ፌስቡክ፡ ሓበሬታኹም ንኽሰርቁ ዝተሰርሑ 400 ኣፕ (apps) ረኺቡ። ብዛዕባ'ዚ እንታይ ክትገብሩ ይግበኣኩም

ነቲ ጌጋ ዝኾነ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ጌርኩሞ እንተኾይንኩም ብናይ ሳይበር መጥቃዕቲታት ንናይ ፈይስቡክ ሕሳብካ ምሉእ መእተዊ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ። ገለ ካብቲ ክትጥንቀቕሎም ዝግበኣኩም ዓይነት ኣፕሊኬሽናት ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸወታ ከመይ ጌርኩም ሃከራት (ሰረቕቲ ዲጂታዊ ሓበሬታ) ደው ከም እተብልዎ ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ ።

The app icons of Facebook, Messenger, Instagram, WhatsApp, and Oculus VR are displayed on a smartphone screen with a Meta logo in the background.

ሜታ ንተጠቀምቲ ናይ ፈይስቡክ፡ ናይ ሎጊን ሕሳብን ዳታታትን ንምስራቕ ዝተኣልመ ሃሳዪ ኣፕሊኬሽናት ብኸመይ ከለልዩ ከምዘለዎም ንምጥንቃቕ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ ። Source: Getty / SOPA Images / LightRocket

Key Points
  • ሜታ ፡ ነተን ዓርሞሸሽ ዝዀና ኣፕልን ጉግልን ንብሕታዊ ሓበሬታአን ክሰርቃ ተባሂለን እተሰርሓ ልዕሊ 400 ኣፕሊኬሽናት መራኸቢ ብዙሃን መጠንቀቕታ ሂቡለን ኣሎ ።
  • ኣብዚ ገለ ካብ ዓይነታት ናይ ኣፕ ሜታ ንመጠንቀቕታ ክኾነኩም ረኺቡ ኣሎ ፡ ኣብ ጸወታኦም ከመይ ጌርኩም ከምትሃርምዎም ከምትኽእሉውን ገሊጹ ።
ናይ ፈይስቡክ ትካል መታ ፡ ካብ ናይ ሰባት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጸብጻባት ውልቃዊ ሓበሬታ ክሰርቁ ንዝጸንሑ ልዕሊ 400 ኣፕሊከሽን ፡ ንዓርሞሸሽ ኩባንያታት ኣፕልን ጉግልን ኣጠንቂቑ ኣሎ ።
ሰባት ንገለ ናይ ስእሊ (ፎቶ) ኣፕሊኬሽናት ፡ ሆሮስኮፕ ፡ ወይ ናይ ኣካላዊ ምውስዋስ ዝከታተሉ (fitness tracker apps) ኣፕሊኬሽናት ገለ ካብቶም ብዙሓት ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝግባእ ምዃኖም ይንገሮም ኣሎ ።
ሜታ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ መጽናዕቱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣይኦስን (iOS ) ኣንድሮይድ ኣፕሊኬሽናት ንተጠቀምቲ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ኣካውንቶም ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቕዎም ኣረጋጊጹ ።
ሚታ ሪፖርት ካብ ዝህቡሉ እዋን ጀሚሮም ኣፕልን ጉግልን ክልቲኦም ነቲ ናይ መልወር ኣፕሊኬሽናት (malware apps) ካብቲ ዘለውዎ ናይ ኣፕሊኬሽን መኽዘናት ኣውጺኦምዎ ኣለው ።
ናይ መታ ዴቪድ ኣግራኖቪሽን ርያን ቪክቶሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቐባልነት ዘለዎ ሓድሽ ኣፕሊኬሽን ኣብ ምውራድን ሰባት ካብ ሓደጋ ምእንቲ ክድሕኑ ግብራዊ ስጕምትታት ኣብ ምሃብን ፡ ሰባት ጥንቁቓት ክዀኑ ነተባብዕ ኣለና" ኢሉ።
እዚ ብናይ ቀደም ፈይስቡክ ዝፍለጥ ዝነበረ ሚታ ዝመጸ ምልክታ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናይ ኣስታት 10 ሚልዮን ናይ ኣውስትራሊያውያን ውልቃዊ ሓበሬታ ካብ ኦፕቱስ ናይ ዳታ ምስራቑ እዩ ።
ሜታ ፡ ሓደ ሃከር ናይ ሓደ ሰብ ናይ ፈይስቡክ ሎግ ኢን ዝርዝራት ምስ ዝህልዎ ፡ ምሉእ ብምሉእ ጸብጻባቶም ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ፡ እዚ ድማ ንፈተውቶም መልእኽቲ ምትሕልላፍን ናይ ውልቂ ሓበሬታ ምቕባልን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ ።

ኣየኖት ኣፕሊኬሺናት እዮም ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝግባእ?

ሜታ ከምዝበሎ ፡ ናይ ሜልወር ኣፕሊኬሽናት መብዛሕትኡ ግዜ ንተጠቀምቲ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ዘልዕሉ "ዘርእይዎ ምልክታት" ኣለዎም ።
ኣብዚ ገለ ካብቶም ኣፕሊኬሽናት ሜታ ዝረኸቦም ኮይኖም ጥንቃቐ ክትገብርሎም ዝግባእ እዮም ፥

ናይ ፎቶ ኢዲቲንግ ኣፕሊኬሽን ንተጠቀምቲ "ናብ ካርቱናት ክቕየሩ'ዩ" ዝዕድም
  • ቅልጣፈ ንምብርባር ወይ ዝተዓጽዋ ዌብሳይታት ንምርካብ ዳርጋ ናይ ውልቂ ነትዎርክታት
  • ኣገልግሎት ናይ ስልኪ ፡ ከም ኣፕሊኬሽናት ንናይ ስማርትፎን ነባር ብርሃን ኣጸቢቕካ ንምብራህ
  • ናይ ልዑል ሪሶሉሺን ግራፊክስ ጸወታታት (ጌምስ)
  • ሆሮስኮፕ ወይ ናይ ምውስዋስ ኣካላት ዝከታተል ኣፕሊኬሺን (fitness tracker apps )
  • ናይ ንግዲ ወይ ናይ ምሕደራ ኣፕሊኬሽናት ኣብ ካልእ ናይ ቴክኖሎጂ ፕሮግራማት ዛጊት ኣብ ወግዓዊ ኣፕሊኬሽን ኣይርከብን እዩ።

    ካልእ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ሜታ ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ነቲ ኣፕሊኬሽን ንምርካብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት መተኣማመኒ ዘለዎም ኣፕሊኬሽናት ክደልዩን ፡ ቅድሚ ምውራድካ (download ) ብዛዕባ ሓደ ኣፕሊኬሽን ዘሎ ኣሉታዊ ሪኢቶታት ከረጋግጹን ፡ እቲ ኣፕሊኬሽን ምስቲ ኣብቲ ኣፕሊኬሽን ተመባጺዕዎ ዘሎ ዝፍጽሞን እንተኾይኑ ክግምግሙን ትመክር ።

ድሮ በዚ ተተንኪፍኩምዶ?

ሓደ ተጠቃሚ ብኣፕ ከም እተጸልዉ እንተ ኣስተብሂሉ ፡ ሜታ ነቲ ኣፕሊኬሽን ከም ዝሰረዙዎን እንደገና ፓስዎርድ ከም ዚቐየርዎን ከረጋግጹ ይሕብር ። ኣብ ብዙሕ ዌብሳይታት ንዝርኸብ ተመሳሳሊ ፓስዎርድ ከምዘይትጥቀሙ ከረጋግጹ ከምዘለዎ እውን ይሕብር ።

ብተወሳኺ ፡ ክልተ ረቛሒ ዘለዎ መረጋገጺ ቅኑዕነት ምጥቃም ፡ ከምኡውን ሓደ ሰብ ነቲ ናትካ ጸብጻብ እንተ ረኺብዎ (ኣክሰስ እንተጌርዎ) ኼጠንቅቐካ ዝኽእል መሐበሪታት ክትጥቀም ሓሳብ ይህብ ።
ዝርዝር እቲ ሕጂ እተዘረዘ መታለሊ ኣፕሊከሽን (malware apps ) ኣብዚ ክትረክቡ ትኽእሉ ።

Share
Published 8 October 2022 3:34pm
By Rayane Tamer
Source: SBS


Share this with family and friends