ምሉእ ብምሉእ ዝኽተቡ ኣውስትራሊያዊያን ካብ ሃገር ንኽወጹ ፤ ፍቓድ ምሕታት ኣየድልዮምን ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ፡ ካብ 1 ሕዳር ኣትሒዙ ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር በረራታት ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጹ እዩ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሲንጋፖር ኣውስትራሊያዊያን ካብ 8 ሕዳር ጀሚሮም ብዘይ ውሸባ ናብታ ሃገር ክጉዓዙ ከምትፈቅድ ኣፍሊጣ ኣላ።
ሚስተር ሞሪሰን ንኔትዎርክ ሰቨን ፡ "ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣውስትራልያውያን ፡ ድሮ ነቲ ዓለምለኻዊ ወረቐት ምስክር ክታበት ኸሕዙ ክኢሎም እዮም" በለ ።
"ሕጂ ምስቲ ምስ ሲንጋፖር እተገብረ ናይ ኣሰራርሓ መሰናድዎ ንምትግባር ንቀራረብ ኢና ።"

You'll need to use an International COVID-19 Vaccination Certificate to travel overseas. Source: Getty Images/ d3sign
"ኣውስትራሊያዊያን ምስ ሰቦም ክራኸቡ ንደሊ ኢና ፤ ናይ ዕለት ልደት፣ ናይ መርዓ ይኹን ናይ ቤተሰብ ምብጻሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ።" ሚስተር ሃንት
ኣውስትራሊያውያን ሙሉእ ብሙሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ወይ ተቐባልነት ዘለዎ ክታበት ከምዝረኽቡ ምርግጋፅ ከድልዮም እዩ ።
እቲ ካልኣይ ክታበት ዶዝ ፡ ጕዕዞ ቅድሚ ምጅማሩ እንተ ወሓደ ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ ክኸውን ኣለዎ ።
ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ ሰባት ጥራይ ክታበታት ተቐባልነት ዝረክብ እኳ እንተኾነ ፡ እቲ ናይ ጉዕዞ ለውጢ ግን ትሕቲ 12 ዓመት ንዝኾኑ ህጻናት እውን ዝምልከት እዩ ።
እቶም ዘይተኸተቡ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምጉዓዝ ገና ፍቓድ ከውጽኡ ከድልዮም እዩ ።
ናይ ኣውስትራሊያ ዜጋታት ፤ ነባራይ ነባራይ ህዝብን ስድራን መጀመሪያ ናብ ሃገር ክኣትዉ ይኽእሉ ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካረን ኣንድሪውስ ፡ መንግስቲ ነቶም ክኢላታት ሰራሕተኛታትን ኣህጉራዊያን ተመሃሮን ኣብ መወዳእታ ናይ "ዚ ዓመት" ዚ ክቕበሎም ይደሊ ከምዘሎ ገሊጻ ።
"ኣውስትራሊያዊያን ምሉእ ብምሉእ ክኽተቡ ምስ ጀመሩ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናውን ኣዋርሕን ተወሳኺ ቀይድታት ንኽውሃበኒ ብሃንቀውታ እጽበ" ኢላ ።
"መንግስቲ ሞሪሰን ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ብዙሓት ምሉእ ብምሉእ ክታበት ዝረኽቡ ሰባት ሓንጐፋይ ኢሉ ንምቕባል ድሉው እዩ ።"
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተዋህበ ቀዳማይ ክታበት ፡ ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ መጠን ከምዝሓለፎ ገሊጹ።