Key Points
- Greens senator Lidia Thorpe has resigned as the party's deputy leader in the Senate.
- It follows reports she was in an undisclosed relationship with a ex-bikie boss while on a parliamentary committee.
ናይ ግሪንስ ፓርቲ ሴናተር ዝነበራ ናይ ፓርላማ ሓላፍነትን የፍቕራዊ ዝምድናን መስመር ዝጠሓሰን ምስ ሓላፍነታ ዘይከይድ ብምዃኑ ዝፈጸመቶ ተግባር "ጌጋ" ብምዃኑ ኣሚና ብምቕባል ናይ ፓርላማ ሓላፍነታ ብገዛእ ፍቓዳ ከምዝሓደገት ኣፍሊጣ።
ይኹን እምበር ኣብ ሰልፊ ግሪንስ ናይ ቀወምቲ ዜጋታት ጉዳይ ተጸዋዕነታ ክትቅጽል እያ።
ናይ ሴናተር ቶርፕ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ምስ ሓደ ብገበን ተጠርጣሪ ናይ ቀደማ ኣባል ጉጅለ ሞተር ብሽክለታ ብዝጸንሓ ናይ ፍቕሪ ዝምድና ምስቲ ዘለዋ ናይ ፓርላማ ናይ ሕጊ ኣኽባሪ ኮሚቴ ኣባልነት ዝጻረር ምዃኑ እንተተነግራ'ኰ እቲ ናይ ፍቕሪ ዝምድናኣ ብምቕጻላ እያ ኣብዚ ክትወድቕ ተገዲዳ ዘላ።

Greens leader Adam Bandt. Source: AAP
ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ኣውስትራሊያ
ናይ ኣውስትራሊያ ወግዓዊ ስራሕ ኣልቦነት ቁጽሪ 3.5 ሚእታዊ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራሊያ ሎሚ ወግዓዊ ኣብዝገበሮ ጸብጻብ ዝሓለፈ ወርሒ 900 ሓድሽ ስራሕ ተፈጢሩ ኔሩ።
ብምኽንያት ሕማም ናይ ሓኪም ፍቓድ ብምርካብ ካብ ስርሖም ዝቦኹሩ ቁጽሪ ሰራሕተኛታት'ውን ጎዲሉ እዩ።
እንተኾነ ናይ ስራሕ ሚኒስትር ቶኒ በርክ፤ ኣብ ወርሒ መስከረም እቲ ናይ ስራሕ ምስኣን ቁጽሪ ዘርእየና ኣብ ዕብየት ደሞዝን ኣብ ምስኣን ስራሕን ምጉዳል ቁጽሪን ዘሎ ዝምድና ዘይምስናዮም እዩ ኢሉ።