጣበቕቲ ደሞክራሲ ግና ሰብ መዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህዝቢ ድምጹ ከይህብ ንደሞክራሲ ይጉዕጽጹ ኣለዉ ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ።

እዚ ስጉምቲ ዝመጽእ ዘሎ ብዙሓት ተጣበቕቲ ደሞክራሲ ፡ እቲ ናቶም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ቅቡል ኣይኮነን ብዝብል ምልንያት ኣብ ምርጫ ከይሳተፉ ድሕሪ ምእጋድዩ።

"ኣብ ታሪኽ ሆንግ ኮንግ እዚ ተጌሩ ዘሎ ምጭዋይ ምርጫ ብዘይጥርጥር እቲ ዝኸፍአ ጭውያ ምርጫ እዩ።" ብምባል ጀሹዋ ዎንግ ዝተባህለ ፍሉጥ ተጠማቲ ነጣፊ ደሞክራሲ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
Democracy activist Joshua Wong holds a press conference in Hong Kong on 31 July
Democracy activist Joshua Wong holds a press conference in Hong Kong on 31 July Source: AAP
ሚስተር ዎንግ ሓደ ካብቶም መንእሰያት መራሕቲ ናይ ዲሞክራሲ ተጣበቕቲ ኮይኑ፡ ኣብ ምርጫ ከይሳተፉ ካብዝተኣገዱ እዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ምንዋሕ መዓልቲ ምርጫን ንተቓወምቲ ፖለቲካ ምእጋድ ኮኒኑ ኣሎ።

"እዚ ስጉምቲ ነቲ ንሆንግ ኮንግ ክትብልጽግ ዝሓገዘ መስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ,"ክትብል ጸሓፊት ፕረስ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነት  , Kayleigh McEnany, ገሊጻ።

ምርጫ ምንዋሑ ነቲ ስምምዕ ናይ ሆንግ ኮንግ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ብምባል ጀርመንውን ተቕእዊማ ኣላ።

"መንግስቲ ሆንግ ኮንግ ንብዙሓት ተቓወምቲ ምእጋዱን ናይ ምርጫ እዋን ምንዋሕን ተወሳኺ ግህሰት መሰላት ዜጋታት ሆንግ ኮንግ እዩ።," ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሄኮ ማስ ኣብዘውጽ ኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርእይቶታት ዝተኣገዱ ተቓወምቲ

ሆንግ ኮንግ ደሞክራሲ የብላን - መራሒታ ድማ ንበይጂን ብዝድግፉ ኮሚቴ ዝተመርጸት እያ። 

እንተኾነ ካብቲ 70 ወናብር ዘለዎ ሓጋጊ መናብር እቲ ፍርቁ ብቐጥታ ብህዝቢ ዝተመርጹ ዝሕዝዎ ብምዃኑ ነቲ ናይታ ከተማ 7.5 ሚሊዮን ነባሪ ድምጹ ኣብ መምረጺ ሳንዱቕ ድምጹ ዝህበሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ።

እቶም ኣንጻር ምትእትታው በይጂን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ክገብርዎ ዝጸንሑ ከቢድ ተቓዉሞ ኣብቲ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ዓብላሊ ድምጺ ክረኽቡ ተስፋ ጌሮም ኔሮም።

እንተኾነ ሰብመዚ ነቶም ኣብ ዉድድር ምርጫ ዝሳተፉ ንዘይደልይዎም ክኣልይዎም ጀሚሮም ኣለዉ።
ሰልፊታት ደሞክራሲ ኣብዘውጽእዎ መግለጺ መዓልቲ ምርጫ ከይደናገ መጠንቀቕታ ብምሃብ፡ እንተተዳንጉዩ ድማ "ስርዓተ ቅዋምና ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ እዩ።"

ኣብዝሓለፈ ወርሒ ኣስታት  3,300 ሰባት ብኮቪድ 19 ኣብታ ከተማ ተለኺፎም ከምዘለዉ ብምፍላጡ ሆስፒታላት ልዕሊ ዓቕሞም ከይከውን ተፈሪሗ ሎ።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ትካል ደሞክራሲን ምርጫን፡  ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምሉእ ዓለም ናይ 68 ምርጫታት ግዜ ክናዋሕ 49 ድማ ኣብ ግዜኦም ክፍጸሙ ተወሲኑ ኣሎ።

Police officers detain a protester during a rally against a new national security law on July 1 in Hong Kong.
Police officers detain a protester during a rally against a new national security law on July 1 in Hong Kong. Source: EPA

ሓድሽ ሕጊ ሰኲሪቲ

ሆንግ ኮንግ ናብ ትሕቲ ምሕደራ ቻይና ካብ ትምለስ ኣትሒዛ ብዙሕ ፖለቲካዊ ሕጎጽጎጽ እንተሕለፈትኳ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ግና ዝተገብረ ተቓዉሞ ናይታ ከተማ ምንቅስቓስ ዳርጋ ደው ናብ ምባል ኣውዲቑ እዩ።

ናይዚ ግብረ መልሲ ቻይና ብ 30 ሰነ ሓድሽ ሕጊ ጸጥጣ ብምትእትታው፡ እቲ ሕጊ  ናብ ተግባር ክሳብ ዝልወጥ ብምስጢር ሒዛቶያ ጸኒሓ።

በይጂንግ ከምትገልጾ ግና እቲ ሕጊ ምርግጋእን ፖለቲካዊ ነጻነት ዝህብንዩ እዩ።

እቲ ሕጊ ኣብ 4 ዒላማ ዝገበረ እዩ፡ ክድዓት፡ ምፍንጫል፡ ግብረሽበራን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊታት ምስምማዕን፡ ነዚ ሕጊ ዝጥሕስ ክሳብ ናይ10 ዓመታት ማእሰርቲ ዘፍርድ እዩ።

እቲ ሕጊ ን ምሉእ ነጻነት ወይ ዝለዓለ ርእሰ ውሳነ ዝጣበቕ ሓሳባት ዝዕፍን ሕጊ እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣብቲ ሕጊ ዘሎ ክልከላ  "ኣንጻር መንግስቲ ጽልኢ ምዝራብ" ይርከቦ።

ብዙሓት ምዕራባዊያን ሃገራት ዝርከብዎም ነዚ ሕጊ ዝቃወሙ ነቲ "ሓደ ሕጊ ክልተ ስርዓት" ስምምዕ ዘፍረሰ ሕጊ እዩ ኢሎም ይገልጽዎ።

እቲ ሕጊ ክትግበር ምስጀመረ፡ ገለ ፖለቲካዊያን ሰልፊታት ክእገዳ ከለዋ ሰለስተ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ናብ ወጻኢ ሃዲሞም ኣለዉ።

እንጻር እዚ ሕጊ ጽሑፍ ዘለዎም መጻሕፍቲ ካብ ኣብያተ መጻሕፍቲን ኣብያተ ትምህርቲን ተሳሒቦም ኣለዉ።

ዛጊት በዚ ሕጊ 15 ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ።

ፍሉጥ ነጣፊ ፖለቲካ ወዲ 27 ዓመት ናታን ሎው ካብ ሆንግ ኮንግ ሃዲሞ ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ ዘሎ ካብቶም " 6 ፈጠርቲ ጸገም" ተባሂሉ ብፖሊስ ዝህደን እዩ።

ብረቡዕ 4 ተመሃሮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝጸሓፍዎ ብሕጊ "ምጉስጓስ ምግንጻል" ተኸሲሶም  ተኣሲሮም ኣለዉ።

ካልኦት ድማ ናጽነት ዝብል ድምጺ ብምቅልሖምን ጽርሖ ብምሓዞምን ተኣሲሮም ኣለዉ።

 


Share
Published 1 August 2020 11:59am
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends