ደቁኹም ኣብ ገዛ ኮይኖም ኣብ ዝመሃርሉ እዋን ዝህሉ ሓገዛት

ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ስሩዕ ናይ ምምሃር ስርሖም ክጅምሩ ሰብ መዚ ይደልዩ እንተለዉ’ኳ፡ ብዙሓት ወለዲ ብምኽንያት ድሕነት፡ ስክፍታ ሓዲርዎም ደቆም ኣብ ገዛኦምም ክጸንሑ ይመርጹ ኣለዉ። ነዞም ስክፍታ ዘሕድሩ ወለዲ ግና ደቆም ካብ ገዛ ኮይኖም ኣብዝመሃርሉ እዋን እኹል ናይ ሓገዝ ቀረባት ተዳልዩ ኣሎ።

Home schooling Working from home and overseeing children while they learn remotely during COVID-19 can be quite challenging for most parents.

Working from home and overseeing children while they learn remotely can be challenging for most parents. Source: GettyImagesImgorthand

ኣብ Brisbane ክልተ ቆልዑ ዘለዉዋ  Mona Perez ካብቲ COVID-19 ኣብ ናይ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝጅምረሉ እዋን ኣትሒዛ ክትከታተል ጸኒሓ።

እዚ ኩነታ ዝበዝሑ ኣብ ኲንስላንድ ዝርከቡ ተመሃሮ ትምህርቶም እናቐጸሉ፡ 3 ሰሚን ቅድሚ ናይ ፈለማ ተርም ምውዳኡ ንጓል 10 ዓመት ጓላን 6 ዓመቱ ወዳን ናብ ትምህርቲ ከይከዱ ጌራ።

ነዚ ዉሳነ ንምውሳን ኣጸጋሚ ኣይነበረን ምኽንያቱ ሰብ ኣየይ ዝሰርሓሉ ኩባንያ ኩሎም ሰራሕተኛታቱ ካብ ገዛኦም ኮይኖም ክሰርሑ ወሲኑ ኔሩ። ሰብ ኣየይ ከይወጸ ክሰርሕ ማለት ከይዱ ነቲ ቫይረስ ሒዙ ከይምለስን ኩሉ ድሕነቱ ንምሕላው ተባሂሉዩ። ዝኾነ ሰብ ካብቲ ገዛ ወጺኡ ኣትዩ ቫይረስ ከየምጽእ እዩ። ስለዚ ኩላትና ከም ኡ እንተጌርናዩ ትርጉም ዝህልዎ።
LISTEN TO
Helping with your child’s home-based learning image

ደቁኹም ኣብ ገዛ ኮይኖም ኣብ ዝመሃርሉ እዋን ዝህሉ ሓገዛት

SBS Tigrinya

13:06
እንተኾነ ደቃ ካብ ገዛ ኮይኖም ትምህርቶም ክከታተሉ ከቢድ ከምዝኾነ ንምርዳእ ግዜ ኣይወሰደላን።

እቲ ናይ ፈለማ ሰሙን ኣዚዩ ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ነገርዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ገለ ነገር ኣይነበአናን፡ ዝኾነ መሳለጥያ ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ኩሉ ተመሃራይ ናብ ትምርቲ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋንዩ። እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ይፈልጥ ስለዘይነበርኩ፡ ኣዚዩ ዘጨንቕ ኩነታትዩ ኔሩ። እንተኾነ ገለ ነገር ክገብር ደልየ። ምስደቀይ ድማ እንታይ ክመሃሩ ከምዝደልዩ ምስደቀይ ዘትየ ኣብ ኦንላይን ኣትየ ንመምሃሪ ዝኸውን ቪድዮን ካልእ ሓበሬታን ኣብ ምድላይ ኣትየ።
Home schooling
Source: GettyImagesmartinedoucet
ናይ ትምህርቲ ኣማኻሪት ካብ ንክልተ ደቃ ን14 ዓመታት ኣብ ገዛኦም ከምዝመሃሩያ ጌራ። ንሳ ከምትገልጾ እዚ ብምኽንያት ኮቪድ ተመሃሮ ካብ ገዝ ኦም ኮይኖም ክመሩከለዉ ካብ ቤት ትምህርቶምን መምሃራኖምን ዘድሊ ሓገዝ ስለዝቐርበሎም ካብቲ ንደቅኻ ምሉእ ብምሉእ ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ፈጺሙ ዝበትኽ “homeschooling” ዝበሃል ዝተፈላለየ እዩ።

ካብ ኣብያተ ትምህርቲን መምህራንን ብዙሕ ደገፍ ይወሃብ ስለዘሎ ወለዲ ከም ሓገዝቲ ነቶም ኣብ ገዛ ኮይኖም ዝመሃሩ ዘለዉ ደቆም እዮም ኮይኖም ዘለዉ። ብምባል እታ ቀደም ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝነበረት ኪድ ብተወሳኺ እቲ ኣብ ገዛ ኮይንካ ምምሃር ነቲ ካብ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ዝብል ገደብ ናይ ሰዓታት ክኽተል የብሉን ትብል።

ዋላ ኣብ ቤት ትምህርቲ 6 ሰዓታት ኣይንገብርን ኢና።  ንናይ ዕረፍቲን ጠዓሞትን ዕረፍቲ ሓደ ሰዓት ይወሃበካዩ። ናይ ሓባር ኣኼባታት (assemblies) ናብ ክፍሊታት ክትከይድ ምስ ኣተኻ ክሳብ ድሉው ንትምህቲ ትኸውን ብዙሕ ኣብ መንጎ ዝህሉ ምትዕንቓፋት ኣሎ። ኣብትምህርቲ እተን ጽሩያት ንትምህርቲ ዝውዕላ ሰዓታት ካብ 2 ክሳብ 3 ሰዓታት ኣቢለንየን ዝኾና።

ንቖልዑ እቲ ዝበዝሐ ናይ ትምህርቶም ስራሓት ብንግሁኡ ክገብርዎ ነቶም ኣብ ጉብዝና ዘለዉ ግና ሰውነቶም ኣብ መስርሕ ባዮሎጂካዊ ለውጢ ስለዘሎ ኣርፊዶም ተንሲኦም ስርሖም ደንጉዮም ክገብሩ ኪድ ትምዕድ

ዉሉድኩም ኣብቲ ንጡፍ ዝኾነሉ ናይ መዓልቲ ሰዓታት ኢኹም ትምህርቱ ክገብር ዝምከር። ብመንጽር እቲ ክስራሕ ዝድለ ዘሎ ዕዮ ትምህርቲን ዕድመ ናይቲ ቆልዓን ዝበዝሐ ዕዮ ትምህርቲ ካብ ሓደ ክሳብ 3 ሰዓታትዩ ዝወስድ።
Home schooling
Source: GettyImagesKlaus Vedfelt
ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል በቲ ሰኣላይን ደራሲን ዝኾነ ብJason Kimberley ዝተመስረተ እዩ.

እዚ ትካል መምሃራን ዝተጠቕምሉ ን ኣብያተ ትምህርቲን ንወለዲን ናይ መምሃሪ ናውቲ ዘቕርብ እዩ።

ብሰንኪ እዚ ለበዳ ተመሃሮ ካብ ገዛ ኮይኖም ብ ኦንላይን ኣብዝመሃርሉ ዘለዉ እዚ ትካል ካብ ኣውስትራሊያን ካብ ወጻእን ወለዲን ተመሃሮን በዚ ሓዲሽ ኣገባብ ንምምሃር ዘድልዮም ናውቲ ኣብ ምቕራብ ተጸሚዱ ዝርከብ እዩ።

Kimberley ከምዝገልጾ  Cool Australia ክንዮቲ ዘቕርቦ ኣገደስቲ ዓይነታት ትምህርቲ ከም ናይ ቁጽሪን እንግሊዝን መሳለጥያታት፡ ናይ ዉልቂን ማሕበራዊ ክእለታት ንምዕባል ኣብምድንፋዕ ተጸሚዱ ኣሎ።

ቆልዑ ብኸመይ ር እሰ ተኣማንነት ንምጥራይ ፥ ር እሰ ዲሲፕሊንን ዉሳነ ንምውሳን ክእለት ምጥራይ ከምዘማዕብሉ ምግባር፡ እዚ ድማ ምስቶም ወትሩ ምስ ቁጽሪን እንግሊዝ ወይ ሳየንስ ዘይተሓሕዙ ነገራት ከነቕርብ ንደሊ ኢና ምኽንያቱ ከምዚኣቶም ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ ክእለታት ኣብ ህይወት ኣገደስቲ እዮም።

ወለዲ ብሰንኪ ገጢምዎም ዘሎ ናይ ኮቪድ 19 ብድሆታት እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክንዮ መስኮት ከምዝደርበይዎ Kimberley ኣፍልጦ ብምሃብ ወለዲ እወታዊ ኣረኣእያ ክሕዙን ኣብዚ ካብካልእ እዋን ተዓጽዮሙሉ ዘለዉ ግዜ ካብቲ ሕማቕ ዝበለጸ ነገር ከውጽ ኡ ምዒዱ።

ኣብ ገዛ ብኸመይ ናይ ትምህርቲ ሃዋሁው ትፈጥር ድማ የብርህ

ንደቅኹም ናይ ትምህርቲ ዩኒፎርም ከምዝለብሱ ግበሩ፡ እዚ ናብ ትምህርቲ ይኸይድ ኣለኹ ዝብል ስምዒት ክፈጥረሎምዩ፣ ናይቲ መዓልቲ መደብ ኣውጽእ፡ ንስራሕ ትምህርቲ ዝኸውን ዉሱን ከባቢ ኣብ ገዛኹም ህበሩ ኣብናይ ሚሸት ዘሎ ሰዓታት ፈጠራዊ ስራሓት ዝሰርሕሉ ነገራት ፍጠርሎም። ነገራት ዕረፍቲ ክህልዎም ኣብ መንጎ መንጎ ገለምንቅስቓሳት ወይ ምምጥላዕን ምስ ኣተሓሳስባ ዝተኣሳሰሩ ልምምዳት ምግባር።

Ramesh Kumar ነቲ ኣብ Victoria ዝመደበሩ ዝመርሕ እዩ እቲ ናቱ ትካል ዝድግፎም ተመሃሮ ዝተፈልየ ኩነታት ከምዝገጥሞም ይገልጽ።

ብዙሃት ዓማዊል ናይ Kumar’s ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ኣብዚ ሃገር ጸብለል ንኽብሉ ሓሲቦም እንተኾኑኳ ካብ ስራሕ ደው ምባል፡ ማሕበራዊ ምግላልን ብሰንኪ ኮቪድ 19 ኣብ ገዛ ኮይንካ ምምሃር ኣብ ስድራቤታት ተወሳኺ ጾር ከምዝኾነ ይዛረብ

ካብ ሓደ ገዛ 4 ቆልዑ ናብ ትምህርቲ ዝኸዱ እንተኔሮም፡ እሞ ድማ እኹል ቦታ፥ እኹል መሳርሒ ን ኣብነት ንነፍሲ ወከፍ ላፕቶፕ ዘድሊ እንተዘይተረኺቡ፡ ን ዓበይቲ ቆልዑ እሞ ድማ ኣብ ካል ኣይ ደረጃ ትምህርቲ እንተልዮም፡ እቲ ብዝሒ ስራሕ ክብድ ዝበለዩ፡ ብተወሳኺ ወለዲ ክሕግዙ ዓቕሚ ስለዘይብሎም  ነቶም ነኣሽቱ ኣሕዋቶም ክሕግዝዎም. ስለዚ ገዛእ ርእሶምን ንነኣሽቱ ኣሕዋቶም ክሕግዙ ስለዘለዎም እቲ ጸቕጢ ይገንን እዩ።

እዚ ትካል ምስ   ተጻሚዱ ምስ ናይ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲታት ብምትሕብባር ነቶም ካብ ገዛ ኮይኖም ዝመሃሩ ተመሃሮ ናውቲ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝተሓጋገዝ ዘሎ እዩ።

እቶም ኣብ ገዛ ኮይኖም ዝመሃሩ እሞ ወለዶም እንግሊዝ ዘይዛረቡ እንተኾይኖም ገዛእ ርእሶም ክኽእሉ ኣለዎም ክብል Kumar ይገልጽ

ብዙሃት ወለዲ ምናልባት ግቡእ ትምህርቲ ክመሃሩ ዕድል ዘይረኸቡ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ እዚኣቶም ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ትምህርቲን እቲ ስርዓተ ኣመሃህራ ከመይ ከምዝሰርሕ ከይርድ እዎ ይኽእሉ እዮም።

Kumar ብትወሳኺ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ እቶም ብስደት ዝመጹ ተመሃሮ ማዕረ እቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተወልዱ መማህርቶም ኣይኮኑን ኣብ ትምህርቶም ብምሉእ ሓይሎም ክውፈዩ ዘኽእሎም ኩነታትውን ከይህልዎም ይኽእልዩ።

ናይ ገለ ፍሉያት ማሕበረሰባት ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ዝዓበየ ብድሆ ዝገጥመን ኣሎ፡ ምኽንያቱ እዘን ተመሃሮ ካብትምህርተን ምስተመልሳ ኣዴታተን ኩሉ እቲ ናይ ገዛ ስራሕ ስለዘስርሐአን ነቲ ናይ ገዛ ዕዮ ትምህረትን ክሰርሓውን ግዜ ኣይረኽባን።  ወለዲ ምስ  Centrelink ዘለዎም ጉዳይ ናብ ኡ ከይዶም ከሳልጥዎ እንተዘይኪኢሎም  ደቆምዮም ነቲ ነገር ተርጉሞም ክሰርሕሎም ትጽቢት ዝግበረሎም። ኣብዚ እዋን ከም ናይ ኦንላይን ባንክ፡ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ እቶም ደቆምዮም ክገብርዎ ዘለዎም ፡ ስለዚ ነቶም ብስደት ዝመጹን ካብ ኢንግሊሽ ዘይኮነ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ወለዲ ዘለዎም ተደራራቢ ጾር እዩ ዘለዎም።
Online learning
Source: GettyImagessvetkid
Southern and Migrant Refugee Centre ተመሃሮ ኣብ ዉሽ ኢት ትምህርቶም ክሕይሉ በቲ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ብ ኦንላይን ዝወሃብ   ኣቢሉ ተመሃሮ ይሕግዝ ኣሎ።

እቶም ናትና ሓገዝቲ ትምህርቲ ወይ tutors ንርእሲኦም ካብ ቋንቋ እንግሊሽ ድሕረ ባይታ ዘይኮኑ እዮም፡ ስለዚ ከምቲ ናቶም ተመኩሮ ዘለዎም እዮም። እንታይ ማለት ከምዝኾነ ዝፈልጡ እዮም፡ ተመኩሮ ናይ ምምሃር ስለዘለዎም ኣብ ገዛ እንታይ ከምዘድሊ ዝፈልጡ እዮም።

ናይ ቁጽሪ መምህር ዝነበረ ኣብ ጥሮታ ዘሎ Walter Valles ሓደ ካብቶም ተሓጋገዝቲ ምምሃር እዩ

ንሱ ኣብ 2010 ጥሮታ ካብዝወጽእ ኣትሒዙ ከም ናይ homework tutor ኮይኑ ንተመሃሮ ካል ኣይ ደረጃ ተመሃሮ ብወለንታ ክሕግዝ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብዚ ቅሩብ እዋን ትምህርቲ ናብ ኦንላይን ምስተቐየረ ነቲ ንተመሃሮኡ ዝህቦ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ብዙም ተሓጊዙ ይገብሮ ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ ወትሩ ናይ ምምሃር መስርሕ እዩ እንተኾነ ባህጊ ናይቶም ብስደትን ብዑቕባን ዝመጹ ተመሃሮኡን ስድራቤታትን ስርሑ ንክቕሽል ከምዝደፍ ኦ ይዛረብ

በቶም ዝሕግዞም ዘለኹ ተመሃሮ ኣዚየ እየ ዝድነቕ። ዘለዎም ጽም ኣት ናይ ፍልጠት። ንክመሓየሹ ዘለዎም ህንጡይነት፡ ን 30 ዓመታት ኣብዝመሃርክሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ጽም ኣት ኣብቶም ኣብዚ ዝውለዱ ተመሃሮ ኣይረኣኹን።

ኣብ New Zealand’s ኣብ 2010 ን 2011 ድሕሪ ዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ መሬት Christchurch ተመሃሮ ንሰሙናት ኣብ ገዛ ኮይኖም ዝተማህርዎ ዝሓሸ ዉጽ ኢት ከምተረኽቦ ኪኢላታት ትምህርቲ ገምጊሞም። Mona Perez ውን ልክዕ ከምዚ ዉጽ ኢትያ ኣብ ትምህርቲ ናይ ደቃ ር እያ።

ብርግጽ ካባይ ዝያዳ ኣድህቦ እዮም ረኺቦም። ዝያዳ ድማ ሓደ ንሓደ ኣቓልቦ ረኺቦም፡ በዚ ድማ ገለ ጸገም እንተጋጢሙ ብዝቐልጠፈ ከምዝፍታሕ እዩ ዝግበር። ጓለይ ኣብትምህርቲ ኣጸጋሚ ዝነበረ ናይ ቁጽሪ ፍልጠታ ተመሓይሹ ኣሎ፡

ወለዲ መምሃራን ከምዘይኮኑ ክፈልጡ Valles ብምትሕስሳብ ነገራት ብቐሊል ክተሓዙ ይምዕድ

ንወለዲ ዘለኒ መልእኽቲ፡ ተመሃሮ ጸቕጢ ከይስምዖም ከቕልሎም፡መማህራኖም ክከታተሉ ምትብባዕን ጸቕጢ ኣብዝስምዖም ከፋኹስሎም ምፍታን። እቲ ዝበለጸ ወለዲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር እዚ እዩ።
Home schooling
Source: Getty Images
ኣብ New South Wales ዝርከቡ ተመሃሮ ካብ 11 ግንቦት ኣትሒዞም ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ምምሃር ዝጅምሩ ኮይኖም፡ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ምሉእ ግዜ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ክመሃሩ እዮም።

ኣብ ምዕራብ Australia, ነቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ክመሃሩ ዝደልዩ ንኹሎም ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ክመሃሩ ተጌሩ ኣሎ። 

ኣብዚ ናይ ተርም 2 እዋን ኣብ ቪክቶሪያ ኩሎም ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ገዛ ኮይንካ ምምሃር ክቕጽልዩ፡ እቶም ካብ ገዛ ኮይኖም ክመሃሩ ዝኽእሉ ብ እ ኡ ክቕጽልዎ እዮም። ኣብ  መባእታ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ካብ 26 ግንቦት ናብ ትምህርቶም ከይዶም ክመሃሩ ዝኽእሉ ኮይኖም ኩሎም ተመሃሩ ካብ 9 ሰነ ናብ ቤት ትምህርቶም ከይዶም ክመሃሩ ይኽእሉ።

ኣብ Tasmania ብዝከኣል ተመሃሮ ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ትምህርቶም ክቕጽሉ ተሓቲቶም ኣለዉ።

ናይ South Australia ተመሃሮ ኣብቲ ክፍለግዝ ኣት መጠን ለበዳ ትሑት ስለዘሎ ናብ ቤት ትምህርቶም ክምለሱ መጸዋዕታ ተጌሩ ኣሎ።

ኣብ Northern Territory ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቶም ከይዶም ክመሃሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

ኣብ Queensland’s ተመሃሮ prep, ቀዳማይ ክፍሊ, ናይ 11 ን 12 ተመሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ 11 ግንቦት ተኸፊትሎም ኣሎ። ካብ 2ይ ክፍሊ ክሳብ 10ይ ዘለዉ ተመሃሮ ኣብ ገዝ ኦ ም ኮይኖም ክመሃሩ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ብ ኡ ክቕጽሉ ተነጊርዎም ኣሎ።

ኣብያተ ትምህርቲ A CT ክሳብዚ መወዳእታ ናይዚ ተርም ትምህርቶም ካብ ገዝ ኦም ክከታተሉ ዝተገብረ ኮይኑ 9 ኣብያተ ትምህርቲ ነቶ ወለዶም ኣብ ኣድላዪ ስራሓት ዝሰርሑ ንተመሃሮ ኣብ ምክትታል ይርከቡ።

ንዛያዳ ሓበሬታ ትውከስሉ መርበብ ሓበሬታታት ኣብ መርበብ ሓበሬታና፡ ኣብ sbs.com.au/tgrinya

 

ACT

 

NSW

 

Northern Territory

 

Queensland 

 

South Australia 


 

Tasmania

 

Victoria:

 

Western Australia:


Share
Published 13 May 2020 6:28pm
Updated 13 May 2020 6:55pm
By Amy Chien-Yu Wang


Share this with family and friends