ናይ ፈለማ ኣብ ሰብ ዝግበር ፈተነ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ 100 ወለንተኛታት ተጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ፈተነ ብኣመሪካዊ ኩባኒያ ባዮ ተክኖሎጂ Novavax, ክትትል ዝግበረሉን ኣብ መልበርንን ብርስቤንን ኣብ 131 ጥዑያት፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 59 ዕድሚኦም ይኽተቡ ኣለዉ።
ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኪኢላ ዶክተር ፖል ግሪፊን ካብ ኣብ ብርስቤን ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ማተር ሓደ ካብቶ ተመራመርቲ ነቲ ኣብ ናይ ክልኒክ ዝተገብረ ፈተነ ዝተኸታተለ እዩ፡ እዚ ናይ ፈለማ ኣብ ደቂ ሰብ ዝግበር ዘሎ ፈተነ እዩ።
"እዚ ኣዝዮ ዘሀንጢ ነገር እዩ።" ክብል ን ተለቪዥን ቻነል ናይን ገሊጹ።
"ጥዑያት ወለንተኛታት ነዚ ክታበት ፈለማ ክወስዱዎ እዮም። እቲ ኣውራ ዘገድስ ብዛዕባ ድሕነት እዩ። ስለዚ ብጥንቃቐ ክትትል ክንገብረሎም ኢና።"
ካብ ድሕነት ወጻኢ እቲ ፈተነ ነቶም ተመራመርቲ እቲ Novavax ዝማዕበለ ክታበት ክሳብ ክንደይ ብቕዓት ከምዘለዎ ኣፋፍኖት ክህቦም እዩ።
ዉጽኢት ናይዚ ፈተነ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንህዝቢ ክገልጽ ማእከል ምርምር Novavax ትጽቢት ዘለዎ ኮይኑ እዚ ብግዴኡ ንካልኣይ ገጽ መገዲ ከፊቱ ኣብቶም ኮሮና ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ክፍተንን ጎናዊ ሳዕቤን እንተለዎውን ክፍለጥ እዩ።

Dr Nita Patel looks at a computer model showing the protein structure of a potential COVID-19, vaccine at Novavax labs in Maryland on 20 March, 2020. Source: Getty
" ነቲ ክሰርሕ ዝኽእል ዓቐን ናይቲ ዝወሃብ ክታበትን ጎኒ ንጎኒ ናይዚ ድማ ኣብዚ መወዳእታ ዓመት ኣብ ህዝቢ ከነውዕሎ ኢና ንሰርሕ ዘለና።" ኣብ Novavax ሓላፊ ምርምር ዶክተር ግሪጎሪ ግለን ብርሑቕ ኣብ መልበርን ምስቲ ኣብ መሪላንድ ዝርከብ ማእከል ምርምር Novavax' ዝተገብረ ኮንፈረንስ ገሊጹ።
"ኣብዚ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እኹል ቁጽሪ ዶዛት ናይዚ ክታበት ክህልወና ተኽእሎ ከምዘሎ እዩ ትጽቢትና" ክብል ዶ/ር ግሪፊን ገሊጹ ኣሎ።
ልዕሊ ዓሰርተ ናይ ፈተነ ክታበታት ኣብ ቻይና፡ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክግበሩ እዮም።
ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ናይ 1.5 ሜትሮ ክረሓሓቕን ምስ ስድራ እንተዘይኮይኑ ካብ ክልተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ኣይፍቀድን ዘሎ።
በቲ ቫይረስ ተለኺፍካ ከይትኸውን እንተሰጊእካ፡ ናብ ዶክተርካ ደውል (ናብ ኡ ኣይትኺድ) ወይውን ናብ ሃገራዊ ኮሮና ቫይረስ ናይ ጥዕና ሓበሬታ ሆትላይን ብቑጽሪ 1800 020 080 ደውል። ናይ ምትንፋስ ጸገም እንተጋጢሙካ ወይውን ንህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ብቑጽሪ 000 ደውል