ብምጥልቕላቕ ወሓይዝ ዝተጸልዋ ከተማታት ኒው ሳውዝ ወልስ መስርሕ ምጽራግ ተጀሚሩ፡ ካልእ ተወሳኺ ሞት ተፈጢሩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማታት ዋጋ ዋጋን ፎርብስን ሰፊሕ ናይ ጽሬት ጻዕሪ ኣብዝጅመረሉ፡ ዝበዝሑ ማሕበረሰባት ኣብ ምዕራብ NSW ሓደጋ ዕልቕልቕ የጋጥሞም ።

An SES vehicle unloads a jet ski into floodwaters

ፎርብስ ሓንቲ ካብ ከተማታት NSW በዚ ዉሕጅ ዝተጸልዋ እየን። Source: AAP / LUCY CAMBOURN

Key Points
  • ብዕልቕልቕ ዝተሃሰዩ ማሕበረሰባት NSW ኣብዚ ሰሙን "ዚ ዓቐን ማይ እናጎደለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ዓቢ ናይ ጽርየት ስራሓት ይግበር ።
  • ገለ ነበርቲ ነቲ ዝወረደ ጉድኣት ንምግምጋም ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ኣለው ፡ ሰበስልጣን ግን እቲ ጉድኣት ምሉእ ንምሉእ ክዕቀን ኣይክእልን እዩ ይብሉ ።
  • ኣብ ፕሮሶክ ክሪክ እውን ካልእ ሬሳ ተረኺቡ እዩ ፣
ብዕልቕልቕ ዝተሃሰዩ ማሕበረሰባት NSW ኣብዚ ሰሙን "ዚ ማያት ቀስ ብቐስ እናጎደለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋንን ኣተኩሮ ናይ" ቲ ቅልውላው ናብ ካልኦት ማእከላይ ከተማታት ምዕራብ እናተቐየረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋንን ዓቢ ናይ ምጽራይ ወፈራ ጀሚሩ ኣሎ ።

እቲ ናይ ግዝኣት መንግስቲ ንሰሙናት ዝኣክል ኣብ ከተማታት ፎርበስስን ዋጋ ዋጋን ዝሃረመ ህጹጽ ኵነታት ኩነታት ኣብዝሰርሓሉ እዋን ፡ ብ ሰንበት 101 ዝኸውን መጠንቀቕታታት ምዕልቕላቕ ማይ ተዋሂቡ።

ኣብ ፎርብስ ዝርከብ ፈለግ ላችላን ፡ ቀዳም 10.7 ሜትሮ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ፡ ኣብ 1952 ካብ ዝተመዝገበ ክብረ ወሰን ቍሩብ ትሕት ኢሉ ይርከብ ፡ ደቡብ ኣብ ዋጋ ዋጋ ዋግበርግ ናይ ሙሩዝጅድ ሩባ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ዝለዓለ ኣብ 9.72ሚ.ሜ ጥርዚ ኣብጺሑ ።
ብሰንበት መጠን ማይ ምስ ነከየ ፡ ገለ ተቐማጦ ናይተን ዝተጎድኣ ከተማታት ናብ መረበቶም ተመሊሶም ነቲ ጕድኣት ክግምግሙ ጀሚሮም ኣለዉ ። ይኹን እምበር ፡ናይቲ ግዝኣት ኣገልግሎት ህጹጽ ኩነታት ፡ ነቲ ኩነታት ንምዕቃን ግዚኡ ከምዘይኣኸለ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ካብ ቦዋ 50 ኪ.ሜ. ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ፕሬሶንስ ክሪክ፡ ፖሊስ ብሰንኪ እቲ ዕልቕልቕ ካልኣይ ዝሞተ ሰብ ረኺቡ ።
ፖሊስ ብ ሓሙስ ናይ መጀመርታ ሬሳ ዝረኸበ ኮይኑ ። እቲ ሬሳ ብወግዒ መንነቶም እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ፡ እቶም ሰባት ግና ካብቲ ከባቢ ከም እተፈልዩ እዮም ዝኣምኑ ፣ ፖሊስ ድማ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕ ኣብ መፈጸምታኡ ኣብጺሖሞ ኣለዉ ።
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልትታት ፡ ኣብ ካራራት ዝህሉ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ካብ መፋርቕ ሕዳር ኣትሒዙ ናብ ሃይ ዝውሕዝ ማይ ክህሉ ከም ዝኽእል ፡ ንማሕበረሰብ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ እዩ ።
እታ ኣብ ፈለግ ላክላን ተደኲና እትርከብ ኣስታት 3,500 ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ኮንደቦሊን እውን ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ብከቢድ ዝናብ ኽትዕለቕልቕ ከም እትኽእል እዩ ትጽቢት ዘሎ ።
ፕሪሜር ዶሞኒክ ፐሮታይ ከምዝገለጾ ፡ ሰበ-ስልጣን ሰንበት ካብቲ ኣብ ሊስሞረ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ኣብ ናይ ምዕልቕላቕ ግብረ-መልሲ ብዝሓሸ ተዳልዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ ፣ ካብኡ 50 ኣባላት ምክልኻል ኣብ ፎርብስ ፡ ሞኣማን ሞሬን ኣብ ምድሓን ክሕግዙን ከጽርዩን ዘለዎም ቅልጡፍ ምውፋር እዩ ።
እዚ ክኸውን ከሎ ፡ ኣብ ባትረስት ፡ ሊትጎጎ ፡ ኦበርን ዋለራዋንግ ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ፈለግ ማካኩሪ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ሻምብቆ ጋዝ ምስ ተበላሽዩ ፡ ኣስታት 20,000 ነበርቲ ብዘይ ውዑይ ማይን ጋዝን ተሪፎም ኣለዉ ።
ምክትል ፕሪመር ሊግ ፖል ቶለ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ዋና መስመር ሻምብቆ ጋዝ ዝዀነ APA Group ፡ ቀረብ ጋዝ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንምምላስ መፍትሒ ኣብ ምግባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ኣብ ዶብ ቪክቶርያ ፡ ሰንበት ልዕሊ 40 ዝኸውን ናይ ውሕጅ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ እዩ ።

Share

Published

Source: AAP


Share this with family and friends