ነበርቲ ከተማ ሲድኒ ኣብ ገለ ህዝባውያን ቦታታት ኣብ ውሽጢ እንተሃልዮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ኣለዎም

ነበርቲ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) (ንዎሎንጎንግ፡ ስነትራል ኮስትን ብሉ ማውንተይንስን ወሲኽካ ማለት’ዩ) ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገለ ቦታታት ኣብ ውሽጢ እንተሃልዮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከድልዮም’ዩ፡ ኣብ ዓበይቲ መሸጣ ዱካናት (ሱፐር ማርኬትስ)፡ ማእከላት ዕዳጋ (ሾፒንግ ሰንተርስ)፡ ሲነማታት፡ ትያትራት፡ ህዝባዊያን መጓዓዚያታት፡ ሳሎናት ስነጽባቐን መስተኻኸሊ ጸጉርን፡ ቦታታት ኣምልኾን ቦታታት መጻወቲ ግጥማት ኮምፒውተርን።

Father helps daughter with mask -  Getty Images - Morsa

Source: Getty Images - Morsa

ካብ ሶኑይ 4 ጥሪ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባር $200 መቕጻዕቲ የስዕብ። ትሕቲ 12 ዝዕደመኦም ህጻናት ክሽፈኑ ናይ ግድን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝከኣል ኣብ ዝኾነሉ፡ ኩሉ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ሰብመዚ ኒው ሳውዝ ዌልስ የተባብዑ።

ኩሎም ኣብ ምቕባል ኣጋይሽ ዝሰርሑን ሰራሕተኛታት ቤት ቁማር (ካሲኖ)ን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ይድለ።

ቦታታት ኣምልኾ፡ መርዓታትን ቀብርታትን እንተበዝሐ 100 ሰባት ክህልውዎም ገደብ ተገይርሎም ኣሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣርባዕተ ትርብዒት ሜትሮ ክህሉ ዝብል መምርሒ’ውን ከተግብሩ ተወሲንዎም ኣሎ። ኣዳራሻት ለይታዊ ትልሂት ምሉእ ብምሉእ ተኸልኪሎም ኣለው። ናይ ምህናጽ ኣካላት ወይ ጂምናስቲክስ (ጂም) ክፍለ ትምህርትታት ካብ’ቲ ተፈቒድሎም ዝነበረ 50 ሰባት ናብ 30 ይወርዱ።

ኣብ ደገ ዝካየዱ ምርኢታትን ሰልፍታት ተቓውሞን እንተበዝሐ ናብ 500 ሰባት ከምዝጎድሉ ተጌሮም ኣለው፡ እቶም መቐመጢ ወናብርን ቲኬትን ዘለዎም ኣብ ደገ ዝካየዱ ዕጹዋት ምትእኽኻባት ናብ 2000 ሰባት እንተበዝሐ ጎዲሎም ኣለው።

ንግዝኣትኩም ወይ ምምሕዳራዊ ዶብኩም ዝምልከቱ እዋናዊ መምርሒታት ኣብ’ዚኦም ተመልከቱ፡


 

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም/ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ናብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም  


Share
Published 4 January 2021 8:23am
By SBS Radio
Source: SBS


Share this with family and friends