ሓደ መንእሰይ ብምቕታሉ ህዝባዊ ናዕቢ ኣለዓዒሉ ኣብ ዘሎ፡ ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝግበር ጎስጓስ ግጭታት የስዕብ ኣሎ ኢሉ።

ኢማኑዌል ማክሮን መንእሰያት ብጸወታታት ቪድዮን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተጸልዮም እዮም ፣ እዚ ኣብ ፈረንሳ ዓብዪ ናዕቢ ተራእዩ ዘሎ ኢሉ ።

Protesters march with a flag that says "Justice and truth for Nahel"

ተቓወምቲ፡ "ፍትሕን ሓቅን ንናሀል" ዚብል ባንዴራ ሒዞም እናመርሹ ። ኣብ ወሰናስን ከተማ ፓሪስ ኣብ ሓደ ናይ ትራፊክ ደው መበሊ ማካይን ብሓደ ፖሊስ ተተኲሱሉ ድሕሪ ምሟቱ: ኣብ መላእ ፈረንሳ ናዕቢ ኣለዓዓለ ። Source: AAP / SOPA Images/Sipa USA

ዓርቢ ፡ ፈረንሳ 45,000 ዝዀኑ ኣባላት ጸጥታ ብፈኲስ ድሩዓት መኻይን እናተሓገዙ ፡ ንራብዓይ ለይቲ ዝቐጸለ ሓያል ተቓውሞታት ንምህዳእ ምስ ተሳተፍቲ ናዕቢ ይገጥሙ ኣለዉ ።

ኣሃዱታት ፖሊስን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን ፡ ነቲ ብሰሉስ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ቅትለት ንምህዳእን ኣብ መላእ እታ ከተማ ተዋፊሮም ኣለዉ ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ፡ ካብ ዋዕላ ኤውሮፓዊ ሕብረት ተመሊሱ ፡ ነቲ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ፡ "ሞት በጽሒ ምኽንያት ገይርካ ዝግበር ዕግርግር ቅቡል ኣይኰነን" ብምባል ነቲ ናዕቢ ዀኒንዎ ።
A person in all black running past fire and smouldering cars.
A demonstrator runs on the third night of protests sparked by the fatal police shooting of a 17-year-old driver in the Paris suburb of Nanterre, France. Source: AAP / Aurelien Morissard/AP
ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርአ ናይ ዓመጽ ጎስጓስ፡ ከምኡ ነቲ ባይታ ከም መተኣኻኸብን መወዳደብን ይጥቀምሉ ስለ ዘለዉ ፡ ትካላት መንግስቲ ኣብ ከም ስናፕቻትን ቲኪቶክን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ኣዝዩ" ተኣፋፊ ትሕዝቶ "ንምውጋድ ከም ዝሓትት ገሊጹ ።

"ሓድሓደ ግዜ ፡ ገሊኦም (መንእሰያት) ኣብ ጐደናታት እቲ ሰማሚ ጸወታታት ቪድዮ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ ዝብል ስምዒት ኣሎና ።"

ብዘይካዚ ፡ ንወለዲ ፡ ነቶም ሓደ ሲሶ ዝዀኑ "ኣዝዮም ንኣሽቱ " ትሕቲ ዕድመ ንዝዀኑ መንእሰያት ኣብዚ ኩነታት ከይሳተፉ፡ ሓላፍነት ክስከሙ ተማሕጺንዎም ።

ንምንታይ እዩ ኣብ ፈረንሳ ናዕቢ ዝግበር ዘሎ

ናሔል ዝበሃል ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ነቲ ፈረንሳ ንዝጸንሐ ፖሊስን ዓሌታዊ ኣተሓሕዛን ነቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ኣድልዎ ምግባርን ዝጸንሐ ዘይዕግበት እዩ ነቲ ዘይምርግጋእ ኣስዒቡ።

ኣብቲ ብቪድዮ እተዘርግሐ ስእሊ ናሄል ኣብ ናይ ትራፊክ ደው መበሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ድሕሪ ምማቱ ፡ ፈረንሳ ንተኸታታሊ መዓልታት ብናዕቢ ተቓውሞታት ተንዓብ ኣላ ።
A very large crowd of people.
Crowds of protesters march to demand justice for Nahel. Credit: SOPA Images/Sipa USA
እታ ብAFP እተረጋገጸት ቪድዮ ፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ጐድኒ እታ ደው ኢላ ዝነበረት ማኪና ደው ኢሎም ከም ዝነበሩን ፡ ሓደ ካባታቶም ከኣ ጠበንጃኡ ናብቲ መራሕ ማኪና ከምዘቐንዐ የመላኽት ።

"ኣብ ርእሲኻ ጥይት ክኣትወካ እዩ" ዝብል ድምጺ ድማ ይስማዕ ።

ሽዑ እታ መኪና ሃንደበት ክትውንጨፍ ክትብል እቲ ኣባል ፖሊስ ብጥይት ተኲሱላ ። እቲ ኣባል ፖሊስ ፡ ብፍታው ቅትለት ከም ዝፈጸመ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ እዩ ።
ሞኒያ ኣደ ናሄል ኣብቲ ካብቲ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ቃለ-መጠይቕ ፡ ንፈረንሳ 5 ተለቪዥን ፡ "ንፖሊስ ኣይወቕሰን እየ ፣ ንሓደ ሰብ እየ ተሓታቲ ዝገብር ንሱ ድማ ነቲ ህይወት ወደይ ዝወሰደ ሰብ እየ ተሓታቲ ክኸውን ዝደልይ" ኢላ ።

The mother of a 17 year old victim of a police shooting looking overcome with emotion at a protest for her son.
Nahel's mother raises her fist as she attends a march in the memory of her 17-year-old son who was killed by French Police. Source: AAP, EPA / Yoan Valat
እቲ ብሓሙስ እናፈለጠ ሰብ ብምቕታል ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝርከብ ወዲ 38 ዓመት ፖሊስ ፡ "ገጽ ዓረብ ፡ ንእሽቶ መንእሰይ ርእዩ ፡ ህይወቱ እውን ክወስድ ደለየ" በለት ።

ብመሰረት ኣብ ከተማከተማ ፓሪስ ከንቲባ ክፍለ ከተማ ናንተርሬ- እብቲ ንሱ ዝቕመጠሉን ዝተቐትለሉን ስነስርዓት ቀብሩ ክፍጸም እዩ ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጀራርድ ዳርማኒን ንቴሌቪዥን TF1 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: ካብቶም ብዓርቢ ተዋፊሮም ዘለዉ 45,000 ሓይልታት ጸጥታ፡ ካብ ፖሊስ ን ካብ ኮማንዶ ሓይሊ ምዃኖም ገሊጹ ።


A firework explodes on a number of police officers amidst a protest.
Protesters lob fireworks at police officers during a second night of rioting in Nanterre following the death of a 17-year-old at a roadside check. Source: AAP, ABACA, Press Association / Poitout Florian/Alamy

Share
Published 1 July 2023 11:36am
Source: SBS, AFP


Share this with family and friends