ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ሰኣልቲ ንጆርጅ ፍሎይድ ብቕብኦም ንምስሉ እናሰኣሉ ይዝክርዎ።

ቀባእቲ ዓለም ምስ ምንቅስቓስ ህይወት ጸለምቲ የገድስ ብዝቐብእዎም ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ሓድነቶም ይገልጹ።

A mural of George Floyd painted by the artist eme_freethinker on a wall at Mauerpark in Berlin, Germany.

A mural of George Floyd painted by the artist eme_freethinker on a wall at Mauerpark in Berlin, Germany. Source: Omer Messinger/Sipa USA

 ሞት ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ዘበገሶ ተቓዉሞታት ዓለታዊነት ንብዙሓት ቀባእቲ ዓለምና ካብ ሶርያን ፓኪስታንን ክሳብ ናይሮቢ ኬንያ ኣበራቢሩ ኣብ ፈቐዶ መንደቕን ብራናን ንምስሊ ጆርጅ ፍሎይድ ይስእልዎ ኣለዉ።

ኣብ ናይ በርሊን መንደቕ፡ ዓቢ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ስእሊ ከምኡውን ኣብ እዋንቲ ናይ ሚንያፖሊስ ፖሊስ ብብርኩ ንኽሳዱ ምስጸቐጥዎ ዝበሎ ቃላት ብብጫ ዝተጻሕፈ  "I CAN'T BREATHE," ተጠቂዑ ይርአ።

ሶርያዊ ኣርቲስት ዓዚዝ ኣስማር በቲ ናቱ ቅብኣ መልእኽቲ ሓድነቱ ክሰድድ ከምዝደሊ ይገልጽ።
Syrians spray graffiti to honour the killed US man George Floyd on the wall of a house destroyed by war, Idlib, Syria.
Syrians spray graffiti to honour the killed US man George Floyd on the wall of a house destroyed by war, Idlib, Syria. Source: EPA
"ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ቀጻሊ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣንጻር ጸለምቲ ምውሳኹ ኣብ መላእ ዓለም ዝኸዉን ነገር ክንድግፍን ክንቃወምን ሰብኣዊ ግዴታና ስለዝኾነ ብናት ኣሳድ ኣውሮፕላናት ኣብ ኢድሊብ ኣብ ዝዓነወ መንደቕ ንስእል ኣለና," ሚስተር ኣስማር ንሶርያዊ ፕረሲደንት ባሻር ኣል ኣሳድ እዩ ጠቒሱ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሓደ ብቦምባ ዝዓነወ ናይ ካቡል መንደቕ ካንቫስ ናይ መህር ኣካ ሱልጣኒ ናይ ሓደ ጉጅለ ሰኣልቲ ኣርት ሎርድ ዝተሳእለ ይርኣ።

"ሎሚ ጆርጅ ፍሎይድ ናይ ዓለም ምስሊ ኮይኑ ኣሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተቐትለ ጸሊም ቆርበቱ ስለዝኾነ እዩ።" ብምባል "ን ኣፈላላይ ኣይፋል ንብል ድማ ንሕና፡ ምኽንያቱ ኣፈላላይ ንኣና ዝጠቕሞ ነገር የብሉን."
A graffiti by artist Dugudus about George Floyd's death is seen in Paris.
A graffiti by artist Dugudus about George Floyd's death is seen in Paris. Source: ABACA
ኣብ ፓሪስ ናይ ጽርግያ ኣርቲስት ዱጉዱስ ንፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ፖሊስ ጌሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ብብርኩ እናጸቐጠ ሲኢልዎ።
Pakistani truck-art artist Haider Ali paints the portrait of George Floyd on the wall of his home in Karachi, Pakistan.
Pakistani truck-art artist Haider Ali paints the portrait of George Floyd on the wall of his home in Karachi, Pakistan. Source: AP
ኣብ ፓኪስታን ነዚ ዘንጸባርቕ ስእሊታት ኣብ ዓበይቲ መኻይን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ካራቺ ነባሪ ዝኾነ ወዲ 40 ሰኣላይ ሃይደር ዓሊ ንጆርጅ ፍሎይድ ኣብ መንደቕ ገዛኡ ሲኢልዎ ይርአ።

"ንኽብሩ፡ ነዘን ሽምዓታት ሲኢለ ኣብ ዙርያ ክሳዱ ድማ ዕምባባታት ጌረሉ።" ብምባል ሚስተር ዓሊ ይገልጽ። ንሱ ነቲ መልእኽቲ ብዛዕባ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ኣብ መኻይን ምስ ኣሉ ከምዝቕጽሎ ገሊጹ።

 


Share

Published

Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends