ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዝተመጣጠነ መግቢ ምምጋብን ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልወካ መዓልታዊ ክልተ ነገራት ክትገብር ትኽእል ትብል ፕሮፌሰር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከምኡ'ውን ጥዕና ኣን ቲደማን ።
ብተወሳኺ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ፡ ምትካኽ ሽጋራ ምቍራጽን ምስ ሕብረተሰብ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎን የጠቓልሉ ።
1. ኣካላዊ ምንቅስቓስ
ፕሮፈሰር ቲድማን ከም ትገለጾ ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ጥዕና ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ብዕድመ ምስ ደፋእካ እውን ሕማም ከም ዘይስዕበካ ዘርኢ ብዙሕ መርትዖ ኣሎ ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ዝኾነት ክኢላ ፡ ሎሚ ወይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓደ ሰብ ዝገብሮ ነገራት ኣብ መጻኢ ኽጠቕሞ ከም ዝኽእል ትገልጽ።
ሓደ ውልቀ-ሰብ ክንደይ ዝኣክል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ከም ዘለዎ ብዚምልከት ፕሮፈሰር ቲድማን ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጽኦ መምርሒታት ጠቒሳ: እዚ ከኣ ከከም ዕድመኡ ከምኡውን ሓደ ሰብ ሕዱር ሕማም ወይ ስንክልና እንተ ኣልይዎ ኣብ ግምት ዘእቱ ዝሕብር እዩ ።
"ቀንዲ መልእኽቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ፡ ዕድመ ወይ ደረጃ ስንክልና ብዘየገድስ ፡ ንዅሉ ሰብ ዝጠቅም ምዃኑ እዩ ።
"ዋላ እኳ ነቲ ኣብ መምርሒታት ዝሰፈረ መጠን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከተማልኦ እንተ ዘይከኣልካ ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጠቓሚ ከም ዝዀነን ካብዚ ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ቍሩብ ዝዛይድ ምግባር ንጥዕናኻ ጠቓሚ ከም ዝዀነን እውን ንጹር ምርምር ንገብር ኢና ።"
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብእተፈላለየ መልክዕ ክመጽእ ከም ዝኽእልን እተቓነየ ስፖርት ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጉጅለ ክኸውን ከም ዘይብሉን ድማ ትገልጽ ።
"ንእግረ-መገድኻ ኣብ እትዘናግዓሉ ግዜ ክኸውን ይኽእል እዩ: ወይ ኣብ ገዛ እትዓዮ ዕዮ ክኸውን ይኽእል እዩ: ስለዚ ኣብ ገዛ: ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ትገብሮ ምንቅስቓስ: ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ጥዕና ዘምጽእ እዩ ።"
2. ዝተመጣጠነ መግቢ ምምጋብ
ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕማም ናብ ሓደጋ ዘእቱ ረቛሒታት ንምውሓድን ነቲ ናይ ምርሳዕ ስግኣተ-ሓደጋ ንምንካይን ዝተመጣጠነ መግቢ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ ትብል ፕሮፈሰር ቲደማን ።
ኣብ ኣመጋግባኻ ጽቡቕ ዓይነት መግቢ ምህላው ንኣካላትካ ሓይሊ ንምውሳኽን ኣዕጽምቲ ንምድልዳልን ሓያል ስምዒት ንምሕዳርን ጠቓሚ እዩ ።
"ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ ፣ እተመጣጠነ ምግቢ ምብላዕ ፡ ብዙሕ ዝተመስርሐ ምግቢ ዘይምብላዕ ፡ ሽኮር ዘይምብዛሕ ፣ እዚ'ዩ ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ዓብዪ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ።"
ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ኣመጋግባ መምርሒታት ብዛዕባ ዓይነትን መጠንን መግቢታት ፣ ጉጅለታትን ናይ ኣመጋግባ ኣካይዳ መረዳእታ ይህብ እዩ ።
ኣውስትራሊያዊያን ካብቶም ሓሙሽተ ጕጅለታት መግቢ እተፈላለየ መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ንኽምገቡ የተባብዖም። ከም ስብሒ: ጨው: ተወሳኺ ሽኮርን ኣልኮላዊ መስተን ዘለዎም መግብታት ምድራት ድማ ጽቡቕ ምዃኑ የረድእ ።
3. መጠን ኣልኮላዊ መስተ ደርት ምትካኽ ሽጋራ ኣቋርጽ
ፕሮፌሰር ቲደማን ፡ "ኣብ ኣነባብራና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ፡ ንብዙሕ ሕማማት ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ ንፈልጥ ኢና" በለት ።
ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም 3 ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ: ስንክልናን ጥዕና ሚልዮናት ሰባትን ከም ዝጐድል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ይገልጽ ።
ናይ ኣውስትራሊያ ትካል ጥዕናን ድሕንነት (AIHW) ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ኣብ 2020 1,452 ብሰንኪ ኣልኮል ዝሞቱ ሰባት መብዛሕትኦም (73 ሚኢታዊ) ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቲ ብ2020 እተኸለሰ መምርሒ ኣልኮላዊ መስተ ኣውስትራልያ ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዘስዕቦ ናይ ጥዕና ሓደጋታት ንምንካይ ዝሕግዝ መምርሒታት ኣውጺኡ እዩ ።
ብተወሳኺ ፡ ቤት ምኽሪ ካንሰር ፡ ነቲ ካብ ኣልኮላዊ መስተ ናጻ ዝዀነ መዓልቲ ኣብ ርእሲ ምእዋጁ ፡ ማይ ተጠቒምካ ጽምኢኻ ንምርዋይ እውን ፡ 12 ምኽርታት ኣልኮላዊ መስተ ክሰብር ሓሳብ የቕርብ እዩ ።
ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ዓመት ዳርጋ 20,500 ኣውስትራሊያዊያን ከምዝቐትል ይግመት (13 ካብ ሚእቲ ናይ ኩሉ ዓይነት ሞት) ኣብ ኣውስትራሊያ ብ2018 ብሰንኪዚ ሕማም 8.6 ካብ ሚእቲ ከምዝሞቱ ይግምገም ።
ንሓደ ሰብ ፡ ትጽቢት ብህይወት ዝጸንሓሉ ዓመታት ይንክዮ እዩ ፣ ብዘይካዚ ፡ ነቲ ዘጋጥሞ ብዙሕ ኵነታትን ሕማማትን ይዛይድ ከምኡ እውን ነቲ ሰብ ቅድሚ ግዜኡ ክመውት ዘለዎ ኣጋጣሚ ይውስኾ እዩ ።
4. ማሕበራዊ ርክባት ምህላው
ፕሮፈሰር ቲደማን ጽምዋ ኣብቲ ሕብረተሰብ "ዓቢ ጸገም" ምዃኑ ትገልጽ: እዚ ከኣ ሓደ ሰብ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዝኸብበሉ እዋን እውን ከይተረፈ ከጋጥም ይኽእል እዩ: ኸመይሲ መብዛሕትኡ ግዜ "ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ምትሕሓዝ ስለ ዝጐድሎ" እዩ ።
"እዚ ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ምርኻብን ምስቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብ ብስምዒት ምትሕሓዝን እዩ ።
"ንኻልኦት ሰባት ከም ናትካ ዓይነት ስምዒት ዝስምዖም ምዃኑ ምስ ዝስምዓካ እዩ: ንኻልኦት ሰባት ከም እትሓልየሎም እውን ዘርኢ እዩ ። እዚ ኵሉ ሰብኣዊ ርክብ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ "።
ርክብ ብእተፈላለየ መገዲ ክርከብ ከም ዝኽእል ትዛረብ: እዚ ድማ ኣብቲ ማሕበረሰብ ብወለንታ ብምዕያይን ንጡፋት ብምዃንን እዩ ።
"[ብወለንታ ምስራሕ] ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ሓደ ጉጅለን ኣብ ሓደ ዕላማ ተጠርኒፎም ማሕበራዊ ርክብ ንኽምስርቱ ዝገብር ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ ፡ ንብዙሓት ሰባት ስፖርት ጽቡቕ እዩ ።
"ኣብ ጋንታ ዝተመርኰሰ ዓይነት ስፖርት ኢኻ ትጻወት ፡ ኩሉ ሓደ ዓይነት ውጽኢት እዩ ዘለዎ ፡ በዚ መገዲ እዚ ድማ ትራኸብ ኢኻ ።"
ይኹን እምበር ፡ ገሊኦም ሰባት በይኖም ምዃን ባህ ከም ዝብሎም ትገልጽ ።
"[እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም] በይኖም እኳ እንተዀኑ: ብኻልእ መገዲ ግን እዚ ርክብ እዚ ኣለዎም ።"
ናይ Beyond Blue ምሕጽንታ ፡ ከም ስካይፕ ፡ ዙም ፡ ፌስታይም ኣፕሊኬሽንን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ፡ ሰባት ብቪድዮ ኣቢሎም በብጕጅለ ኺራኸቡ ከም ዝኽእሉ ይገብር ።
እቲ ማሕበር ፡ ከም ክለብ መጽሓፍ ፡ ትሪቪያ ምሸት ፡ ድራር ስድራ ቤት ፡ ናይ ሳዕስዒት ሚሸት ወይ ናይ ምሸት ዕላል ምስ ኣዕሩኽትኻ ዝኣመሰሉ ስሩዓት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምውዳብ ሓሳብ የቕርብ ።
5. ሃለዋት ገዛእ ርእስኻን ነቶም ትኣልዮም ሰባትን ግዲ ግበር
ንገዛእ ርእስኻን ነቶም እትከናኸኖም ሰባትን ምክንኻን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ጽቡቕ ምዕጻው ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ፡ኣብነት ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ቲድማን ይገልጽ ።
"ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ ። ንኣብነት ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዕጽዋ ዘለዉ ኣረጋውያን ወለዲ ወይ ብዛዕባ እቲ ዘድልዮም ነገራት ከም ዝሓስቡ ብምግባር ፡ ንገዛእ ርእሰይ እፈልጣ እየ ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ግና ፡ ብዙሕ ውጥረትን ጭንቀትን ከም ዘሎካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ። ስለዚ ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምምርማር ፡ ጽቡቕ ነገር ትሰርሕ ከም ዘለኻ ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ "በለት ።
ሓደ ሰብ ሰሙናዊ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣእምሮ ጥዕናኦም ማለት ኣብ ልዕሊ ስምዒታቶም ፣ ኣካላቶም ፣ ድቃሶምን ሓሳባቶምን ብቐጻሊ ክምርምር ኣለዎ ።
ሓገዝ ዝህቡ፥
Lifeline for 24-7 crisis support on 13 11 14, Suicide Call Back Service on 1300 659 467 and Kids Helpline on 1800 55 1800 (for young people aged 5 to 25). More information is available at and
supports people from culturally and linguistically diverse backgrounds.