ጂዮርጊያ ሜሎኒ ፡ ብቐዳም ምስ ጕጅለ ካቢነ ሚኒስተራ ኰይና ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ቃል ማሕላ ፈጺማ። ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም እታ ሃገር ብሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ክትምራሕ ዝገበረ ፍጻመውን ኔሩ።
ንሳ ብፍላይ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት እያ ከም መራሒት ጣልያን ኮይና እትኣቱ ዘላ። ኣብ ኢጣልያ ዝነበረ ዕዳ ዘስዓቦ ቝጠባዊ ቅልውላው ፡ እንደገና ናብ ቁጠባዊ ዕንወት እዩ ዝመርሕ እዩ፣ ኣብቲ ናታ ጥሙር ሰልፊ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምክፍፋል ዘሎ ኮይኑ፡ ዋጋታት ነዳዲ ሰማይ ኦኣሪጉ ይርከብ ።
ሚስ ሜሎኒ ኣብ ቅድሚ ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታረላ ፡ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ኪሪናል ፡ ኣብቲ ሰፈር ጳጳሳትን ነገስታትን ኢጣልያ ዝነበረ ተረኺባ'ያ ቃለ-ማሕላ ፈጺማ ።
እቶም ድሕሪ ፋሽሽታዊ ስርዓት ሰልፊ ኣሕዋት ኢጣልያ ዩሮሰፕቲክን ጸረ-ስደተኛታትን ፡ ኣብቲ ብ25 መስከረም ዝተገብረ ምርጫ ዝተዓወቱ ኮይኑ፡ መንግስቲ ንምምስራት ግን ካብ ደገ ደገፍ የድልዮም ነበረ ።
ሚስ ሜሎኒ ፡ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ቁጠባ ዩሮዞንን ነቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ዘይጸንሑ ኣሕዋት ጥልያንን ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 26 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ዝተዓወተ ኮይኑ ፡ ምስ ሸሞንተ ሚእታዊት ድምጺ ፡ ትሽዓተ ሚእታዊትን ዝረኸቡ መሻርኽታ ፎርዛ ኢታልያ ከምኡ 'ውን ንናይ ሕሉፍ የማናይ ሊግ ክወዳደር ከሎ ሰልፋ ዓብሊሉ'ዩ ወጺኡ።
ቅድሚእታ ቀኣመይቲ ሚኒስተር ን ኣኼባ ባይቶ ምምራሕ ምጅማራ፡
ሰንበት ወግዓዊ ምርኽኻብ ስነስርዓት ምስግጋር ስልጣን ካብ ድራጊ ናብ መሎኒ ጽምብል ክግበር እዩ ።
'
Additional reporting: Reuters