መቐለ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ክንሕዛ ኢና - ሊዩተናንት ጀነራል ሓሳን ኢብራሂም

ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ መቐለ ገጾም ንምግስጋስ ኣብ ዘካይድዎ ዘለው መጥቃዕቲ ብዓወት ንግስግስ ኣለና ኢሎም።

Mekelle view from the university side

Source: Wikipedia

ሓደ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ምልሻን ትግራይ ከምዝተጀመረ ድሕሪ ምእዋጁ መቐለ ንምሓዝ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ገለ ንኣሽቱ ከተማታት ሒዝና ኣለና ክብል መንግስቲ ምግላጹ መደበራት ዜና ኢትዮጵያ ዓርቢ ገሊጸን። 

ሊዩተናንት ጀነራል ሓሳን ኢብራሂም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፈደራል ሓይልታት ንውቕሮ ተቖጻጺሮማ ኣለው ድሕሪ ምባል መቐለ ኣብ ዝመጻ ሒደት መዓልታት ክቆጻጸራ'ዩ ከምዝበለ ሮይተርስ ጸብጺቡ። 

እዚ መንግስቲ ዝሃቦ መግለጺ ግን ብኻልኦት ነጻ ዝኾኑ ምንጭታት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝጅመር ርክባት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣብ ክልል ትግራይ ተዓጽዮም እዮም።

እዚ ኲናት ዝቕጽለሉ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ዝርርብ ዝበሃል የለን ኢሉ ደጊሙ ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን እዩ።

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ይነብሩ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ግብረሰናያዊ ማሕበር ዓለምለኸ ኮሚተ ኣድሕን (ዘ ኢንተርናሽናል ረስኲ ኮሚተ) እቲ ክስዕብ ዝኽእል ሰብኣዊ ዕንወት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።

ኣፈኛ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት (ው. ሕ. ሃ) ፋርሓን ሓቕ ዋና ጸሓፊ ው. ሕ. ሃ. ኣንቶንዮ ጒተረዥ ኣድላይነት ምርግጋጽ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ቀረባት ረዲኤትን ኣስሚሩ ተዛሪብሉ ክብል ዝሓለፈ ዓርቢ ገሊጹ። 

ቫቲካን ኣብ ዘውጽኦ ሓደ መግለጺ ጳጳስ ፍራንሲስ እቲ ኲናት ከብቅዕን ነቲ ጸገም ንምፍታሑ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን ከምዝጸውዑ ኣመልኪቱ። እቶም ጳጳስ ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ንሰላማውያን ሰባት ክከላኸሉ ጸዊዖም። 


Share

Published

Updated


Share this with family and friends