እስራኤል ተወሰኽቲ ክልተ መራሕቲ ሕዝቡላህ ትቐትል፡ ሕዝቡላህ ተዂሲ ደው ንኸብል ስምምዕ ሰላም ቓዛ ከም ቅድመ ኩነት ኣይርእዮን'የ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቡላህን ብዝግበር ዘሎ ግጭት ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 1000 ሰባት ተቐቲሎም፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ካብ መንበሪኦም ክሃድሙ ተገዲዶም።

Smoke rises from the site of an airstrike in a city with many residential buildings.

Israel has bombed Lebanon's capital Beirut multiple times in recent weeks, with some of its airstrikes killing senior Hezbollah figures. Source: AAP / Middle East Images / ABACA / PA

ዕጡቓትት ሕዝቦላህ ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ እትርከብ ቊሸት ላብቦነህ ፡ ብመዳፍዕን ሮኬታትን ዒላማ ገይሮም ከምዘጥቅዑ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። እቲ ጉጅለ ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ጋዛ ዝጸንዕ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ነቲ ናይ "ቲ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ኲናት ደው ንምባል ቅድመ-ኩነት ከም ዘይከውን ሓቢሩ ።
ብረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ድምጺ ሳይረናት ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብ ሰሉስን ረቡዕን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብዝተኻየደ ውግእ ሰለስተ ወታሃደራት እስራኤል ብኸቢድ ቆሲሎም ኣለው ኢሉ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ነቲ መራሒ ሕዝቦላህ ሰይየድ ሓሰን ናስራላህ ዝትክ ኡ ንኽልተ መራሕቲ ሕዝቡላህ ከም ዝቐተላ ገሊጹ እዩ ።
"ንዓቕሚ ሕዝቦላህ ኣዳኺምናዮ ። ን ናስራላን መተካእታ ናስራላን ፡ ከምኡውን ካልእ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣሸበርቲ ኣጥፊእና ኣለና "በለ ።

እስራኤላዊ ሚኒስተር ሓሸም ሳፌዲን ከምዝተቐንጸል ኣተምቢሁ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋል ፡ ሃሽም ሳፊደዲን እቲ ንናስራላ ክትክእ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሰብኣይ ፡ "ተወጊዱ" ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ። እንተኾነ ናታንያሁ "መተካእታ ናይ መተካእታ" ክብል ከሎ ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዝነበረ ግን ገና ንጹር ኣይኰነን ።
ጸኒሑ ፡ እስራኤላዊ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ዳንኤል ሃጋሪ ፡ እስራኤል፡ ሳፊደዲን ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሕዝቦላህ ከም ዝነበረ ከምትፈልጥን ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ደብደባኦ ፡ ኵነታት ድሕነት "መርሚርና ምስ ፈለጥና ፡ ንህዝቢ ክንሕብር ኢና" በለ ።
ሳፊደዲን ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ብወግዒ ደሃዩ ኣይተሰምዐን።

ዉዕል ቓዛ ዉዱቕ ክኸውን ከምዝኽእል ሑዝቡላህ ኣሚቱ።

እቲ ምክትል መራሒ ሕዝቦላህ ንውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ደው ክፉት ማዕጾ ኮይኑ ከምዝተርፍ ገይሩ ምስገደፎ እዩ እቲ ነታንያሁ ዝሃቦ ሓሳባት መጺኡ ።
ምክትል መራሒ ሕዝቦላህ ናኢም ቃስም ፡ ካብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ናይ ተዂሲ ደው ምባል ስምምዕ ፈተነ ከም ዝድግፍ ገሊጹ ኣሎ ።
ንፈለማ እዋን ፡ ኣብ ቓዛ ዝግበር ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝግበር ዝነበረ ውግእ ደው ንምባል ከም ቅድመ ኵነት ክኸውን ኣይተጠቕሰን ። ቃሴም ከምዝሓበሮ ፡ ሕዝቦላህ ነቲ ውግእ ደው ንምባሉ ፡ ኣፈኛ ፓርላማ ናቢህ በሪር ይድግፎ እዩ ።
ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ፡ ክልተ ታሕተዎት ሰበ ስልጣን ሕዝቦላህ ምስ ቓዛ ርክብ ዘይብሉ ብዛዕባ ሊባኖስ ዝግበር ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል እውን ተዛሪቦም ነይሮም እዮም ። ሕዝቦላህ መትከሉ ይቀያየር ከም ዘሎን ክሳዕ 9 ጥቅምቲ ንሮይተርስ ርእይቶ ከም ዘይሃበን ብንጹር ኣይተዛረበን ።

ወሃብ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ዓውደ ውግእ ይሰዓር ስለ ዘሎ ፡ "ቃናኡ ቀዪሩ ፡ ተዅሲ ደው ክብል ከም ዝደሊ" ገሊጹ ኣሎ ።
ቤት ጽሕፈት ናታንያሁ ብዛዕባ እቲ ቃስም ዝበሎ ሓሳብ ክህብ ፍቓደኛ ኣይነበረን ።
ቃሴም ከምዝሓበሮ ፡ ካብ እስራኤል "ብርቱዕ መውቃዕቲ" እኳ እንተወረዶ ፡ ሕዝቦላህ ዓቕሙ ምሉእ እዩ ዘሎ ። "ሓያሎ ከተማታት ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ተቓውሞ ሚሳይላት እየን ዝርከባ ። ዓቕምና ጽቡቕ ምዃኑ ነረጋግጸልካ "በለ ።
ሕዝቦላህ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 8 ጥቅምቲ ፡ ሮኬታት ናብ እስራኤል ኸትኩስ ጀመረ ፣ ዕጡቓት ሓማስ ካብ ቓዛ ተበጊሶም ንደቡባዊ እስራኤል ምስ ኣጥቅዑ ፡ ብመሰረት ዝርዝር እስራኤል፡ 1,200 ቀቲሎም ፣ 250 ጅሆ ድማ ወሲዶም ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና ፍልስጤም ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ሕነ ንምፍዳይ ፡ ኣስታት 42,000 ሰባት ቀቲላ ።

እስራኤል ብመሬትን ብ ኣየርን ትገብሮ መጥቃዕቲ ይቕጽል

ሰራዊት እስራኤል ፡ ክፍለ ሰራዊት 146 ናብ ደቡብ ሊባኖስ ከም ዝለኣኸ ፡ እዚ ድማ ናብ "ቲ ዶብ ናይ ፈለማ ዝተዋፈረ ሰራዊት ኮይኑ ፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ሊባኖስ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊባኖስ ናይ" ታ ሃገር ድማ ስርሒታት የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ሓደ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ፡ ኣብ ሓደ እዋን ክንደይ ሰራዊት ኣብ ሊባኖስ ከም ዝህልዉ ክገልጽ እኳ እንተ ዘይደለየ ፡ ሰለስተ ካልኦት ክፍልታት ሰራዊት እውን ኣብኡ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ፡ እዚ ማለት ከኣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ መሬት ሊባኖስ ከም ዝኣተዉ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ ።
ኣብ ሓደ ለይቲ ፡ እስራኤል ነቲ ሕዝቦላህ ዝዓረደሉ ደቡባዊ ክፋል በይሩት ከም ብሓድሽ ደብደብዎ ፣ ኣብቲ ቦታ እቲ ድማ ፡ ናይ ባጀትን ሎጂስቲክን ሓላፍነት ዝነበሮ ሱሃይል ሑሴን ሑሰኒ ከም ዝቐተለ ሓቢራ ፣ ።
ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ፡ ካብ ዶብ ሊባኖስ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ፡ ሕዝቦላህ ናብ እስራኤል 200 ሮኬታት ከም ዝተኮሰ ሰበ ስልጣን ስለ ዝገለጹ ፡ እቲ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ወይ ሳይረን ኣብ ምሉእ ሰዓታት ናይ ሰሉስ ይቃላሕ ነበረ።.

ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ደማስቆ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ርእሲ ከተማ ሶርያ ዝዀነት ደማስቆ ዝርከብ ኣብ ሜዛ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ዒላማ ብምግባር ፡ ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉን 11 ካልኦት ከም እተጐድኡን ማዕከናት ዜና ሶርያ ብሰሉስ ሓቢረን ።
ኣፈናዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቶም ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት ፡ ኣንስትን ቈልዑን ዝርከብዎም እዮም ነይሮም ፣ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ብሕታዊ ንብረት እውን "ብርቱዕ" ዕንወት ኣስዒቡ እዩ ።
እቲ ምንጪ ከም ዝሕብሮ ፡ እታ ነፋሪት ብሰለስተ ሚሳይላት ኣቢላ እያ ብ ኣኽራን ጐላን እትመጽእ ነይራ ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቐድም ኣቢለን ከም ዝሓበራኦ ፡ ሶርያ ብ መከላኸሊ ኣየር ኣቢላ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ንዝርከብ ዒላማታት ዝገበረ "ተጻብኦ" ከም ዝፈሸለ ሓቢረን እየን ።
ብመሰረት ሰበ-ስልጣን ጥዕና ሊባኖስ ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ፡ ሓንቲ ነፋሪት ናይ እስራኤል ድሕሪ ምውዳቓ ፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ።

Share
Published 9 October 2024 7:18pm
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: Reuters


Share this with family and friends