ፈይስቡክ ናይ ትካላዊ ስሙ ናብ መታ ዝብል ይቕይር፡

እዚ ስም እዚ ዝቕየር ዘሎ ፡ እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ ኮይኑ ዘሎ፡ብሓገግቲን ተቖጻጸርቲ ኣካላትን ብዙሕ ወቐሳታት ኣብዝቐርበሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

Mark Zuckerberg, chairman and CEO of Facebook has announced the rebranding of his platform under a new name "meta" to help build ta next chapter he announced in a keynote.

Facebook CEO Mark Zuckerberg announces their new name, Meta, during a virtual event. Source: AP

ካብዚ እዋን 'ዚ ኣትሒዙ ፈይስቡክ ሜታ ክብሃል'ዩ ፡ እቲ ኩባንያ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ እቲ ስም ምቕያር ዝተደልየሉ ምኽንያት እቲ ኩባኒያ ዘለዎ ናይ ዓርሞሺሽ ምዃን ጥሙሕ ንምትኳር እዩ ።

እዚ ስም እዚ ዝቕየር ዘሎ ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ ፡ ኣብ ልዕሊ ዕዳጋ ሓይሉ እናዓበየ ፡ ብኣልጎሪዝም ንዚውሃብ ውሳነታትን ኣብ መድረኽ ንዚቐርብ መግሃስቲ ኣብ ምእላይን ብ ናይ ሕግን ተቘጻጸርትን ትካላት ነቐፌታ ኣብዝቐርበሉ ዘሎ እዋን እዩ ።

ሓላፊን ወናኒን እቲ ትካል ማርክ ዙከርበርግ ኣብ "ዝነበረ ኮንፈረንስ ክዛረብ እንከሎ ፡ እዚ ሓድሽ ስም ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝግበር ኣገልግሎት ስማት ዘይኰነስ ፡ ነቲ 'መታቨርስ' ንምህናጽ ዘለዎ ጥሙሕ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጹ ።
እዚ 'መታቨርስ' ዝበሃል ሓሳብ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዲያስቶፕያን ልብ ወለድ ንመጀመርታ ግዜ እተዳለወት ስያመ ኮይኑ: ሕጂ ድማ ኣብ ሲሊኮን ቫሊ እትስሕብ ኰይና: ሰባት እተፈላለየ መሳርሒታት ተጠቒሞም ብሓባር ክረኽብዎ ዝኽእሉ ሓባራዊ ከባቢ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘት እያ ።

ሚስተር ዙከርበርግ ፡ "ሕጂ ፡ እቲ ናትና ምልክት ምስ ሓደ ፍርያት ኣዝዩ ጥራይ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ ፡ ይትረፍዶ ኣብ መጻኢ ንዅሉ እዚ ሎሚ እንሰርሖ ዘለና ነገራት ክውክል ኣይክእልን እዩ" በለ ።

እቲ ትካል ኣብ ናይ ቪርቹዋል ዓለም ብዙሕ ወፍሪ ከምዝገበረን ፡ እዚ ለውጢ እዚ ነቲ ናቱ ዝተፈላለየ ኣፕሊኬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሓድሽ ሕላገት ከም ዘእትዎ ገሊጹ ። ነቲ ትካላዊ ኣሰራርሓኡ ከም ዘይቅይሮ ድማ ይገልጽ ።

ወርሓዊ ኣስታት 2.9 ቢልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለዉ ጸብጻብ ዝህብ እቲ ዓርሞሸሽ ተክኖሎጂ ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሕግን ተቖጻጸቲን ብዙሕ መርመራታት ተጌርሉ እዩ ።

ulators.
Mark Zuckerberg, chairman and CEO of Facebook has announced the rebranding of his platform under a new name "meta" to help build ta next chapter he announced in a keynote.
Facebook CEO Mark Zuckerberg. Source: AP
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተላዕለ ክርክር ፡ሓንቲ ናይ ቀደም ሰራሕተኛ ፈይስቡክ ፍራንቸስ ሃዋገን ፡ እቲ ኩባንያ ካብ ድሕነት ተጠቃሚ መኽሰብ ከም ዝመረጸ ዝገለጽ ሰነዳት ኣቃሊዓ ኔራ ። ሚስተር ዙከርበርግ ኣቐድም ኣቢሉ ፡ እቲ ሰነዳት "ናይ ሓሶት ምስሊ" ዝተገብረ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ ።

 


Share
Published 29 October 2021 9:02pm
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends